2015-12-31 16:44:00

ናይ ርሑስ ሓድሽ 2016 ዓመት መልእኽቲ ምእመናን ንቅዱስ ኣቦና


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 30 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም. ናይ 2015 ዓ.ም. መወዳእታ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ኣስተምህሮ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ንዝመጹ በሸሓት ንዝቝጸሩ ምእመናን ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ፣ ካብ መላእ ምእመናን ናይ ርሑሽ ሓድሽ 2016 ዓመት ምንዮት መግለጽን መዛሙርን ከምዝቐረበሎም ልእኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሚሸል ራቪያርት ሓቢሮም።

ብዙሓት ምእመናን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ተባዕን ሓላይን ትሑትን ንዝተናዕቁን ድኻታትን ኣብ ወሰናስን ከተማታትናን ህልውናን ንዝርከቡ ቀረባን ኣፍቃሪ ድኻን ሕዙንን ህሟምንን ኣረጋውያንን ምዃኖም ዘቃልሑ ናይ ርሑስ ሓድሽ ዓመት ምንዮት መግለጺ መልኽቲ ከምዝቐረበሎምን እቲ ዝጀመርዎ ናይ ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዎት ሓዋርያዊ መዋቕራትን ናይ ሃገረ ቫቲካን ሕዳሴ ኣብ መፈጸምታ ከብጽሕዎን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኰነ ኣብ ጉዳይ ዓለም ለኻዊ ፖለቲካን ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ከይዲ ዘለዎም ንጹር ሓሳብን ርእይቶን ኣብ ቅድሚ ምእመናን ይኹን ምስ ዝራኸብዎም ናይ ሃገራት መራሕትን ኣብ ዘካይድዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደታት ከይተረፈ ብዓውታ ዘቕርቡ እዮም። እቲ ዝብልዎን ዝምዕድዎን ዝሰብክዎን ንኻልእ ዘይኰነ ቅድም ቀዳድም ንቤተ ክርስቲያንን መዋቕራት ቤተ ክርስቲያንን ውሉደ ክህነትን መንፈሳዊ ማሕበራትን ምእመናን ዝምልከት ኰይኑ፣ ስዒቡ ንእነብረሉ ዓለም ዝዛረብ እዩ። ለውጥን ሕዳሴን ካብ ቤት እዩ ዝጅመር ቅዱስነቶም ድማ ነዚ ግምት ብምሃብ እቲ ዘቕርብዎ ወንጌላዊ ሕዳሴ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ውሽጢ ንኽረጋገጽ ይመርሑ ኣለዉ፣ እቶም ምእመናን ዘቕረብዎ ናይ ርሑስ ሓድሽ ዓመት ምንዮት ድማ ነዚ ዘድምዐ ምንባሩ ራቪያርት ሓቢሮም።

ኣብ ስድራ ቤት ኣማእኪሉ ዝተኻየደ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ዲኖዶስ፣ ዘካይድዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደታት ስብከታቶም ኣስትምህሮታቶምን ስልጣናዊ ቃሎምን ዝኣወጅዎ ናይ ምሕረት ዓመትን ቃል ኣምላኽ ዘማእከለን ትውፊትን ታሪኽን ቤተ ክርስቲያን ዘቃልሕ እውን እዩ። እቶም ኣብቲ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዝተረኽቡ ምእመናን ነዚ ኹሉ ብዝተፈላለየ መዳይ እናገለጹ ድማ ቅዱስነቶም ኣብ ዘካይድዎ ዘለዎ ሕዳሴ ምእመናን ቤተ ክርስቲያንን ብፁዓን ጳጳሳትን ካህናትን ደናግልን ኩሉ ኣብ ጐድኖም ምዃኑ ዝምስክር ከምዝነበረ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ራቪያርት ገሊጾም።

ሰላም ኣብ መንጐ ኣሕዛብን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ዘተባብዑን ኢየሱስ ክርስቶሳዊ ሕይወት ምንባር መንነትና ምዃኑ ብቃልን ሕይወትን እናመስከሩ ዝመርሑ ምዃኖም ድማ ምእመናን ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣብ ዝሃብዎ መልሲ ብተደጋጋሚ ዝተገልጸ ናይ ሓባር ረቛሒ ሓሳብ ምንባሩ ድማ ራቪያርት ኣመልኪቶም።








All the contents on this site are copyrighted ©.