2015-12-19 16:37:00

ስእላውን ቅርጻውን መግለጺ ልደት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መብልዒ ማል


በዓለ ልደት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከምቲ ልሙድ በቢ ዓመቱ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ስእላውን ቅርጻውን መግለጺ ልደት ኢየሱስ ኣብ መብልዒ ማል ዝቐውም ምዃን ዝዝከር ኰይኑ ለምዘበን 2015 ዓ.ም. ካብ ኢጣሊያ ማሕበረሰብ ቶሪኖ ዝተላእከ ኣብ መብልዒ ማል ልደት ገይታና ኢየሱስ ዝገልጽ ስእላውን ቅርጻውን መግለጺ ከምእተነብረ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሉካ ኮላዲ ሓቢሮም።

እቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝቖመ ስእላውን ቅርጻውን መግለጺ ልደት ኢየሱስ ኣብ መብልዒ ማል ናይ ዘወፈየ ናይ ርእሰ ምምሕዳር ክፍለ ሃገር ቶሪኖ ናይቲ መደብ ኣወሃሃዲት ጉጅለ ሓላፊ ዲኖ ለዮነዚ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፦ ቶሪኖ ክፍለ ሃገር ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ምውላድ ኣብ መብልዒ ማል ስእላውን ቅርጻውን መግለጺ ብምቕራብ ባህልን ጥበብን ውሩይ እዩ፣ ኵሉ ከምዝዝክሮ ለምዘበን ስድራ ቤት ዘማእከለ ሓፈሻዊ ፍሉይ ሲኖዶስ ብፁዓን ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ተኻይዱ እዩ፣ ስድራ ቤት እቲ በቢ ዕለቱ ዕለታዊ ናብራን ኩነታት ዓለም ዘቕርቦ ብድሆታት ኣናበድሄ ዝቃለስን ዕለታዊ ሕይወቱ ዝመርሕን ክፍሊ ጥርሕ ዘይኰነስ ማእከል ሕብረሰብ እውን ምዃኑ ዝምስክር እዩ፣ እታ ቅድስቲ ናዝራዊት ስድራ ቤት እትውክሎ ቅዱስ ቅዋሜ ድማ እዩ። ስለዚህ ኣብቲ ምግምማዕን ምፍልላይን ዝነብር ዓለም ማሕበረ-ሰብኣውነት ዝምስክር እዩ። ነታ ቅድስቲ ስድራ ቤት ብምርኣይ ድማ ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝረአይ ዘሕዝን ፍጻሜ ስደተይናታትን ካብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካውን ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ጸገማት ገዛእ ርእሱን ሕይወት ስድራ ቤቱን ንምድሓን ቢሉ ዝስደድ ዜጋ ዘይምሕሳብ ዘይከኣል እዩ። እዚ ኩነት’ዚ ድማ እቲ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምውላድ ኣብ መብልዒ ማል ዓቢይ ግምት ዝህብ ተመክሮ ፍጥረት ሰብ ዘቃልሕ እዩ።

እቲ ቅርጽን ስእልን ልደት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መብልዒ ማል ዝምስክር ሓቅነት ውህበትን ውበትን ምድግጋፍን ምቅርራብን ምሕዝነትን ሕውነትን ጽባቔ እምነት ዝምስክር እዩ፣ ስለዚህ ምንባር ንሕና ደኣ እምበር ኣነ ዘማእከለ ከይከውን ዝምዕድ እዩ ኢሎም።

እቲ ስእላውን ቅርጻውን መግለጺ ልደት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስቲ ቅዱስ ኣቦና ዝኣወጅዎን ዝንበር ዘሎ ቅዱስ ናይ ምሕረት ዓመት ዘንጸባርቕ እውን እዩ፣ ስለዚህ ምስ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሊጡርግያዊ ከይዲ ዝተኣሳሰረ እዩ፣ እቲ ዝቐውም መግለጺ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ልደት ኣብ መብልዒ ማል ምስ እዋናዊ ኩነትን መነባብሮ ስድራ ቤትን ሕብረተሰብን ሰብኣውን ማሕበራውን ኩነት ዝተኣሳሰረ ክኸውን ኣለዎ። ስለምታይ እቲ መድሕን ንዓና መስሊ እዩ ዝመጸ፣ እቲ ናቱ ንኣና ምምሳል መልክኣ ምድራውን ማሕበራውን ባህላውን ደረት ዘይብሉ ኣብ ጊዜ ዝዕጸው ዝሓለፈ ታሪኽ ዘይኰነስ ኣብ ሕይወት ሰብን ዓለም ረምታ ማለት ስሩዕ ምክትታል ዘለዎ ታሪኽ እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.