2015-12-26 15:01:00

በዓለ ልደት ኣብ ኢጣሊያ


ብፁዕ ካርዲናል ስኮላ፦ ኢየሱስ ኣብ ልዕሊ ፍራሓት ዓወት እዩ

ኣብ ኢጣሊያ ናይ ከተማ ሚላኖ ሊቀ ጳጳስት ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ስኮላ ኣብ ሚላኖ ዕለት 24 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም. ብበዓለ ልደት ዘእግዚእነ ምኽንያት ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝለገስዎ ስብከት፦ ኣይትፍርሑ ስለምታይ እቲ ንዅሉ ዓይነት ፍርሓት ዝሰዓረ ተስፋ ተወሊዱ እዩ። ሽሕ’ኳ ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና ዓለም ውግእን ዓመጽን የዘንብይ ብዝሓት ሃገሮምን ኣባይቶምን ዛሕዚሖም ንስደት እውን ይዳረጉ፣ ህልውናና ንስግኣት ዘቃልዕ ግብረ ሽበራ፣ ጥምየትን መከራን እውን ይሃልው ሕይወት ኣብ ዝዀነ ይኹን ኩነት ይረኸብ ወትሩ ሕይወት ሰዓሪ ምዃኑ ተመስኪሩልና እዩ እሞ ኣይንፍራሕ፣ ኣብዚ ኣብ ዓመተ ምሕረት ዝበዓል በዓለ ልደት ንዅላትና ንምስጋናን ኣምልዀን ምትሕብባርን ምትሕልላይን ዝሓንጽ ሓድሽ ማሕበራዊ ምትእስሳርን ንማሕበረሰብ ማሕበራዊ ምትብባዕን ሓድሽ ጅማሬን ዝጽግው እዩ ከምዝበሉ ሲር የዜና አገልግሎት ሓቢሩ።

ቶሪሮ፦ ብፁዕ ኣቡነ ኖሲሊያ፦ በዓለ ልደት ኣህላኽነት ዘይኰነ ብፍቕሪ ምስክርነት እምነት እዩ

ናይ ቨነዚያ ፓታሪያርክ ብፁዕ ኣቡነ ፍራንኮ ሞራሊያ ብምኽንያት በዓለ ልደት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ልደት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መብልዒ ማል ንድኻታትን ሕዙናትን ትሑታንን ኣቃልቦ ክንገብርን ነቲ ምግምማዕን ሕሱም ድኽነትን ክፍጠር ዝድርኽ ንኣይነትን ውልቃውነትን ክንቃወም ዘብቅዕ ዕርቂ ዘቃልሕ እዩ እንክብሉ፣ ናይ ቶሪኖ ክፍለ ሃገር ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ቸሳረ ኖሲሊያ ብምኽንያት በዓለ ልደት መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት በዓለ ልደት ኣህላኽነትን ኩሉ ይኹን ዝብል ቀጥዒ ኣልቦ ተቐባልነት ማለት ዘይኰነስ እቲ ኣሉታዊ ቅቡልን ልሙድን ባህሊ ብለጋስነትን ተሓባባርነትን ንድኻታት ብዝብል ሓላይ ባህሊ ንምቅዋም ዝተጸዋዕና ኢና ከይፈራሕናን ከይሓፈርናን ክርስትያን ምዃንና ንኽንምስክር ሓይሊ ዝጽግወና እዩ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ቦሎኛ፣ ብፁዕ ኣቡነ ዙፒ፦ ኣብ ዒራቅን ሶሪያን ዝርከቡ ማሕበረ ክርስቲያን ከይርስዑ

ናይ ቦሎኛ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ማተዮ ዙፒ ብበዓለ ልደት ምኽንያት ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፦ ጽንኩር ኩነት ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ዒራቕን ሶሪያን ብሓፈሻኡ ንዓመጽን ስደትን ዝዳረጉ ዘለዎ ማሕበረ ክርስቲያንን ከምኡ እውን ነቶም ብስእነት ስራሕን ድኽነትን ዝሳቐዩን ዘኪሮም በዓለ ልደት ድኽነትን ፈላላይ መንደቕ ብምውጋድ ምትሕብባርን ምድግጋፍን ምቅብባልን ዝጽግው እዩ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ናፖሊ፣ ብፁዕ ካርዲናል ሰፐ፦ ብዘይ ስራሕ ሰብኣዊ ክብሪ ክህሉ ዘይከኣል እዩ

ኣብ ኢጣሊያ ናይ ካምፖባሶን ቦጃኖን ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ጃንካርሎ ብረጋንቲኒ ብወገኖም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና ዓለም ዴሞክራሲይ ይስበኽ እሞ ደሓር ግና ከም ኣሕዋት ዘይምንባርን ምፍልላይን ዘይምትሕልላይን ይረአይ፣ እቲ ብምኽንያት ናይ ምሕረት ዓመት ዝተኸፍተ ቅዱስ በሪ ልባትና ንኽንከፍት ዘተባብዕ እዩ እሞ መዓጹ ልባትና ንሓድ ሕድና ይከፈት እንክብሉ ኣብ ናይ ናፖሊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ክረሸንዮ ሰፐ ብምኽንይት በዓለ ልደት ኣብ ዘርዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ብዘይ ስራሕ ክብሪ ሰብ የሎን እንክብሉ ብስእነት ስራሕን ድኽነትን ዝሳቐዩ ካብቲ ዝወደቕሉ መከራ ንኽላቐቑ ዝድግፍ ከይዲ ኤኮኖሚ መንግስታት ከቑሙን ኣብ ምክብባርን ሓልዮትን ምቅብባልን ምትሕብባርን ዝቖመ ሰላም ክረጋገጽ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ፓሌርሞ፣ ብፁዕ ኣቡነ ሎረፊቸ፦ ኣብ ጐድኒ እቶም ዝተነጸሉ ምዃን

ናይ ከተማ ፓሌርሞ ሓድሽ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኮራዶ ሎረፊቸ ብምኽንያት በዓለ ልደት መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ዝለገውስዎ ስብከት፦ ልደት ምኽባር ማለት ኣብ ትርጋጽ መብልዒ ማል ስልጣንካን ብኩንነትካን ትዕቢትካን ምርጋፍ ማለት እዩ፣ ስለምንታይ ኣብቲ መብልዒ ማል እቲ ከሃሌ ኩሉ እግዚኣብሔር ሰብ ኰይኑ ገዛእ ርእሱ ዘትሓተሉ ስፍራ ስለ ዝዀነ ቢሎም ከም ኢየሱስ ኣብ ጎድኒ እቶም ዝተናዕቁን ዝተነጸሉን ኣብ ስቓይን መከራን ዝርከቡን ድኻታት ምዃንን ስለኤም ንኽንጣበቕ ዝተጸዋዕና ኢና ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ። 








All the contents on this site are copyrighted ©.