2015-12-29 16:10:00

ልዕሊ ሹድሸተ ሺሕ ኣናጐስጢስ ወመዘምራን ብምኽንያት ናይ ምሕረት ዓመት ኣብ ሮማ


ናይቶም Pueri Cantores-ኣናጐስጢስ ወመዘምራን መበል 40 ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ብዝተፈላለዩ መደባት ተሰንዩ ኣብ ሮማ ዕለት 28 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም. ከምእተጀመረ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቨሮኒካ ዲ በነደትቶ ሞንታቺኒ ገሊጸን።

ኣብቲ ክሳብ ዕለት 1 ጥሪ 2015 ዓ.ም. ዝቕጽል መበል 40 ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣናጐስጢስ ወመዘምራንን ኣመልኪቶም ናይ ኣናጐስጢስ ወመዘምራን ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ሮበርት ትይራላ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፣ እቶም ካብ 18 ሃገራት ዝተዋጽኡ ብጠቕላላ 6ሺሕ መዘምራን ተግባእያን እቲ ዘካይድዎ መበል 40 ዓለም ለኻዊ ጉባኤ ኣብቲ ዝተኣትወ ናይ ምሕረት ቅዱስ ዓመት ዝተተሓሓዘ ብምዃኑ ብሓቂ ፍሉይ እዩ፣ ስለዚህ ነቲ ናይ ምሕረት ቅዱስ ዓመት ብዝተፈላለዩ መንፍሳውያን መዝሙራትን ተዋስኦን ከብዕሉን ክነብሩን ምዃኖም ገሊጾም፣ እቲ ዓለም ለኻዊ ማሕበር ኣናጐስጢስ ወመዘምራን ዘቖሙ ብፁዕ ኣቡነ ማይለት ከምዝብልዎ ኣናጐስጢስ ወመዘምራን ናይ እግዚኣብሔር ሰላም ዘመርቲ እያቶም፣ ኣብቲ በቢ ሰለስተ ዓመት ዝካይድ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ዝሳተፉ መዘምራን ንዓለም ናይ እግዚኣብሔር ሰላም ዘመርቲ እያቶም፣ ናይ ለምዘበን ዓውደ ጉባኤ መርሕ ቃል ድማ እቲ ኣባኹም ዘሎ ተስፋ ዘምሩ ዝብል ምዃኑ እውን ሓቢሮም፣ እቲ ኣባና ዘሎ ተስፋን ፍቕርን እምነትን እቲ ኣባና ዝተሓትመ ኣርኣያን ኣምሳልን እግዚኣብሔር ክዝምሩ እያቶም፣ ብፍላይ ድማ ኣብዚ ናይ ምሕረት ዓመት እቲ ዘለዓለማዊ ምሕረት እግዚኣብሔር ክዝመር እዩ። በዚ መዝሙር’ዚ ተመሪሖም ድማ ኩሎም ተግባእያን ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ክራኸቡ ምዃኖም ሓቢሮም።

መንእሰይ ወለዶ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተስፋ እዩ፣ ስለዚህ መንእሰይ ወለዶ ዘካይዶ ዋዕላ መጻኢ ዝሓንጽ ክኸውን እንከሎ፣ መጻኢ ዘይሓንጽ ከይድን መደባትን ርክባትን ምስ መንእሰይ ዕንወት እዩ ዝኸውን፣ ቃል ኣምላኽ ዝዝምሩ መንእሰያት ናይ ዓለም መጻኢ ሓነጽቲ እያቶም ምስ በሉ ድማ እቶም ተጋባእያን መዘምራን ካብ ኣፍሪቃን ላቲን ኣመሪካን ካብ እስያን ኤወሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ዝተዋጽኡ እያቶም። ብናይ ምሕረት ዓመት ምኽንያት ኣብ ሰበኻ ሮማ ኣብ ዝካየዱ ዝተፈላለዩ ናይ ኣስተንትኖን ጸሎትን መደባት እቶም ኣብዚ መበል 40 ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ዝሳተፉ ዘለዉ መዘምራን በቢ ጉጅለ ተመዳዲቦም ፍሉይ መዝሙራት ከቕርቡ ምዃኖም ሓቢሮም ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.