2015-12-23 15:16:00

ዓመተ ምሕረት


እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝኣወጅዎን ቅዱስነቶም ዕለት 8 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም. ቅዱስ በሪ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ከፊቶም ብወግዒ ዘበገስዎ ፍሉይ ኢዮቤላዊ ቅዱስ ዓመተ ምሕረት መሰረተ ኣብ ሃገረ ቡልጋርያን ኣብተን ሰለስተ ካቶሊካውያን ሰበኸታት ኣብ ፕሎቭዲቭን ሩሰን ፕለቨንን ቫርናን ሶፊያን ቅዱስ በሪ ከምእተኸፍተ ልኡኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኢቫ ሚሃላይሎቫ ሓቢረን።

ዕለት 21 ታሕሳስ 22015 ዓ.ም. ኣብ ቡልጋሪያን መቀዶንያን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኣንሰልሞ ጉይዶ ፐኰራሪ ኣብ ርእሰ ከተማ ሶፊያ ናይ ዝርከብ ካቴድራል ቅዱስ ዮሴፍ ቅዱስ በሪ ናይ ምኽፋት ስነ ስርዓት ከምእተፈጸመ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፦ መዓጹ ንኽርስቶስ ይከፈቱ፣ መዓጹና ንኽርስቶስ ንኽፈት፣ ናብ ኣቢያተ ክርስቲያን ዘእትው መዓጾ ወትሩ ዝኽፈት እውን እንተዀነ ብቕዱስ ፍሉይ ናይ ምሕረተ ዓመት እቲ ልሙድ ዝኽፈት መዓጾ ኣቢያተ ክርስቲያን ፍሉይ ትርጉም ይጽገው፣ ብቲ ዝተኸፍተ ቅዱስ በሪ ኣቢልካ ናብ እግዚኣብሔር ምእታውን bፍሉይ ጸጋ ምቕባልን፣ መዓጾ ዘለኣለማዊ ሕይወት ማለት እዩ ከምዝበሉን ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሚሃላይሎቭ ኣስዒበን ኣብቲ ስነ ስርዓ ምኽፋት ቅዱስ በሪ ኣብታ ክልተ ሚሊዮን ተቐማጦ ዝርከብዋ ርእሰ ከተማ ቡልጋሪያ ዝርከቡ ክልተ ክልተ ሺሕ ዝግመቱ ካቶሊካውያን ምእመናንን ከምኡ እውን ካህናትን ደናግልን ከmእተሳተፉ ሓቢረን፦ ብፁዕ ኣቡነ ጕይዶ ቡልጋሪያ ናይ ኤውሮጳ መስቀላዊት መገዲ እያ፣ ካቶሊካውናንን ኦርቶዶክሳውያንን ኣይሁዳውያንን ሉተራናውያንን ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምናን ብሓባር ዝነብሩላ ሃገር እያ። እቲ ሰናይ ርክብ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ሰዓብትን ብሓቂ ጸጋ እዩ እሞ ኣብዚ ፍልዩ ቅዱስ ዓመት ብፍሉይ ዕድሎት ክንበር ኣተሓሳሲቦም፣ ኣብታ ብዙሓት ድኻታት ዝርከብዋ ሃገረ ቡልጋርያን ናይ ምሕረት ዓመት ድርብ ትርጉም ይለብስ፣ እዚ ድማ ናይ ምሕረት ዓመት ኣብ ወሰናስን ከተማታትናን ህልውናን ንምንባር ዝተጸዋዕና ምዃንና የነጽር፣ ግብረ ሰናይን ተኻፊልካ ምንባርን ንድኻታትን ዝተናዕቁን ጽጉማትን ቅርበትን ፍቕርን ዝግለጸሉን ኣብቶም ስኡናት ዝግለጽ ወጅህ ኢየሱስ ምልላይን ስርየት ሓጢኣት ምልማንን ምጽላይን ዝብል ቅዱስ ዓመት እዩ ከምዝበሉ ገሊጸን።








All the contents on this site are copyrighted ©.