2015-12-23 15:11:00

መግለጺ ርሑስ በዓለ ልደት ቅዱስ ኣቦና ንመላእ ሰራሕተይናታት ሃገረ ቫቲካን


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 21 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ከምቲ ልሙድ ንመላእ ሰራሕተይናታትን ኣባይቲ ስድራ ሰራሕተይናታትን ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ርሑስ በዓለ ልደት ተመንዮምን ምዕዳን ከምዝለገሱ ልኡኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሮበርታ ጂሶቲ ሓቢረን።

ቅዱስ ኣቦና ንናይ መላእ ስራሕተይናታት ሃገረ ቫቲካን ህርኵት ኣገልግሎት ኣመስጊኖም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ብዝተኸስተ ዘይኣብነታዊ ዘሕፍር ተግባር ይቕርታ ከምዝሓተቱ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ኣስዒበን፦ ቅዱስነቶም ኣብ ዝለገስዎ ምዕዳን፦ ቅድም ቀዳድም ስለ ኣገልግሎትኩም፣ ስለ ናይ ኩሉን ሓባራዊ ጥቕምን እተካይድዎ ህርኩት ጻዕርን ስለ እቲ ወግዓዊ ተፈላጥነትን ናእዳን ዘይረክብ ብምሉእ ጻዕሪ እተካይድዎ ኣገልግሎት ብልቢ አመስግን ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና፦ ብፍላይ ድማ ነቶም ካብ ነዊሕ ዓመታት ረአዩለይን ስምዑለይን ከይደለዩ ብጽሞናን ብትሕትናን ዘገልግሉን ከመስግን እፈቱ። ብርግጽ ንኣና ሰብኣውያን ፍጡራት እውን ንምርዳኡ ዝጽግመና ድማ እቲ ዕለታዊ ተደጋጋሚ ዕዮ እዩ፣ ከም ሰብ ሰርሖ ግኡዛን ኣይኰናን እነሳልጦ፣ ምእንቲ’ዚ ሕዳሴን ሰናይ ድርዀትን መተባብዖን የድልየና እዩ። በርትዑን ብሓባር ብትዕግስቲ ብሕድ ሕዳዊ ምድግጋፍን ንቕድሚት በሉ፣ ብልቢ እንከመስግነኩም በቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝተኸስተ ዕንቅፋት ኩሉ ድማ ምሕረትን ይቕርታን እሓትት፣ ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዓይነት ኵነት ድማ ብሓቂ ኣብ ጸሎት ምብርታዕ እዩ ናተይን ናታትኩምን መልሲ ክኸውን ዝግብኦ ስለዚህ ኣብ ጸሎት ምትጋህ የድሊ ከምዝበሉ ገሊጸን።

ስለ እቶም ዕንቅፋት ኰይኖም ዝተረኽቡ ምጽላይ፣ ስለምታይ እቲ ዕንቅፋት ኰይኑ ዝተረኽበ ክጥንቀቕን ቅኑዕ መገዲ ከለልን መታን።

እቲ ካብ ኵሉ ዝዓበየን ኣዚዩ ኣገዳስን ክብለኩም ዝደሊ፦ ሓደራ ዝተቐበልኩምዎ ምስጢረ ተኽሊል ተኸናኸኑ፣ ሓዳርኩምን ደቃትኩምን ተኸናኸኑ፣ ምስ ደቃትኩም ተዘናግዑ ንደቃትኩም ቀረባ ኩኑ፣ ምስጢረ ተኽሊል ከም ሓደ ተኽሊ እዩ። ሓንሳብ ምስ ተቐበልካዮ ኣብ ከብሒ ዓጺኻ እተንብሮን ሓሓሊፍካ ድማ ዶሮና ምንጋፍ ኣይኰነን፣ ከም ተኽሊ ዕለታዊ ክንክን ዘድልዮ እዩ፣ ማይ ምስታይ ዘልድዮ እዩ። ስለምታይ ምስጢረ ተኽሊል ህያው ኩነት እዩ። ሓደራ ሓንሳብ ምስ ተቐብልኩሞዎ ኣብ ከብሒ ኣይተንብርዎ። ናይ ሰብ ሓዳር ሕይወት ከም ንቡር ምቕባል ዘድልዮ ኣይኰነን፣ ከይዲ ሕይወት ምስጢረ ተኽሊል ከም ንብሩ ምቕባል ኣይኰነን፣ ሕያው እዩ። እቲ ዝዓበየ ህያብ ንውላድ ግኡዛዊ ነገር ምቕራብ ኣይኰነን እንታይ ደኣ እቲ ዓቢይ ፍቕሪ ወለዲ እዩ። እዚ ክብል እንከለዅ ናይ ወለዲ ፍቕሪ ንውላድ ዝብል ጥራሕ ዘይኰነ ፍቕሪ ኣብ መንጐ ወለዲ (ሰብኣይን ሰበይትን) ማለት ነቲ ናይ ሰብኣይን ሰበይትን ርክብ ዝምልከት እዩ። እዚ ንሰብ ሓዳር ጥራሕ ዘይኰነ ንውላድ እውን ኣወንታዊ እዩ። ውላድ ኣብ መንጐ ወለዱ ዝንብር ፍቕሪ የድልዮ፣ ፍቕሪ ሰብ ሓዳር ኣብ ዓበይቲ እዋን ሓሓሊፉ ዝበዓል ሊጡርጊያ ኣይኰነን በቢ ዕለቱ ዝንበር ፍቅሪ ኣብ መንጐ ወለድን ወለዲ ምስ ውላድን ኣብ መንጐ ኣሕዋትን ኣሓትን እቶም ንሓንቲ ስድራን ሕብረተሰብ ኣዚዮም ኣገደስቲ ዝዀኑ ኣደ ዓባይን ኣቦ ሓጐን ምክንኻን ዝብል እዩ።

ኣቦ ሓጎን ኣደ ዓባይን ተዘክሮን ጥበብን እያቶም፣ ንበይኖምን ኣብ ገዛእ ርእሶም ኣይትሕደግዎም፣ ኣዚዮም ኣገድስቲ እያቶም ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መወዳእታ ዝለገስዎ ምዕዳን ቅድሚ ምዝዛሞም ድማ ሓደራ ኣብ ስድራ ቤት ሰላም ክhልውን፣ ዘይምርድዳእን ምግርጫውን ንቡር እዩ፣ እዚ ኣብ መንጐ ሰብ ሓዳርን ኣሕዋትን ዘሎ እዩ። ኰይኑ ግና ውዑይ ውግእ ኣጋጢምኩምን ውዑይ ውግእ ኣካይድኩም ዲኺም እወ እቲ ዝኸፍአ ድማ እዚ ውግእ ዝሑል ውግእ ክኸውን እንከሎ እዩ፣ እቲ ዝሑል ውግእ ዝተዳጕነ ኰይኑ ሓደ መዓልቲ ብዘስካሕክሕ ኩነት ዝባራዕ እዩ፣ ኣስተውዕሉ ሓደራ። ምእንቲ’ዚ ጸሓይ ከይዓረበት ይቕረ ተበሃሃሉን ሰላም ግበሩን ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ደጊሞም ንመላእ ስራሕተይናታት ሃገረ ቫቲካን ስለ ኣገልግሎቶም ኣመስጊኖም ስለ እቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝተፈጥሮ ዕንቅፋት ድማ ይቕረታ ሓቲቶም ንቕድሚት በሉ እንክብሉ ዝለገስዎ ምዕዳን ኣጠቓሊሎም ነቶም ኣብቲ ርክብ ዝተሳተፉ ድማ እናተዘዋወሩ ሰላም ብምባልን ሕጻናትን ኣረጋውያንን ባሪኾም ርሑስ በዓለ ልደት ተመንዮም ከምእተፋነዉ ጂሶቲ ገሊጸን።








All the contents on this site are copyrighted ©.