2015-12-15 16:19:00

ውፉይ ሕይወት፦ ሕውነትን ህያብ ንዓለምን


“መንነትን ተልእኾን ውፉይ ሓው ኣብ ቤተ ክርስቲያን” ብዝብል ኣርእስቲ ዕለት 8 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም. ዝተጀመረ ናይ ምሕረት ዓመት ዝምስክር ሰነድ ስለ መዛዘሚ ዓመተ ውፉይ ሕይወት ዕለት 14 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም. ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ብዋና ጸሓፊኦም ብፁዕ ኣቡነ ኾሰ ሮድሪገዝ ካራባሎ ዝተሰነዩ ናይ ወፉይ ሕይወትን ናይ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ማኅበራት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፅዕ ካርዲናል ዥዋው ባራዝ ደ ኣቪዝ ኣብ ቅድስቲ መንበር ንናይ ዝተፈላለያ ሃገራትን መራኸቢ ብዙሓንን ልኡኻት ጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ብወግዒ ከምዘቕረቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሮበርታ ጂሶቲ ሓቢረን።

ብፁዕ ካርዲናል ዥዋው ብራዝ ደ ኣቪዝ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፦ ናይ ይብጻሕ ኣድራሻ ናይቲ ሰነድ በዓል ቤት ገዳማውያንን ሰብ ጸዋዕታ ውፉይ ሕይወትን ካህናትን ደናግል ዓለማውያን ምእመናን ጥራሕ ኣይኰኑኑ፣ እታ ጸዋዕታ ውፉይ ሕይውት እትዕቅብን ዘለዎ ክቡር ዋጋ እተቃልሕን ብሓጺሩ ናይ ክርስቶስ ሰዓቢ ምዃን ብምልኣት እትዕቅብ መላእ ቤተ ክርስቲያን እያ።

ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ተክለ ሰብነት ሃብታም ብምዃኑ ድማ ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ብዝቕበሎ ጸዋዕታ ኣቢሉ ሓደ ፍልዩ ዝዀነ ተክለ ሰብነት ክርስቶስ ብምስዓብ ይነብር። ብዙሓት ብሉጽ ዓለም ኣብ ምሕናጽ ተዋፊሮም የገልግሉ፣ ኩሉ ብኽብሪ ንኽነብር ዘብቅዕ ዓለም ይሓንጹ በዚ መገዲ’ዚ ኣቢሎም ገዛእ ርእሶም ኣብ ክርስቶስ ምምሳል የውዕሉ፣ ገሊኦም ብተልእዀ ወንጌል ኣቢሎም ክርስቶስ ይነብሩ፣ ሕሙማን ብምክንኻን ድኻታት ብምእላይን ብጸዋዕታ ክህነት ኣቢሎም ድማ ተኣዝዞን ንጽሕንና ድኽነት ብምንባር ንኽርስቶስ ይመስሉ፣ ስለዚህ ኩሉ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብዝነብሮ ጸዋዕታ ኣቢሉ ክርስቶስ ኣብ ምምሳል ጉዕዞ ይነብር። ክርስቶስ ናይቲ ኩሉ ዝተፈላለየ ጸዋዕታ ምሉእ መንነት እዩ።

ናይ ውፉይ ሕይወት ተልእኾ መንነትን ብሕውነትን ዝንበር ተመክሮ ብባህልን ቤተ ክርስቲያናውን ዝግለጽ እዩ። እቲ ተመክሮ ድማ ብግላዊ ጻዕሪ ዝዕተር ኣይኰነን፣ ወንጌላዊ ሕይወት ምንባር ብውልቃዊ ድላይ ዝብጻሕን ዝዕተርን ወይ ድማ ብግላዊ ድርዀት ዝብጻሕ ኣይኰነን፣ ሕውነት ካብ እግዚኣብሔር ዝምንጭው ጸጋ እዩ።

ውሁደትን ስኒትን ሕድ ሕዳዊ ምፍላጥን ምቅብባልን ፍቕርን ዘተን ኣኽብሮትን ሕድ ሕዳዊ ምድግጋፍን ብቕዓት ተኻፊልካ ምንባርን ገዛእ ርእስኻ ኣሕሊፍካ ምሃብን ምትሕብባርን ቤተ ክርስቲያናዊ ምትሕብባር ንዓለም ናይ ቤተ ክርስቲያን ክፍቲ ምዃንን ብፍላይ ድማ ነቶም ኣብ ሕሱን ድኽነት ዝርከቡ ክፉት ምዃን ዝዓሰሎ ሕውነታዊ ናብራ ዝብጻሕ ብሓይሊ እግዚኣብሔር እዩ ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ኣስዒበን፦ ብፁዕ ኣቡነ ካራባሎ ብወገኖም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፦ ጸዋዕታ ናይ ጸሎት ሕቶ እዩ፣ እዚ ድማ ባዕሉ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝበሎ ቃል እዩ። ምእንቲ’ዚ ዘየቋርጽ ጸሎት የድሊ።  2 ለካቲት 2016 ዓ.ም. ናይ ውፉይ ሕይወት ዓመት ዝዛዘመሉ ዕለት ምዃኑ ገሊጾም፣ ካብ ዕለት 28 ጥሪ ክሳብ ዕለት 2 ለካቲት 2016 ዓ.ም. ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ኣባላት ውፉይ ሕይወት ኣብ ሮማ መንፈሳዊ ንግደት ክፍጽሙ እዮም ከምዝበሉ ኣመልኪተን።








All the contents on this site are copyrighted ©.