2015-12-31 16:56:00

ቅዱስ ናይ ምሕረት ዓመት ኣብ ማካኦ


ኣብታ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ፖርቱጋል ዝነበረት ኣብ 1999 ዓ.ም. ናብ ቻይና ዝተመልሰት ማካኦ እቲ ዕለት 8 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም. ዝተእትወ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝኣወጅዎ ናይ ምህረት ዓመት ዕለት 13 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም. ናይ ማኮኣ ሰበኻ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኽሰ ላይ ቅዱስ በሪ ናይ ምኽፋት ስነ ስርዓት ከምዝፍፈጸሙን ኣብ መላእ ሞካኦ ኣብ ዝርከባ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ቤተ ክርስቲያን ደውል ከምእተደወለን ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ብፁዕ ኣቡነ ላይ ኣብ ምኽፋት ቅዱስ በሪ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፦ ቅዱስ ቁርባንን ምስጢረ ንስሓን ናይ ምሕረት ዓመት መሠረት ምዃኖም ገሊጾም፣ ኩሉ ምእመን ናብ ቅድስ ቁርባንን ምስጢረ ንስሓን ክቐርብን ምስ እግዚኣብሔር ብምትዕራቕ ምስ ብጻዩን ገዛእ ርእሱን ተፈጥሮን ክዕረቕን ሓደራ ቢሎም፣ ስለ እቶም ኣብ ንስሓ ቦታ ዝርከቡ ምሉእ ናይ ሓጢኣት ስርየት ምእመናን ብቅዱስ በሪ ክሕላፉን ናይ ፍቕሪ ስራሕን ክነብሩ ከምዘተሓሳሰቡ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ኣብ መላእ ቁምስናታት ማካኦ ዓመተ ምሕረት ክንበርን ኣብ ዓመተ ምሕረት ዘተኰረ ናይ ሕንጸትን ዓውደ ጉባኤታትን መጽናዕትታትን ክተባብዕ ድማ ብፁዕ ኣቡነ ላይ ጻውዒት ኣቕሪቦም ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከባ ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስቲያን መናብርተ ጥበብን እቲ ካብ 45 ሃገራት ዝተዋጽኡ ተመሃሮ ዘእንግድ ቅዱስ ዮሴፍ ተቛም እውን ነቲ ናይ ምሕረት ዓመት ዘድምዕ ባህላዊ ምንቅስቓስ ከሳልጥ ሓደራ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.