2015-12-12 16:50:00

ብፁዕ ኣቡነ ጋላገር፦ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ንስደት ዝዳረጉ ማሕበረ ክርስቲያን ክድግፍ


ናይቲ ዝሳደድ ንዓመጽ ዝተዳርገ ማሕበረ ክርስቲያን ጽንኵር ኩነት መፍትሒ ንኽረክብ ናትና ምትሕብባርን ደገፍን ካብ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ድማ ፖለቲካዊ ተግባር ዝጠልብ እዩ” ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፓውል ሪቻርድ ጋላገር ኣብቲ “ኣብ ትሕቲ ጉራደ ቀሳር፣ መልሲ ክርስትና ንኣሳዶ” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ዕለት 10 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም.  ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ኡርባኒያኑም መንበረ ጥበብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዝተኸፍተ ሜዲትራንያዊ ዓውደ ጉባኤ ዕለት 11 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም. ተሳቲፎም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ኣተሓሳሲቦም፣ እቲ ኣብ ዓለም ዝፍጸም ምግሃስ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ብዑምቀት ዝትንትን ዓውደ ጉባኤ ነቶም ስለ እምነቶም ዝስደዱ ኩሎም ቤተ ክርስቲያን ቀረባ ከምዝዀነት ድማ ከምዘረጋገጹ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ማሪና ታማሮ ሓቢረን።

ብፁዕነቶም ድሕሪ እቲ ዘስምዕዎ ዘረባ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ብሓፈሻኡ ክረአይ እንከሎ ኩነታት ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ዓለም ብሓቂ ጽንኩር እዩ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ኩነታት ዘስግእ እዩ። ውጥረት ግጭት ዝረአየሉ ከባቢ ዓለም ብምዃኑ ድማ ውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብ ብቐሊሉ ንሓደጋ ተቓሊዑ ከባቢኡን ሃገሩን ሓዲጉ ንኽስደድ ተገዲዱ ይርከብ፣ ነዚ ሕዝቢ’ዚ ድጋፍን ምትሕብባርን ኣገዳሲ እዩ። ነቲ ዝሳቐይ ሕዝቢ ድዩ ዝሳደድ ዘሎ ማሕበረ ክርስቲያን ቅርበትን ድጋፍን በጽዋር ውግእ ብዝተሰነየ መጥቃዕቲ ብምክልኻል ዘይኰነስ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ሕብረተሰብን ሓይልታትን ዘተ ክህሉን ናይ ዝዀነ ይዅን ግጭት መፍትሒኡ ድማ ካብ ዘተን ፖለቲካዊ እሂን ምሂን ምብህሃል ክኸውን ከምዘለዎ ቅድስቲ መንበር ብምትሕስሳብ ናይ ዘተ ባህሊ ከምእተነቓቕሕ ኣረጋጊጾም፣ ቤተ ክርስቲያን ኣብቲ ብዛዕባ ናይ ሊቢያ ቅልውላው ዝዝትይ ናይ ሜድትራኒያን ጉባኤ እውን ትሳተፍ ከምዘላ ገሊጾም፣ ድሕሪ ዕልዋ መንግስቲ ቃዛፊ ኣብ ሊቢያ ናይ ውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብን ማሕበረ ክርስቲያንን ኩነት ንሓደጋ ተቓሊዑ ኣሎ። ኣብታ ሃገር ሓድነት የሎን ካብዚ ብምብጋስ ድማ መጻኢ’ታ ሃገር ክትግምቶ ናብ ዘይከኣል ኩነት የምርሕ ኣሎ፣ ምእንቲ’ዚ ናይ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ መልሲ ብህጹጽ ዝጠልብ ኩነት እዩ ዘረአይ ዘሎ እብክሉ ዘካይዶ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎ።

ኣብ ዒራቕ ናይ ከለዳዊ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ካርዲናል ልዊስ ራፋኤል ቀዳማዊ ሳኰ ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፦ ኣብ ዒራቕ ዘሎ ኩነታት ኣዚዩ ስንኩፍን ኣስጋእን እዩ፣ ስርዓት ኣልቦነትን ሕድ ሕዳዊ ምጥርጣርን ዝተመልኤን ዘሎ መንግስቲ እውን ብሓቒ ድኹም እዩ። ብሓፈሻኡ ሃገረ ዒራቕ መልክኣ ምድራዊ ምግምማዕ ዝረኣየላ ሃገር ኰይና ትርከብ ኣላ። ኣሸባርያን ኩሉ ዘዕንዉን ባህልን ሃይማኖታውን ብሔራውን ማሕበራውን ቅርስታት ዘባድሙን ናይ ሞት ባህሊ ዘራእቲ እያቶም፣ እቲ ዘስፍሕዎ ዘለዎ ፖለቲካውን ሃይማኖታውን ርእየት ብሓቂ ጸረ ሃይማኖትን ጸረ ሰብን ጸረ ሃገርን እዩ፣ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣሸበርቲ ብሓይሊ ኣየር ዝተሰነየ ናይ ደብዳብ መጥቃዕቲ ንበይኑኡ እዅል እውን እንተዘይኰነ እዚ ዓይነት መጥቃዕቲ መልሲ ኣይኰነን፣ ነቲ ገዛእ ርእሱ እስላማዊ ሃገር ቢሉ ዝሰመየ ሓይሊ ኣሸበርቲ ዘጥፍእ ናይ ዓለም ለኻዊ ተግባር ወሳኒ እዩ እንክብሉ ብወገኖም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.