2015-12-26 14:59:00

በዓለ ልደት ኣብ ዒራቕ፦ ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ዒራቕ ልኡካን ምሕረት


ኣብታ ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ሕዝባ ሓደ ሚሊዮን ፈረቓን ንላዕሊ ዝሽፍን ማሕበረ ክርስቲያን ዝነብረላ ሃገረ ዒራቕ ዕለት 24 ታሕሳስ 20154 ዓ.ም. ኣብ ባቕዳድ ናይ ከለዳዊ ሥርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ልዊስ ሳኮ፦ ጽሞናን ንብዓትን ኣብ ዘሰንያ ዘሎ ሃገረ ዒራቕ ሕዳሴን ብሉጽ ሕይወትን ዘረጋግጽ በዓለ ልደት ዝምነይ ስብከት ብምኽንያት በዓለ ልደት ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዝለገሱ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጃዳ ኣኵይላኒ ሓቢረን።

ብፁዕነቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ብስልኪ ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፦ ንበዓለ ልደት ብዘይ ማሕበራዊ መደባትን መጸበቒ ስልማትን ሕዝቢ ዒራቕን ማሕበረ ክርስቲያን ዒራቕ ዝነብሮ ዘሎ መንፈስ ብዘጉልሕ ኵነት ከምእተብዓለ ሓቢሮም፣ መንግስቲ ብበዓለ ልደት ምኽንያት ኣብ ቅርዓት ናይ ባግዳድ ፓታሪያርክ ሕንጻን ከምኡ እውን ኣብ ቅርዓት ናይ ሕዝባዊ ባይቶ ሕንጻ እውን ናይ በዓለ ልደት ጽሕዲ ክቐውም ገይሩ እዩ። እዚ ደስ ዘብል ተግባር እውን እንተዀነ፣ ኣብ ዒራቕ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ክኽበርን ኩሉ ዜጋ’ታ ሃገር ብዘይ ናይ ሃይማኖትን ዓሌትን ኣድልዎ ዜጋዊ መሰሉ ብማዕርነት ተኸቢሩሉ ዝነብረላን ማዕርነትን ነጻነት ሰላምን ዝዓሰላ ሃገር ክትኸውን እዩ ድልየትና፣ ብዝሒ ማሕበረ ክርስትያን ካብ ዕለት ናብ ዕለቱ እናጐደለ እዩ ዝኸይድ ዘሎ፣ ስለዚህ እዚ ስደት ማሕበረ ክርስቲያን ከይህሉ ዝተባብዕ ፖለቲካውን ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ኩነት ምትኽኻል እዩ ዘድሊ ኢሎም።

ኢየሱስ ኣብ ዘይ ቤቱን ከተማኡን እዩ ዝተወልደ። ወለዱን ንሱን ተሰዲዶም ተመዛቢሎምን እዮም። እዚ ጥራሕ ከይኣክል ካብ ሕልቂት ንምድሓን እውን ካብ ቤተልሔምን ናዝሬትን ናብ ግብጺ ተሰዲዱ እዩ፣ እዚ ስደት’ዚ ድማ ሎሚ ማሕበረ ክርስቲያን ዒራቕ ዝነብሮ ዘሎ ኵነት እዩ። እዚ ሓደጋ’ዚ ዘብቕዕ ክምዝዀነ እምነት ኣሎኒ። ሰጣሕ ጎልጎል ነነዌን ሞሱልን ናጻ ከምዝወጻ ተስፋ ኣሎና፣ ኣይትሰደዱ ኣብ ሃገርኩም ትረፉ ክብል ኣይክእልን፣ ገዛእ ርእስኻ ካብ ሓደጋ ሞት ንምድሓን ምስዳድ ናይ ግድን እዩ። ብዙሓት ክርስቲያን ዒራቓውያን ድማ ክርስትናኦም ኣብ ሓጐስን መከራን ኣብ ገዛእ ሃገርም ንምንባር ዝመርጹ ኣለዉ፣ ቤተ ክርስቲያን ዒራቕ ኣብ ቻይናን ህንድ ወንጌላዊት ልእኽቲ ኰይና ዘገልገለት ምዃና ዘኪሮም፣ እቶም ዝስደዱ ማሕበረ ክርስቲያን ዒራቕ፣ እቲ ዘጓንፎም ዘሎ ስደት ንወንጌላዊ ተልእዀ ኣገልግሎት ክልወጦን ኣብ ዝርከብሉ ስፍራ ኩሉ ወንጌልን ክርስትናን መስካሪ ኰይኑ ከምዝርከብ ኣይጠራጠርን እየ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.