2015-12-15 16:24:00

ቅዱሳት በሪ፦ ከይክፈቱ ዝተኣገዱ ቅዱሳት በሪ ከይህልዉ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሓለፈ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምዕራጐም ኣስተንትኖ ምስ ለገሱ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢ ኣብ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ናይ ምሕረት ዓመት መታን ክንበር ናይተን ኣቢያተ ክርስቲያን ቅዱሳት በሪ ከምእተኸፍተ ዘኪሮም ቅዱስ በሪ ዘይክፈተለን ሃገራት ከይህልዋ ሓደራ ከምዘብሉ ጃዳ ኣኵይላኒ ገሊጸን።

ኣብቲ ህብረ ብዙሃን ዝዀነ እንበሮ ማሕበራዊ ናብራ ናይ ሓባር ረብሓን ናይ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ሰናይ ኩነት ክኽወን ድላይ ጐይታ እዩ። እዚ ድማ እቲ ነጻልን ፋላላይን እቲ ናይ ምርኻብን ብሓባር ምንባርን ዝዀነ ጸጋ ዝነጽግ ባህሊ ዘወግድ ድላይ ጐይታ ምዃኑ ናይ ሚላኖ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ስኰላ ናይ ሚላኖ ከተማ ካቴድራል ቅዱስ በሪ ንምኽፋት ዝተኻየደ ሊጡርጊያ መሪሖም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ከምዝገለጹን ኣብቲ ልዕሊ 2 ሺሕ ምእመናን ዝተሳተፍሉ ናይ ቅዱስ በሪ ምኽፋት ሊጡርጊያዊ ስነ ስርዓት ብፁዕነቶም ናይ ሃይማኖት ነጻነት ክኽበር ጻውዒት ብምቕራብ ቅዱስ በሪ ዘይክፈተለን ሃገራት ከይህልዋ ዝብል ጻውዒት ከምዘቕረቡ ጃዳ ኣኵይላኒ ሓቢረን።

ኣብ ሳንቲያጎ ደ ካምፖስተላ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኹሊያን ባሪዮ ባሪዮ ዕለት 13 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም. ቅዱስ በሪ ናይ ምኽፋት ሊጡርጊያዊ ስነ ስርዓት መሪሖም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ናይ እዋናዊ ሕብረተሰብ ጸገምን ጽንኩር ኩነትን ኣማእኪሎም፣ ነጻሊ ከይዲ ኤኮኖሚ ተወጊዱ ኩሉ እቲ ግብረ ገባውን ማሕበራውነትን ዘማእከለ ሕብረተሰብ ንምሕናጽ ዝግበር ጻዕሪ ክተባባዕ ሓደራ ከምዝበሉ ጃዳ ኣኩይላኒ ኣፍሊጠን።

ኣብ ናይ ፐኪንግ ሰበኻ ዕለት 12 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም. ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንጽሕቲ ድንግል ማርያም ብፁዕ ኣቡነ ጁዘፐ ሊሻሃን ብዓመተ ምሕረት ምኽንያት ብተመሃሮ ዘርአ ክህነትን ብዓለማውያን ምእመናንን ብካህናትን ብደናግል ተዓጂቦም ቅዱስ በሪ ናይ ምኽፋት ስነ ስርዓት ፈጺሞም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፣ እቲ ናይ ሓቀይና ሓሴትን ምርግጋእን ሰላምን ምንጪ ዝዀነ ናይ ጐይታ ናይ ምሕረት ምስጢር ክንበር እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ዘቕረብዎ ጻውዒት ኣቃሊሖም በራት ልቢ ይከፈቱ ከምዝበሉ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.