2016-01-06 09:27:00

ናይ ምሕረተ ዓመት ኣብ ፓኪስታን


ብምኽንያት ናይ ምሕረት ዓመት ኣብ ፓኪስታን ኣብ እትርከብ ናይ ፋይሳላባድ ክፍለ ሰበኻ ኦካራ ዝተሓንጸ ሓድሽ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ፋይሳላባድ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ጆሰፍ ኣርሻድ ብናይታ ሓዳሽ ቤተ ክርስቲያን ቆሞስ ኣባ ጆን ሙራድን ናይ ሰበኻን ናይ ዝተፈላለያ ማሕበራት ካህናትን ተዓጂቦም ብዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምእተባረኽ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

እታ ቤተ ክርስቲያን ናይ ሓድነትን ፍቕርን ምሕረት እግዚኣብሔርን ትእምርቲ እያ

ናይታ ቁምስና ኣባላት እታ ቤተ ክርስቲያን ንምሕናጽ ኣብ ዝተኻየደ ኩለ መዳያዊ ጻዕሪ ዓቢይ ኣበርክቶ ከምዝገበረ ብፁዕ ኣቡነ ኣርሻድ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ዘኪሮም ምስጋናኦም ብምቕራብ፣ እቲ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ 100 ሺሕ ካቶሊካውያን ኣባይቲ ስድራ ብኣባልነት እትሓቁፍ ቤተ ክርስቲያን ናይ ሓድነትን ፍቕርን ምሕረተ እግዚኣብሔርን ትእምርቲ እያ ቢሎም፣ ነቶም ኣብቲ ናይ ባርዀት ስነ ስርዓት ዝተረኽቡ ናይ ካልኦት ሃይማኖታት ሰዓብቲ ዕዱማት ከምዘመስገኑ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ኣብዚ ናይ ምሕረት ዓመት ናይ ጽልእን ዓመጽን ኣጻር ምርጋፍ

ብፁዕ ኣቡነ ኣርሻድ፦ እታ ሓዳስ ቤተ ክርስቲያን ናይ ክርስቶስ ህላዌ ጭቡጥ ምስክርነት እያ ቢሎም ኣብዚ ናይ ምሕረት ዓመት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከምቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቡኡን ኣቦናን መሓርቲ ክንከውን እዩ ዝደሊ ስለዚህ ናይ ጽልእን ውግእን ኣጽዋር ብምርጋፍ ንሃገረ ፓኪስታን ብምሕረት ኣምላኽ ከተዕለቕልቕ ከምቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ መሓርቲ ንዅን ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ። 








All the contents on this site are copyrighted ©.