2015-12-17 15:40:00

ካቶሊካዊ ቅዱስ ኤጂዲዮ ምንቅስቓስን ዝተፈላለዩ ወንጌላውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ብሓባር ኣብ ኣገልግሎት ስደተይናታት


ኣብ ሊባኖስን ኢትዮጵያን ሞሮኮን ንናይ ሰብኣዊ ረድኤት ኣቕርቦት ዝድግፍ መደብ ናይ ሰብኣዊ መተሓላልፎ ካቶሊካዊ ቅዱስ ኤጂዲዮ ማሕበር ምስ ፈደራላዊት ወንጌላዊት ቤተ ክርስቲያን ብምትሕባር ዝሓንጸጾ ናይ ረድኤት መርሃ ግብሪ ዕለት 16 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም. ብወግዒ ብሓባር ኣብ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ምስ ናይ መላእ ዓለም መራኸቢ ብዙሃን ልኡካን ጋዜጠይናታት ከምእተላለየ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲክን ቨሮኒካ ዲ በነደቶ ሞንታቺኒ ኣፍሊጠን።

እቲ መደብ “ተሰዲደ (ገይሸ) ኣአንገድኵምኒ (ተቐብልኩምኒ)” (ማቴ. 25,35) ዝብል ቃል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ  ማእከል ዝገበረ ከምዝዀነ ኣብቲ ትማሊ ዝተውሃበ መግለጺ ከምተሓበረን ኣዚ ድማ እቲ ብሜድትራኒያን ባሕሪ ዝፍጸም ናይ ሞት ጉዕዞ ንምውጋድን ናይ ብዙሓት ዜጋታት ሕይወት ካብ ኢድ ናይ ገበን ጁለታት ንምድሓንን ናይ ሰብኣዊ ደገፍ መተሓላልፎ  መደብ ምዃኑን ናይቲ መደብ ቀዳሞት ተገልገልቲ ድማ ልዕሊ ሓደ ሺሕ ዝግመቱ ዜጋታት ናብ ኢጣሊያ ብሕጋዊ መገዲ ክኣትዉ ተገይሩ፣ ኣብ ቅዱስ ኤጂዲዮ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ እንገዳ ተገይሩሎም ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ዝባጽሑ ምዃኖም ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ዲ በነደቶ ሞንታቺኒ ሓቢረን።

ናይ ፈደራላዊት ወንጌላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣቦ መንበር ሉካ ነገሪ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፦ ነቲ ናይ ሰብኣዊ መደብ መሳለጢ በተን ዝሓንጸጸኦ ማሕበራት ዝምደብ እዩ፣ ስለዚህ ኣብ ኢጣሊያ ካብ ቫልዳዊትን ሜቶዲስታዊትን ወንጌላውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ዝውፈይን ፍርቁ ድም ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዝርከባ ወንጌላውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ምእመናን ካብ ዝዋጽእዎ ምጽዋት ዝተኣካኸበን ካብ ቅዱስ ኤጂዲዮ ማሕበር ዝተዋጽአ እውን ምዃኑን ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ኤውሮ ድማ ከምኾነ ኣፍሊጦም እዚ ናይ ሰብኣዊ መደብ ናይ ኢጣሊያ ናይ ውሽጥን ናይ ወጻእን ሚኒስትር ብምትሕብባር ዝተወጠነ እዩ። እቲ ዝተሓንጸጸ መደብ ከከም ኣድላይነቱ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብዝተፈላለያ ናይ ሰብኣዊ ማሕበራት ዝትርጎምን ዝሰዓብን እውን እዩ ከምዝበሉ ዲ በነደቶ ሞንታቺኒ ገሊጸን።

ናይ ቅዱስ ኤጂዲዮ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ኣቦ መንበር ማርኮ ፓሊያዞ ብወገኖም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፦ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ኤውሮጳ ወሰናስን ባሕሪ ጸጥታን ድሕነትን ከሐይል ምዃኑ እንከመልክት፣ ኰይኑ ግና እዚ ምጽናዕ ሓለዋ ወሰናስን ባሕሪ ስደተይናታት ሕይወቶምን ሕይወት ኣባይቲ ስድራኦምን ንምድሓን ብሜዲትራኒያን ባሕሪ ኣቢሎም ዝፍጽምዎ ስደት ዝዓግት ኣይኰነን። ሕይወትካ ምድሓን ሰብኣውን ናይ ምዃናውን ሕቶ እዩ። ብዙሓት እውን ኣብ ዝደልይዎ ሃገረ ኤውሮጳ ዑቕባ ክሓቱ ስለ ዝደልዩ ኣብ ዝኣተዉለን ሃገራት ዑቕባ ከይሓቱ ተሓቢኦም ናብ ዝደልይዎ ሃገር ብኻልእ ዘይሕጋዊ መገዲ ኣቢሎም ክስደዱ ኢኻ እትርእይ፣ እዚ ዅሉ ሽግር ዝፍታሕ ስደተይና ብምዕጋት ዘይኰነስ ናይ ሰብኣዊ መተሓላልፎ መደብ መሰረት ብምምሕዳሩ እዩ ምስ በሉ፣ በተን ኣብ ሊባኖስን ኢትዮጵያን ሞሮኮን ብዝርከባ ናይ ቅዱስ ኤጂዲዮ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ጨንፈር ኣባይቲ ጽሕፈትን ብናይ ፈደራላዊ ወንጌላዊት ኣቢያተ ክርስትያን ጨንፈር ናይ ሰብኣዊ ማሕበራት መሰረት ዝካየድ ኰይኑ ቀዳሞት ናይቲ መደብ ተጠቀምቲ ድማ ክኾኑ እዮም ከምዝበሉ ዝሓበራ ዲ በነደቶ ሞንታቺኒ ኣስዒበን እቲ ናይ ሰብኣዊ መደብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝኣወጅዎ ናይ ምሕረት ዓመት ክውን ኣብነት ከምዝዀነን፣ እቲ መደብ እንገዳ ካብ ወርሒ ጥሪ 2016 ዓ.ም. ዝጅመር እዩ ከምዝበሉ ገሊጸን።         








All the contents on this site are copyrighted ©.