2015-12-19 16:40:00

መዝገበ ቃላት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝልግስዎ ሥልጣናዊ ምዕዳንን ስብከትን ኣብ ዘቕርብዎም ኣስተምህሮታትን ኣስተንትኖን ብተደጋጋሚ ዝጥቀሙለን 50 ቓላት ዘጠቓለለ ብዕምቆት በቲ ናቶም ኣገላልጻ ዝተተንተነ ኣባል ማሕበር ሳሊዛውያን ኣባ ኣንቶኒዮ ካረሮ መዝገበ ቃላት ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረሰዎ መዝገበ ቃላት ዕለት 17 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም. ንንባብ ከምዝበቕዔ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሚሸል ራቪኣርት ገሊጾም።

እቲ መዝገበ ቃላት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብቕደም ተኸተል ብላቲን ፊደል መሰረት ዝተቐመጠ ኰይኑ ካብ ኤይ ኣብራቾ ሕቑፎ ካብ ዝብል ቃል ተበጊሱ ክሳብ ቪይ ቨርጎኛ-ውርደት ሕስረት ዕንቅፋት ዝዝብል ቃል ዝብጽሕን ምሕረትን ተፈጥሮን ውዳቕን ሕዝብን ክህነታውነትን ዝብሉ ዝተፈላለዩ ቅዱስ ኣቦና ብተደጋጋሚ ዝጥቀሙለን ቃላት ዘጠቓለለ ከምዝዀነ ኣባ ኣንቶኒዮ ካረሮ እቲ መዝገበ ቃላት ንንባብ ንምብቃዕ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ ዝረባ ገሊጾም።

ናይ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ዋና ኣመሓዳሪ ብፁዕ ኣቡነ ኤንሪኮ ዳል ኮቮሎ እቲ መዝገበ ቃላት ዕለት 17 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም. ንንባብ ንኽበቅዕ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፦ ንኣብነት ይብሉ ቅዱስ ኣቦና ብዙሕ ጊዜ መሓዚያን ኩኑ ይብሉ፣ እዚ ማለት ድማ ከሉ ከምጽሕፎት ካብ ምንባር ልምዲ ምልቓቕ ዝብል ትርጉም ዘለዎ ቃል እዩ፣ ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣብ ምምራሕ መጓሰ እግዚኣብሔር ወሳኒ ቃል እዩ ኢሎም።

ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያንን ናይቲ ማሕበር ካቶሊካዊ ስልጣነ እተሰምየ ክልተ ሰሙናዊ መጽሔት ዋና ኣሰናዳኢ ኣባ ኣንቶኒዮ ስፓዳሮ ብወገኖም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፦ ቋንቋ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘድምዕ እዩ፣ ኣደነት ባህርይ ዝነብር ካብ ገዛእ ርእስኻ ምውጻእ ዝብል ናብቶም ዝተናዕቁን ዝተነጸሉን ንኡሳንን ድኻታትን ዝብል ወንጌላዊ ቃል ዘድምዕ እዩ። ንኣብነት ኣብቲ ወንጌላዊ ሓሴት እተሰምየ ሓዋርያዊ ምዕዳን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍልጠታውን ግብረ ሕሳበ ዝወልዶ ቃላት ዘይኰነስ ናይቲ ከም ካህንን ጳጳስን ር.ሊ.ጳ. ዝነብርዎ ዕለታውን ቀጥታውን ተመክሮኦም ዘድምዕ እዩ። ንኣብነት ምሕረት ዝብል ቃል ብሰዋስው ትንተና ከም ስም ዝፍለጥ ክነሱ ቅዱስ ኣቦና ግና ነቲ ቃል ዘንቀሳቕስ ክብሪ ብምሃብ ከም ግሲ ይጥቀምሉ፣ ቅዱስ ኣቦና እቲ ስም ዘንቀሳቕስ ግሲ ገይሮም ይጥቀምሉ፣ ስለዚህ ናይ ሕዝቢ ኣዘራርባ ዝኽተሉን ናይ ተራ ሕዝቢ ቋንቋ ዝጥቀሙ ምዃኖም ዘረድእ ኣብነት እዩ ከምዝበሉ ራቪኣርት ገሊጾም።   








All the contents on this site are copyrighted ©.