2016-01-06 09:05:00

ብፁዕ ካርዲናል ራይ፦ ኣብ መንጐ ሱኒት ሽዕን ዘሎ ግጭት ጠንቂ ስደት ንማሕበረ ክርስትያን


እቲ ኣብ መንጐ ኢራንን ሱዕዲ ዓረብን ኣብ መንጐ ሱኒን ሽዓውያንን ተኸሲቱ ዘሎ ውጥረት ናይቲ ከባቢ ማሕበረ ክርስቲያን ንሓደጋ ዘቃልዕን ህልው ኩነታት ማሕበረ ክርስቲያን ማእከላይ ምብርቕ ናብ ዝኸፍኤ ሓደጋ ዝመርሕን ምዃኑ ኣብ ሊባኖስ ናይ ማሮናዊ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ካርዲናል ቡትሮስ በቻራይ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ብስልኪ ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፦ እቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ውጥረትን ግጭትን እቲ ሕጂ ኣብ መንጐ ሱኒን ሺዓውያንን ተቐስቂሱ ዘሎ ውጥረት ንናይቲ ከባቢ ማሕበረ ክርስቲያንን ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምናን ካልኦት ሃይማኖት ሰዓብትን ንሓደጋ የቃልዕ ኣሎ፣ ንኹሉ እዩ ዝጎድእ፣ ማእከላይ ምብራቕ ማሕበረ ክርስቲያን ዘድልዮ ከባቢ እዩ፣ ከምዚ ምዃኑ ድማ ኩሉ ዝፈልጦን ህላዌ ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ መጻእተይና ዘይኰነ ዝጸንሔ እዩ። ናይ ሕውነትን ሓልዮትን ምትሕብባርን ወንጌል ዘበስር እዩ። ሰብኣዊ መሰል ክኽበርን ኩሉ ናይ ሕንጸትን ሕክምንን ምርካብ መሰሉ ክሕለወሉ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብቲ ከባቢ እተገልግልን ሰብኣውን መንፈሳውን ምሉእ ሕንጸት ብምቕራብ ድኻታት ብምእላይ ኣብዚ ጽንኩር እዋን እውን እንተዀነ ብቐዳምነት ተዋፊራ ተገልግል ኣላ። ስደተይና ምእንጋድ ግድን እዩ፣ ካብ ምእንጋድ ግና ኣብ ገዛእ ሃገሩ ብሰላም ዘንብሮ ዕድል ምፍጣር ዝበለጸ እዩ። ናይ ዓለም መንግስታት ናይቲ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢ ዓለም ዘሎ ውጥረት መንቀሊኡ ዝፈልጦ ምዃኑ ዘየጠራጥር ኢዩ ኢሎም።

ካብ 1300 ሺሕ ዓመት ኣትሒዙ ኣብ መንጐ ሱኒን ሺዓውያንን ድጉል ምስሕሓብን ሕቡእ ውጥረትን ከምዝነበረ ታሪኽ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ፣ ማእከላይ ምብራቕ ብሔራውን ዓለም ለኻውን ረብሓታት ዓይኑ ዘንበረሉ ክፍሊ ዓለም እዩ፣ እተን ክልተ ናይቲ ከባቢ ዓበይቲ ሓያላን ሃገራት ዝበሃላ ኢራንን ስዑዲ ዓረብን ብሔራዊ ረብሓታተን ዘንብራሉን ፖለቲካውን ኤኮኖሚያውን ዕማመታተን ንምፍጻም ዝኽተልኦ ሜላ ኣብቲ ከባቢ ዓቢይ ውጥረት ዘለዓዕል እዩ። ኣብ ሶርያን ኢራንን የመንን ኣብ ሱዑዲ ዓረብ እውን ዘሎ ዘይምርግጋእ ናይ ዓለም ሓቆፍ ፖለቲካውን ኤኮኖሚያውን ረብሓታት ዘንቅሎ እዩ። ናይዚ ኹሉ ጠንቂ ድማ እቲ ኣብ መንጐ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ዘሎ ገና መዕለቢ ዘይረኸበ ናይ ነዊሕ ዓመታት ውጥረት እዩ። እዚ ድማ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ዝፈልጦ እዩ። ስለዚህ እቲ ናይ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ግጭት መዕለቢ ከይረኸበ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰላም ክሰፍን ማለት ሕልሚ እዩ ኢሎም።

እቲ ናይቲ ከባቢ ሁከት ሃገርን ባህልታትን ናይ ሕዝብታትን ውልቃውን መንነትን ዘባድም እዩ። እቲ ኣብቲ ከባቢ 1400 ዓመታት ዘቁጽር ዘሎ ህላዌ ማሕበረ ክርስቲያን ምስ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምናን ኣብ ገለ ገለ እዋን ብታሪኽ ዝዝከር ዘይምርድዳኣት እንተዘይኰይኑ ብሰላም ዝነበር እዩ። ኣብቲ ከባቢ መኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ዘካይድዎ ዘለዉ ዓመጽን ውግእን በተን ኣብቲ ከባቢ ውልቃዊ ረብሓ ዘለወን ናይ ውግእ ኣጽዋር ኣምረቲ ሃገራት ዝድገፍ እዩ ዝመስል፣ ስለዚህ ድማ ፖለቲካን ኤኮኖምን ሰብኣውነት ክሳብ ዘየማእከለ ሁከትን ውጥረት ብቐጻሊ ክህሉ እዩ። ከምቲ ንመላእ ማሕበረ ክርስቲያንን ሰብ ጽቡቕ ድላይን ቅዱስ ኣቦና ኣብ መላእ ዓለም ሰላም ክረጋገጽ ዘመሓላልፍዎ መልእኽትን ዘቕርብዎ ጻውዒትን ምንቕቓሕ የድሊ፣ ሎሚ ሰላም ቋንቋኡ ዝገበረ ሃገር ዘሎ ኣይመስለንን ቢሎም፣ ናይ ኩለን ሃገራትን ኩሉ ሕዝብን ሃይማኖታትን ቋንቋ ሰላም ይኹን እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.