2015-12-31 16:47:00

ኣብ 2015 ዓ.ም. 22 ናይ ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣገልግሎት ኣባላት ከምእተሰውኡ


ኣብ 2015 ዓ.ም. ኣብ መላእ ዓለም 13 ካህናትን 4 ገዳማውያንን 5 ዓለማውያን ምእመናን ዝርከብዎ ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣገልግሎት ኣባላት ከምእተቐትሉን ብዝርዝር ክረአ እንከሎ ኣብ ላቲን ኣመሪካን ብጠቕላላ ሸውዓት ካህናትን ሓደ ዓለማዊ ምእመን፣ ኣብ ኣፍሪቃ 3 ካህናትን ሓደ ገዳማውን ሓደ ዓለማዊ ምእመን ኣብ እስያ ድማ ሓደ ካህን 2 ገዳማውያንን 4 ዓለማውያን ምእመናንን፣ ኣብ ኤውሮጳ ድማ ኣብ ሃገረ ስፐይን ክልተ ካህናት ከምእተቐትሉ ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ስብከተ ወንጌል ማሕበር ጸብጻብ ዝጠቐሰ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ከምዘፍለጠ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኢዛበላ ፒሮ ሓቢረን።

መብዛሕቲኦም ዝተቐትሉ ልኡካነ ወንጌል ብኢድ ዘረፍቲ ምዃኑ ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ስብከተ ወንጌል ማሕበር ኣባል ኣባ ቪቶ ደል ፕርተ ገሊጾም፣ እቲ ገዛእ ርእሱ እስላማዊ ሃገር ዝሰመየ እስልማዊ ናይ ግብረ ሽበራ ጉጅለን እስላማዊ ሓይሊ ኣሸበርቲ ቦኮ ሓራምን ከምኡ እውን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝረአይ ናይ ሃይማኖት ኣድልዎን ዳርጋ ብመንግስቲ ደረጃ እውን ቅቡል ዝዀነ ስርዓት ዘኽፍሎ ናይ ደም ሰማእትነት ብሓቂ ንተልእዀ ወንጌል ትብዓት ምዃኑን ሰማዕትነት ነቕ ዘይብል እምነትን ፍቕሪ ቃል ኣምላኽን ሕዝብን ቤተ ክርስቲያንን ዝሓትት ምዃኑ እዩ ዘገንዝብ፣ ናይ እምነትን ፍቕርን ተስፋን ጅግንነት ዝሓትት እዩ፣ እቲ መስዋዕቲ ደቂ ቤተ ክርስቲያን ድማ ናይ ሰብ ጽቡቕ ድላይን ሕብረተሰብን ዓለም ሕልና ዘበራብርን ቅንዕናን ተሓባባርን ሕብረተሰብ ንምቛም ዘስተውዕል ሕልና ዘነቓቕሕ ናይ እምነት ትብዓት ምዃኑ ከምዝገለጹ ኢዛበላ ፒሮ ኣመልኪተን።

ብዙሓት ኣስማቶም ዘይፍለጥ ስለ እቲ ኣብ ክርስቶስ ዘለዎም እምነት መስዋዕቲ ዝዀኑ

እቲ ር.ሊ.ጳ. ናይ ስብከተ ወንጌል ማሕበር ጸብጻቭ ዝጠቐሰ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ዝሃቦ ዜና ተወኪሰን ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲይ ቫቲካን ኢዛበላ ፒሮ ፦ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ስለ እቲ ኣብ ክርስቶስ ብዘለዎም እምነት ምኽንያት ዝቕተሉን ሃለዋቶም ዘይፍለጥ ዝተጨውዩን ዝሳደዱን ብዙሓት ምዃኖምን ብዙሕ ዘይንገረሎም እውን ብዙሓት ከምዘለዉን ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን እስያን ብሰፊሕ ዝረኣይ እውን እዩ ኢለን።








All the contents on this site are copyrighted ©.