2015-12-12 16:47:00

ካልኣይ ስብከት ዘመነ ምፅኣት፦ ቅድስና ክብሪ ደኣ እምበር ዘፍርህ ከበድ ኣይኰነን


ቅዱስ ኣቦናን ናይ ቅዱስነቶም ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ናይ ሮማዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ዝተፈላለዩ ጳጳሳዊ ኣባይቲ ምኽርን ቅዱሳት ማሕበራትን ላዕልዎት ሐዋርያዊ ሓለፍቲ ብፁዓን ካርዲናላትን ሊቃነ ጳጳሳትን ዘሳተፈ ንናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ በዓለ ልደት መሰናደዊ ብሰባኬ ቤተ ጳጳስ ኣባ ራኒየሮ ካንታላሜሳ ዝቐርብ ኣስተንትኖን ስብከትን ዝሓለፈ ዕለት 4 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም. ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብፍላይ ድማ ኣብ ሃምነናዊ ውሳኔ ብርሃነ ኣሕዛብ ኣሞርኵይዞም ቤተ ክርስቲያን ኣካልን መርዓትን ክርስቶስ እያ ኣብ ዝብል ሰነድ ኣማእኪሎም ቀዳማይ ስብከት ዘምጽኣት ከምዘቕረቡ እንክዝከር፣ ኣባ ካንታላሜሳ ዕለት 3 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም. ቅድስናን ጸዋዕታ ቅድስናን ኣብ ዝብል ነጥቢ ኣተኵይሮም ካልኣይ ስብከት ዘመነ መጽኣት ከምዘቕረቡ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።

ቅድስና ኵላዊ ጸዋዕታ እዩ። ማሕበረ ክርስቲያን ንቕድስና ዝተጸውዐ እዩ፣ ቅድስና?

ኩሉ ዝጥጥዕ ዕንበባብ ንመበረ ታቦት ማለት ኣይኰነን

ቅድስና ፍሉዩን ዘይተለምደን ክስተትን ተግባርን ክኸውን ዝከኣል እዩ። ኰይኑ ግና ቅድስና ዘይልሙድነትን ፍሉይነትን ማለት ኣይኰን፣ ከማኡ እውም ምስ ዘይልሙድነት ብሓደ ዝርአይን ብኣኡ ዝልለይን እዩ ማለት ኣይኰነን፣ ኵሉ ንቕድስና ዝተጸውዔ እንተድኣ ኰይኑ ሸቶኡ ቅኑዕ ተግባር ማለት እዩ። ኵሉ ክበጽሖ ዝከኣሎ ሸቶ እዩ፣ ስለዚህ ናይ ክርስትያናዊ ሕይወት ልሙድን ንቡርን ኩነት እዩ። ቅዱሳት ልክዕ ከም ዕምባባ እያቶም፣ ኣብ መንበረ ታቦት ጥራሕ ዝቕመጥ ዕምባባ የሎን፣ ብዙሓት ካልኦት ዕምባባታት ንጐሆ ይዕምብቡ እሞ ንከባብን ኣየርን ኣምዒዞም ብዘይረአዩለይን ስምዑለይን ድማ ይሞቱ፣ እዞም ዕምባባታት እዚኣቶም ድማ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብዘይረአዩለይን ስምዑለይን ይጥጥዑን ይዕምብቡን።

ንስርዓት ዘይኰነስ ብልቢ

ሓድሽ ኪዳን ኣብ ግምት ብምእትው ብዛዕባ ቅድስና ክንዛረብ እንከለና እቲ ብሉይ ኪዳን ዝሓደገልና ውርሻ ቅድስና ኣስተውዕሎ ምሃብ የድሊ። ስርዓታውነት ቅድስና፣ እዚ ድማ ናብ ቅድስና ንምብጻሕ ፍሉያት ቦታ ምዝውታርን ናይ ገዛእ ርእሱ ሕግታት ምኽባር ይሓትት፣ ኣብ ሓዲሽ ኪዳን ግና ቅዱስ ጳውሎስ ብዘዕግብ ኣገላልጻ፣ ቅድስና ጸዋዕታ ምዃኑ ብምግላጽ ቅድስና ግብሪ ስርዓታትን ወይ ድማ ምስ ሕግን ግብረ ገብን ዝተኣሳሰረ ዘይኰነስ ባህርያዊ ኩነት ህልውና ምዃኑ የተሓሳስብ። ስለዚህ ናይ ቅድስና ሞንገይና ቅዱሳት ስፍራታት ንኣብነት ቤተ መቕደስ ኢየሩሳሌም ወይ ድማ ንሳምራውያን ጎቦ ኮራዚም ዘይኰነስ ሓደ ኣካል እዩ ንሱ ድማ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።

ብዘይ እምነት ተግባር ሰናይ ኣይኰነን

ብመንጽር ክርስትና ቅድስና ብምምሳል ወይ ድማ ብናይ ገዛእ ርእሲ ኩነት ዝኽወን እዩ። እዚ ክበሃል እንኰሎ ድማ ቅድስና ጸጋ ምዃኑ ብምስትውዓል እዩ። “እምበኣርከስ ናይ ክርስቶስ ደኣ እምበር ናይ ገዛእ ርእስኻ ዘይምዃ” ዝብል ጳውሎስ ዘስተሃሮ መገዲ ዘረጋግጽ እዩ። ስለዚህ ቅድስና ክርስቶስ ካብቲ ናይ ገዛእ ርእስና ቅድስና ንላዕሊ ምሳናን ኣባልናን ምዃኑ ዘገንዝብ እዩ። እቲ ካልአይ ድማ ምምሳል ዝብል እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ድማ ተግባር ወይ ድማ ግብሪ ዘመልከት ክኸውን እንከሎ፣ ናይ ገዝእ ርእስኻ ጻዕሪ ይሓትት፣ እዚ ጻዕሪ እዚ ድማ ብእምነት ክርስቶስ ካብ ምቕባል ዝምጭው እዩ። እምነትን ግብርን፣ ግብሪ ብዘይ እምነት ሰናይ ግብሪ ክኸውን ኣይክእል፣ እምነት ብዘይ ግብሪ ድማ እውነተይና እምነት ክኸውን ዘይከኣል እዩ፣ ስለዚህ እምነትን ግብርን ተገራጫዊ ኣይኰነን ኢሎም።

ቅዱስ ይኽወን

ካብ ብሉይ ኪዳን ናብ ሓድሽ ኪዳን እንክንሰጋገር እንከሎና ጸኒዑ ዝተርፍ ሓደ ነገር ኣሎ፣ ንሱ ድማ ቅዱሱ ዝኽወን እግዚኣብሔር ቅዱስ ስለ ዝዀነ እዩ ዝብል ሓቂ እዩ። ኣነ ቅዱስ እየ’ሞ ንስኻትኩም ድማ ከማይ ቅዱሳት ኩኑ ዝብል ቃል ኣምላኽ እዩ። ቅድስና ጣዕሚ ኣይኰነን፣ በስጋዳድ ዝቐርብ ጸቕጥን ሓላፋን ኣይኰነ እንታይ ደኣ ጸጋ እዩ። ዓቢይ ክብሪ እዩ። ቅድስና እግዚኣብሔር ምውራስ ማለት እዩ። እዚ ክብሪ እዚ ድማ ደቂ እግዚኣብሔር ካብ ምዃን ዝምንጭው እዩ። ባህርይ ዘይኰነስ ጸዋዕታ እዩ። እምበኣር ከስ ቅዱሳት ንኽንከውን ዝተጸዋዕና እንተድኣ ኰይናን ቅድስና ጸዋዕታና ካብ ኰነ ድማ ሓቀይና ሰባት ንኸውን፣ መጠን ቅዱሳት ምስ እንኸውን እውነተይና ሰባት ንኸውን። ካብዚ ብዝተፈልየ ግና ዘይዕዉታት ኰይና ንተረፍ፣ ስለዚህ ኣንጻር ቅድስና ሓጢኣት ዘይኰነስ ውድቀት እዩ።

ጥርዚ ክብሪ

ኣብ መወዳእታ እቲ ዘገድስ ቅድስና ወትሩ ጉዕዞ ምዃኑ እዩ። ቅድስና እናማዕደውካ ምጉዓዝ። ፓስካል ከምዝብሎ ብዙሃን ብደዉ ዝጓዓዝ እንተድኣ ኰይኑ ቀዳማይ ጠርዚ ዕብየት ሰብ ግኡዝነት ዝብል ይኸውን፣ እዚ ድማ ብዙሓት ከምዝብልዎ ብኻልኣይ ደረጃ እቲ ጠርዚ ድማ ሰብኣዊ ፍልጠት ወይ ድማ ብቕዓት ዝብል ይኸውን። ንኽርስትያን ሳልሳይ ጠርዚ ድማ ቅድስና ዝብል ይኸውን፣ ቅድስና ግና ምስቲ ቀዳማይ ይኹን ካልኣይ ጠርዚ ዝጻረር ኣይኰነን።

ቅድስና ጸጋ እዩ። ቅዱሳት ወይ ድማ ሓጢኣተይና ኰይና ምንባርን ካባና እዩ እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.