2015-12-26 14:55:00

በዓለ ልደት ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 24 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም. ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ በዓለ ልደት ምኽንያት መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኢየሱስ ዓለም ዝልውጥን ዓወት ኣብ ልዕሊ ዘይግዳሰን ላንጋላንጋን እዩ ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሎም ስልጣናዊ ስብከት ከምዘለገሱ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኢሳበላ ፒሮ ሓቢረን።

ኣብ እንነብረሉ ዘሎና ዓለም ትርጉም ፍትሒ ምትብባዕን ምኹስኳስን ክንደይ ኣገዳሲ እዩ። ሰለዚህ ድማ ኩሉ እንነብረሉ ዓለም ኣብ ጐዳና ፍትሒ መታን ክመላለስ በቢ ሓላፍነቱን ጸዋዕታኡን ግዴኡ ከበርክት ቅዱስ ኣቦና ኣተሓሳሲቦም፣ ምእመናን ብክርስቲያናዊ ርህራሄ ከም ኢየሱስ ብርእሰ ቁጽጽርን ህድኣትን ብምንባር ነቲ ዝሰፍሕ ዘሎ ናይ ዘይግዳሰን ላንጋላንጋን ባህሊ ክስነፍ ጻውዒት ኣቕሪቦም፦

ልደት ናይ ጐይታ ዓለም ዝልውጥ፣ ንምጥርጣርን ዘይግዳሰን ቦታ ኣይክህሉን እዩ

ሎሚ ወልደ ኣብ ተወልደ፣ ኩሉ ይልወጥ። በይንናን ዝተሓደግናን ኣይኰናን፣ ሓቂ ድማ እዩ፣ እግዚኣብሔር ተወልደ ዓለም ኵሉ ድማ ተለወጠ። ካብ ዝብል ሓሳብ ቅዱስ ኣቦና ናይ በዓለ ልደት ስልጣናዊ ስብከቶም ኣንቂሎም፣ ሓጎስን ፍስሓን ኣብ ኣልባብ ፍጥረት ሰብ ዘንብር ምጥርጣርን ፍርህን ዘወገድ እቲ ዝተኣትወ ቃል ተፈጸሙ።

ንምጥርጣር ቦታ የልቦን፣ ምጥርጣር ነቶም ሓቂ የሎን ዝብሉ ተጠራጠርቲ ንሕደጎ፣ ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ሰናይነት ዘይምነን ዘይደልን ፍርሒ ዝዓሰሎ ዘይግዳሰ ቦታ የልቦን፣ ትካዘ ተሶገ፣ ስለምታይ ሕጻን ኢየሱስ እውነተይና መጸናንዒ ልቢ ተወሊዱ እዩ።

ድስኩል ዘይምዃን፣ ናይ ወንጌል ሓሴት ምብሳር

ሕጻን ኢየሱስ ናይ ሓድሽ ሕይወት ኣልፋ እዩ። ነቲ ኣብ ጸልማት ሓጢኣት ዝተዓጽወ ሰብኣዊ ህላዌ ዝኹልዕ እውነተይና ብርሃን እዩ። ናብ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ሓሴት ዝድርኽና መንነትና ዳግም ዘዕትር እዩ።

ድስኩላን ኣይኰናን፣ ኣብ ዘለኻሉ ምትራፍ ዘይከኣል እዩ፣ ነቲ ኣብ መብልዒ ማል ዝተቐመጠ መድሕንና ንምርኣይ እንጓዓዝ ኢና። እቲ ናይ ሓጐስን ሓሴትን ምኽንያት ዝዀነ ንኣና ዝተዓደለና ሕጻን ስለ ዝተወልደ።

ብቐጥዕን ህድኣትን ፍትሕን ብክርስቲያናዊ  መንፈስ ምንባር

ኢየሱስ መታን ክዛረብ ሱቕታ ንምረጽ፣ ኣብ ሕቁፈና ነንብሮ ብኣኡ ክንሑቖፍ ንፍቀደሉን፣ ንሱ ንሕይወት ኣገዳሲ እንታይ ምዃኑ ክምህረናን እቲ መወዳእታ ዘይብሉ ናይ ልቢ ሰላም ክህበና እዩ።

ኣብቲ ኣንነብረሉ ዘሎና ኣህላኽን ስጋዊ ጣዕምን ኩሉ ካብ ዓቀን ንላዕልን ምቾትን ደጋዊ ተርእዮን ዘገድሶ ክቱር ርእሰ ኣምልዀን ኣንነትን ኣብ ዝነብር ሕብረተሰብ ንሱ ቀጥዒ ዝዓሰሎ ተራን ዘይተሓላለኸን ሚዛኑ ዝሓለወ ምዕሩይን ቅኑዕን ኣእንጋድን በቲ ንሕይወት ብዘገድስ ጥራሕ ምንባር ክምህረና እዩ።

እቲ ብዙሕ ጊዜ ንሓጢኣተይና ጨካን ንሓጢኣት ግና ዕሽሽ ዝብል ዓለም ጽኑዕ ትርጉም ፍትሕን ፍቓድ እግዚኣብሔር ኣብ ግብሪ ምውዓል ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ውሽጢ ዘይግዳሰ ባህሊ እቲ  ናይ ክርስትና መንፍስን ስለ ካልእ ምሕሳብን ኣብ ናይ ካልእ ስቓይ ተምሳጥን ተኻፋልነትን ምሕረትን ዝብሉ ክቡራን ዋጋታት ካብ ጸሎት ብዝዕደል መንፍስ  ዝንበር ናይ ሕይወትና ኣግባብ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ።

ኣብ ኢየሱስን ካብ ኢየሱስን ቀጻሊ ድርኾት ነቶም ሰብ ትሑታት ልቢ

ቅዱስ ኣቦና ካብቲ ዝለገስዎ ስልጣናዊ ስብከትን ካብቲ ነቶም ትሑታነ ልቢ እውነተይና ነጻነትን ቀጻሊ እወታዊ ድርዀት ነቲ ሰናይነትን ምሕረትን ፍቕሪ እግዚኣብሔርን ተክለ ሰብነት ንዝዓሰሎ ሕጻን ኢየሱስ ብምርኣይ ናይ በዓለ ልደት ተመሳጥን ኣድናቖትን ንኽንነብር ምዒዶም፣ ኣብ መወዳኣታ ቅዳሴ፣ ቅዱስ ኣቦና ናይ ሕጻነ ኢየሱስ ምስሊ ሓቑይፎም ካብ ኬንያን ማእከላዊት ረፓብሊክ ኣፍሪቃን ፊሊፒንስን ስሪላንካን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ብጠቕላላ ኣብ 2015 ዓ.ም. ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ካብ ዝፈጸሙለን ሃገራት ብዝተዋጽኡ 15 ሕጻናት ተዓጂቦም ኣብ ቅድሚ መንበረ ታቦት ኣንቢሮም ብጽሞና ጸሎት ከምዘዕረጉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኢዛበላ ፒሮ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.