2015-12-15 16:16:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ኣብ ምሕረት እግዚኣብሔር ተስፋ ምግባር ሰናይ እዩ


ኣብ ምሕረት እግዚኣብሔር ተስፋ ምግባር ክንደይ ሰናይ እዩ፣ ንቕጽና ፈሪሳዊ ክህነታውነትን ይጐድእ። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 14 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም. ከምቲ ልሙድ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ዘነግህ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ናይ ዕለቱ ካብ ዘህሉቅ ምዕ. 24 ካብ ፍቕዲ 2-7ን ካብ ፍቕዲ 15-17 ከምኡ ድማ ካብ ወንጌል ማቴዎስ ምዕ. 21 ካብ ፍቕዲ 23-27 ዝተወስደ ምንባብ ኣሞርኵይዞም ኣብ ዝለገስዎ ምዕዳን፦ ካብ ዘህሉቕ ዝተወስደ ምንባብ ነቢይ በዓላም ንእስራኤል ክረግም መታን ኣብቲ እዋን ብዝነበረ ንጉስ ዝተገዝኤ ነበረ። በዓላም ከም ኩላትና ሓጢኣተይና እዩ ዝነበረ። ግድፈታት ዘለዎ ከማና፣ እግዚኣብሔር ግና ካብ ሓጢኣትና ኣዚዩ ዓቢይን መሓርን እዩ። ኩሉ ነገር ዝልውጥ። በዓላም ኣብ ጉዕዞኡ ምስቲ ናይ እግዚኣብሔር በጊዕ ዝዀነ ጐይታ ይራኸብ፣ ልቡ ድማ ይልወጥ። ምልዋጥ ማለት ውድብ ምቕያር ካብ ሓደ ውድብ ናብ ካልእ ውድብ ምስግጋር ማለት ዘይኰነስ፣ ካብ ጌጋ ናብ ሓቂ ምስግጋርን እቲ ትርእዮ ከይፈራሕካ ምዝራብ ማለት እዩ። ሕዝበ እግዚኣብሔር ኣብ ምድረ በዳ ኣብ ዝተተኽለ ዳስ ይነብር። በዓላም ድማ ክንየው ምድረ በዳ ፍርያማነትን ጽባቔን ዓወትን ይጥምት። ልቡ ኸፈተ፣ ይልወጥ ድማ፣ ርሑቕ ይጥምት፣ ንሓቂ የስተውዕል፣ ስለምታይ ብጽቡቕ ድላይ ሓቂ ስለ ዝስትውዓል። እዚ ሓቂ’ዚ ድማ ተስፋ ዝህብ እዩ።

“ተስፋ” ማለት ይብሉ ቅዱስ ኣቦና፦ ንሕና ክርስትያን እቲ ካብ እግዚኣብሔር ዝተዓደለናን ርሑቕ ክንጥምት ዘብቅዓና ዓቢይ ጸጋ ማለት እዩ” ክንየው ጸገማትናን ስቓይናን ክንየው ሓጢኣትናን ጽባቔ እግዚኣብሔር ከነስተውዕል ዘብቅዓና ጸጋ እዩ” ኢሎም።

ኣብ ጽንኩርን ናይ ስድራ ቤት ድዩ ናይ ውላድ ናይ ግሊ ሕማም ኣብ ዘጋጥመሉ እዋንን ኩነትን ተስፋ ዝብል ክቡር ዋጋ ዘለዎን ዝነብርን ሰብ እንክራኸብ እቲ ተስፋ ከነስተማቕርን ክንየው እቲ ስቓይን ጽንኩርን ኩነትን ናይ ምባል ነጻነት ይጽገው። እዚ እዩ ድማ ተስፋ ማለት። እዚ ትንቢት እዚ እዩ ሎሚ ቤተ ክርስቲያን እትእውጆን እትጽግዎን፣ ኣብ ማእከል ጽንኩር ኩነት ተስፋ ዝሰነቑን ዝነብሩን ሰባት የድልዩና። ተስፋ ራእይ የርሕውን የስፍሕን፣ ተስፋ ናጽነት ደኣ እምበር ባርነት ማለት ኣይኰነን።

ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል፣ ሊቃውንትን ካህናትን ዓበይቲ ህዝብን ዝበሃሉ ናብ ኢየሱስ መጺኦም ብናይ መን ስልጣን ኢኻ እቲ ኩሉ እትፍጽም ዘሎኻ መን ከ ስልጣን ሃበካ? እንክብሉ ይሓትውዎ፣ ኣድማስ ኣልቦ ዝዀኑ። እዚኣቶም ድማ ንናይ ገዛእ ርእሶም ንቕጽና ባሮት ዝዀኑ እያቶም። ልቦም ዝዓጽዉ ኣልባብ ካልኦት ዝዓውጽዉ። ነጻነት ዘይብሎም ነጻነት ዝዓጽዉ። ተስፋ ግና ኩሉ ልዙብ ዝገብር እዩ።

ናጽነት ክንደይ ይጽብቕ። ለውሃትን ተስፋን ዘለዎም ናይ ቤተ ክርስቲያን ሰባት ሰብ ናጽነት እያቶም። ንቕጽና ዝተመልኡ ደቂ ቤተ ክርስቲያን ምርኣይ ክንደይ የሕምም፣ ፈሪሳዊ ክህነታውነት ንቕጽናን ተስፋ ዘይምግባርን ዘረድእ እዩ። ኣብዚ ናይ ዓመት ምሕረት’ዚ ኣብ ቅድሜና እዞም ክልተ ዓይነት መገድታት እያቶም ዘለዉ፣ ተስፋ ኣብ ምሕረት እግዚኣብሔርን ኣቦን፣ ዝምሕርን ክንየው ምድረ በዳ ወትሩ ኣብ ሕቕፎኡ ናብ ዘንብር ኣቦ ዝመርሕን፣ እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ ናይ ገዛእ ርእስኻ ንቕጽን ደው ዘብልን እዩ። ምሕረት ኣቦ ዘይምፍላጡ። እዚኣቶም ድማ ከምቲ ወንጌል ዝገልጾም ሊቓውንትን ዓበይቲ ሕዝብን ካህናትን እያቶም።

ቅዱስ ኣቦና ናይ ዕለቱ ዝለገስዎ ስብከት፦ ኣብ 1992 ዓ.ም. ኣብ ቦኖስ ኣይረስ እንከለዉ ንህሙማንን ስለ ህሙማንን መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝዓርገሉ ዝነበረ እዋን ሓንቲ ዝናዘዛ ዝነበራ ልዕሊ ሰማንያ ዓመት ዝዕድሜአን ኣደ ኣብ ዓይነን ከይተረፈ እትርእዮ ዅሉዕ ተስፋ ዘኪሮም፣ ኣይ ሓጢኣት የብልክን ምስ በልክዎን ይብሉ ቅዱስ ኣቦና ንሰን ምልስ ቢለን ኣይ ኩላትና ሓጢኣተይናታት ኢና በላኒ፣ ኵላትና ሓጢኣተይናታት ምኻንና ከመይ ገርክን ትፈልጣ እንክብሉ ድማ ከምዝሓተትወን ገሊጾም፣ እግዚኣብሔር ዘይምሕር ኔሩ እንተዝኸውን እዚ ዓለም ኣይምሃለወን እንክብላ ከምዝመለሳሎም ዘኪሮም፣ እግዚኣብሔር መሓሪ እዩ፣ ናብኡ ምባል የድሊ። ክፉት ልቢ ምሕረተ እግዚኣብሔር ዝደሊ፣ ዕጽው ልቢ ግና ጊላ ኣነነቱን ስርዓትን ሕግን ኰይኑ እዩ ዝተርፍ፣ እግዚኣብሔር ኩሉ ዝምሕር ናብኡ ንኸነብል ድማ ወትሩ ይጽበየና እንክብሉ ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.