2015-12-08 18:13:00

ፅንሰታ ለማርያም 2008 ዓ.ም.


ብዓለ ፅንሰታ ለማርያም ፍሉይ ዝገብሮ አብዚ ዓመት ካብዚ ዕለት ጀሚራ ክሳብ ንዓመታ ኅዳር 20 2016 ቤተ ክርስትያን “ቅዱስ ዓመተ ኢዮቤል ናይ ምሕረት” አዊጃትልና አላ። ኢዮቤል ዝእወጅ አብ ልማድ ቤተ ክርስትያን ተሓድሶ መንፈስ ክርከብ ብፍሉይ ከአ ሰባት አብ አምላኽ ክንምለስ እዩ ስለዚ ሎምዘበን እውን ክንምለስ ክንሳሕ ንሕተት አሎና። ብዓልና ፍሉይ ዝገብሮ ንሕና ደቂ ማርያም አብ እምነትናን አብ ርክባትናን ፍሉይ መልክዕ ማርያምን ወዳን አባና ክርአ እንከሎ እዩ። ብዓለ ፅንሰታ እንታይነት ማርያም ዝገልጽ ስለ ዝኾነ ፍሉይ ብዓል እዩ። ማርያም ብዘይኃጢአት ምጽናሳ ዘርእዮ ተቐባሊት ምሕረት አምላኽ ምዃና እዩ። ንሳ ከም አደ ምሕረት መጠን ካብቲ ምሕረት ትካፈል። ማርያም አደ ቤተ ክርስትያን እያ ብወገና ንምሕረት አምላኽ አብ ዓለም ክምዝህሉ ትገብር ብፍላይ አብዚ ቅዱስ ዓመት ምሕረት። ነዚ ዓመት መመላእታ እምብአር አብ ምሕረት አምላኽ ምስ ማርያም ክንጉዓዝ ንሕተት አሎና።

አብ ዋዜማ ናይ ጽንሰታ ለማርያም “ለልየ በእዴየ ለሐኩዋ ለድንግል እንተ እምኔሃ ተስባእኩ ይቤ እግዚአብሔር መንበሩ ዘኪሩቤል ዘኢዮር ማኅድሩ ዘይትነገር ቃል ኀደረ ላዕሌሃ”። መንበሩ አብ ኪሩቤል ማኅደሩ አብ ኢየር ዝኾነ እግዚአብሔር ባዕለይ ብኢደይ ንድንግል ፈጠርክዋ፤ ክንገር ዘይክአል ቃል አብአ ሓደረ፤ እናበለ ሕርየት ማርያም ካብ መጀመርያ ብእግዚአብሔር ከም ዝኾነን ኩሉ ናታ ዘበለ ምስቲ ዝወለደቶ ክርስቶስ ተተሓሒዙ ከምዝኸይድ ይነግረና። ኩሉ እምነትና ንማርያም ዝርኢ ካብ ክርስቶስ ፈሊና ክንርእዮ አይክአልን እዩ፥ ኩሉ ናታ ዘበለ ምስ ወዳ ዝተተሓሓዘ እዩ፥ በዚ ምኽንያት እዩ አብ ባህልና ምስለ ፍቁር ወልዳ እንብል።

አብ እምነትና አርባዕተ አዕማድ እምነት ብዛዕባ ማርያም አለዉና፡

ማርያም አደ አምላኽ እያ። አብ ጉባኤ ኤፈሱስ ብ431 አበው ማርያም አደ አምላኽ ኢሎም ወሲኖም።
ማርያም ብዘይ ኃጢአት አዳም ተጸኒሳ። ፕዮስ ፱ ብ1854 ንኹሎም አቡናትን ጉባኤ ጳጳሳትን ሲኖዶሳትን ድሕሪ ምሕታት ድንግል ብሕልንአ ድንግል ብሥግአ ኢሎም አዊጆም።
ማርያም ቅድምን ድሕርን ንክርስቶስ ምውላዳ ድንግል እያ። ፭ይ ጉባኤ ቁስጥንጥንያ  ብ553 አዊጁ። 
ማርያም ብሥግአን ብነፍሳን ንሰማይ ፈሊሳ። ፕዮስ XII ብ1950 አዊጆሞ።

ብዓለ ጽንሰታ ለማርያም ብናይ ሃገርና ስርዓት አብ 13 ታሕሣሥን አብ 7 ነሓሰን ይዝከር፥ ማርያም ሓጢአት አይለኸፋን ካልኦት ኩልና አብ ሓጢአት ተወሊድና። ናይ ማርያም ብዘይ ኃጢአት ምጽናሳ ከም ዓምዲ እምነት አብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ታሕሣሥ 8 1854 ብፕዮስ 9ይ አብ ሮማ ብዕሊ ሓደ ካብቲ ዓምዲ እምነት ቤተክርስትያን ምዃኑ ተአዊጁ። “ካብ ፈለማ እዋን ጽንሰታ ጀሚራ ፍሉይ ብዝኾነ ጸጋን ናይ ከሃሌኩሉ አምላኽ ጉንዖን ብናይ ኢየሱስ ክርስቶስ መድኅን ዓሌት ሰብ ትሩፋትን ብፅዕት ድንግል ማርያም ካብ ዝኾነ ርስሓት ኃጢአት ናጻ ኮይና ተዓቂባ እያ” ፕዪስ ፱ይ Ineffabilis Deus (1854). እዚ ዓምዲ እምነት ዝእውጆ ማርያም ብጸጋ አምላኽ ካብቲ መጀመርያ ካልኢት ጽንሰታ ካብ ኩሉ ኃጢአት አዳም ነጻ ኮይና ከም ዝተወልደት ይነግረና። ማርያም ከም ኩሉ ሰብ ብሥጋዊ ርክብ አቦአን አዲአን (ሃናን እያቄምን) እያ ተወሊዳ፥ እንተ ኾነ እግዚአብሔር ብፍሉይ ክእለቱ ካብ ኩሉ ኃጢአት ነጻ ገርዋ። (ሓ/ት/ክ/ 491)። ካልኦት ኩልና አብታ ዝተጸነስናላ ደቒቕ ብኃጢአት አቦና አዳምን ሔዋንን ንልከፍ። እዚ ኃጢአት ብጥምቀት ነጥፍኦ። ማርያም ግን ካብ መጀመርያ ተፈጥሮአ ብዘይ ዝኾነ ሰብአዊ ድኽመት ኃጢአት እያ መጺኣ። አብዚ ዓለም ከምቲ አዳምን ሔዋንን ቅድሚ አብ ኃጢአት ምውዳቖም ዝነበርዎ ሕይወት እያ ተፈጢራ። እዚ ኹሉ አምላኽ ዝገበረላ ዓስቢ ናይ ዝኾነ ዝገበረቶ ሰናይ ግብሪ አይኮነን፥ ወይ እውን ባዕላ ብዝገበረቶ ዝረኸበቶ አይኮነን እዚ ኹሉ ብመንጽር እቲ አደ አምላኽ ክትከውን ተራእዩ አምላኽ ዝገበረላ እዩ። እምብአር እዚ ጽንሰታ ለማርያም እንብሎ ዘሎና ማርያም መን ምዃና ይገልጸልና። ከምኡ እግዚአብሔር መን ምዃኑን ንሕና አብቲ መወዳእታ ዘይብሉ ፍቕሩ እንታይ ክንከውን ከምእንኽእል ክነግረና ይኽእል። 

አብዚ ምስ ካልኦት ምስራቓውያን አብያተ ክርስትያናት ንፈላለ ማለት ምስራቓውያን ማርያም አብ ማሕፀን አዲአ ክትጽነስ እንከላ ምስ ኃጢአት እያ ተጸኒሳ ድሕሪ ምጽናሳ ግን ብጸጋ አምላኽ ድሒና ይብሉ። ንሕና ካቶሊካውያን ማርያም አደ ክርስቶስ ስለ ዝኾነት ዝኾነ ኃጢአት ክትንክፋ አይክእልን እዩ ምኽንያቱ ብመንጽር ክርስቶስ ተራእዩ ንብል። ከምኡ እቲ መልአኽ ከበስራ እንከሎ “ጸጋ ዝመልአኪ፥ እግዚአብሔር ምሳኺ እዩ” ክብላ እንከሎ ነቲ አብአ ዘሎ ጸጋ አምላኽ እዩ ዝሕብር ስለዚ ማርያም ካብ መጀመርያ ብዘይ ኃጢአት ተፀኒሳ ንብል።

ቅዱስ ዓመት ክንጅምር እንከሎና አብ መወዳእታ ናይ 50 ዓመት ፪ይ ጉባኤ ቫቲካን ካብ ዝግበር አብ እንዛዝመሉ ዘሎና እቲ ምሉእ ምሕረት ዝኾነ አምላኽና አባን ዘፍስሶ ጸጋታቱ አብዚ ብዓል ብፍሉይ ጸጋ ይግለጽ። እቲ አብ ክርስቶስ ካብ መጀመርያ ብፍሉይ ዝተገልጸ ምሕረት ብጊዜ አብ ልዕሊ ማርያም ክወርድ ተራእዩ። መልእኽ “ምልእተ ጸጋ” ክብላ እንከሎ ካብ መጀመርያ ህላዌአ ከምዝተዋህባ ንርኢ። ማርያም ከስ ነቲ አምላኽ አባና ከመይ ኢሉ ከም ዝገብሮን ንሕና ኸአ ከመይ ኢልና ክንምልሰሉ ከምዝግባእ አርአያና/ሞዴና እያ።

ማርያም ሓዳስ ሔዋን እያ፡

ኦሪት ዘፍጥረት ቀዳሞት ወለድና አዳምን ሔዋን ከመይ ኢሎም ካብ አምላኽ ብዘይምእዛዞም ከም ዝርሓቝ ይነግረና። ወንጌል ሉቃስ እታ ዳግሚት ሔዋን ብእምነት ከመይ ኢላ ማዕጾ ንሓዲስ ፍጥረት ከም ዝኸፈተት ይነግረና። “እነኹ አነ ባርያ እግዚአብሔር እየ ከምቲ ዝበልካኒ ይዅነለይ” ክትብል እንከላ እምነታን ነቲ ብአቢሉ ዝመጽእ ድሕነት ክዉን ክዉን ገራቶ።

ማርያም ቅድሚ እዚ እውን “ቅድስትን ዝኾነ አበሳ ዘይብላ ክትከውን ተሓርያ. . . . ንክብሪ  ጸጋ አምላኽ አብአ ክግለጽ ተሓርያ”። ንሳ ኵሉ መንፈሳዊ ጸጋታት ካብ ክርስቶስ ተዓዲላ። “ምልእተ ጸጋ” ክትብሃል እንከላ አምላኽ ምሉእ ብምሉእ አብአ ኃደረ “ዘአልባቲ ጽልሑት” ንብላ።

ቅ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ “ማርያም ዓሚቕ ፍልጠት ምሕረት አምላኽ ዘልአ እያ” ይብሉ። አብቲ ዘስምዓቶ መዝሙር ውዳሴ “ምሕረቱውን አብቶም ዝፈርህዎ ንውሉድ ወለዶ እዩ” ኢላ። ንአምላኽ ዝፈርሑ ማለት ከአ ተፈጥራዊ ኩነቶም አለልዮም ኩሉ አብ ኢድ አምላኽ ዘንብሩ ብዕብራይስጢ “ዓናዊም” ዝብልዎም እዮም። እዚኦም ንአምላኽ ልእሊ ኵሉ ገሮም ብምሉእ አብ አምላኽ ይስምረት ሕይወቶም። ማርያም እታ ቀዳመይቲ ብምሉእ ንአምላኽ “ሕራይ” ዝበለት እያ።                                                                                                                                                       

ማርያም አደ ምሕረት እያ፡

ማርያም ምሕረት አምላኽ ስለ ዝተቐበለት ምእንታና ምሕረት ክትልምን ትኽእል እያ። ብልመናአ ምሕረት አምላኽ አብ ዓለምና ወሪዱ። ኢየሱስ አብ መስቀል እንከሎ አደ ሂቡና። በዚ ምኽንያት እዩ ንዘመናት ደቂ ሰብ አብ ጽንኩርን መሪርን ኵነታት ክርከቡ እንከለዉ አብ ማርያም ዝምለሱ። “ኦ ንግስተ ሰማይ አደ ምሕረት አብዚ ናይ ንብዓት ቆላ ዘሎና” ለምንልና እናበልና ንጽሊ።

እቲ ኵሉ ዝኽእል አምላኽ አብ ማርያም ዓበይቲ ነገራት ከም ዝገበረ ርእያቶ እያ ብአአ አቢሉ ንነፍሲ ወከፍና ዓበይቲ ነገራት አብ ዕለታዊ ሕይወትና ከምዝገብር ገሊጹልና። አምላኽ ብፍጡራቱ ገሩ ዓበይቲ ነገራት ይገብር። ሰባት አብ አምላኽ ክምለሱ ሰባት ይልእኽ፥ ሰላም ፍቕሪ ክነግስ መሳርሕቲ ሰላም ዝኾኑ ሰባት ይልእኽ። ማርያም አብ ቃና ዘገሊላ ከም ዝበለቶ “ወደይ ዝበለኩም ግበሩ” ትብለና። አብ ሕይወትና ለውጢ ተአምራት ክንርኢ ብማርያም አቢልና ንቕረቦ።

ማርያም አደ ቤተ ክርስትያን እያ፡

አብ ወንጌል ዮሓንስ “እዚአ አደኻ” “እዚ ወድኺ” ክብል እንከሎ ምስ ማርያም ዘሎና ርክብ ርክብ አደን ውሉድን ክኸውን ከምዘለዎ ሓቢሩና። ደቂ ማርያም ዘብለና ድላይ ክርስቶስ ወዳ ክንገብር ከሎና ጥራሕ እዩ። ግ.ሓ. ማርያም ንዝተዋህባ ሓላፍነት አብ ምጥርናፍ እታ ቀዳመይቲ ማሕበር እያ ጀሚራቶ። አብ ወዳ ዝአምኑ አብ ጽቡቕን ሕማቕን ጊዜ ብሓባር ክጽልዩ ልዕሊ ኹሉ አብ መስዋዕቲ ቅዳሴ ክእከቡ ትነግር። አብ ብዓለ ጰራቅሊጦስ ምስ ደቃ ሓዋርያት ኮይና ሱባኤ አእትያቶም ጸሎት መሪሓቶም፥ መንፈስ ቅዱስ ክቕበሉ መገዲ ሓቢራቶም። ሕይወት ሓዋርያት ካብዚ ንድሓር ንድሕሪት አይተመልሰን።

አደታትና አብ ዓድና ክምህለላ እንከለዋ “እዚ ዅሉ አበይዝበለ አብ እኖይ ማርያም ምሕረት ዝደለ ክብላ እንከለዋ” አብ ማርያም ዘሎ እምነትን ተስፋን ይገልጽ። ውሉድ ዝኾነ ሓገዝ ክደሊ እንከሎ ነዲኡ ክሓትት እዩ ዝቐሎ እሞ ሎሚ ነታ ትሕርሕቲ አደና ንለምና በረኸት ሸልም ፍቕሪ ክተውርደልና። 

ዓመተ ምሕረት አብ እንጅምረሉ ዘሎና እዋን ምስ ማርያም አብ ምሕረት አምላኽ ክንምለስ ንቀራረብ። ኢዮቤልና ፍረ ክህልዎ ኢላ ቤተ ክርስትያን አብዚ ዓመት ፍሉያት ነገራት ክነዘውትር ትሓተና አላ። መጽሓፍ ቅዱስ ብፍሉይ (ወንጌል ሉቃስ) ክነንብብ ክነስተንትን። ምስጢረት ኑዛዜ ክነዘውትር፥ ናይ ምሕረት ስራሕ አብ ምዓልቲ ሓደ ወይ ክልተ ጊዜ ክንገብር፥ ንግደት ክንገብር፥ ብቃልና ብግብርና ናይ ምሕረት ሥርሓት ክነርኢ፥ ፎኖተ ምስቀል ክንገብር፥ ጸሎት መለኮታዊ ምሕረት መዓልታዊ ክንደግም. . . . . ። 

በዚ ብሩኽ መዓልቲ ማርያም አደና አብ ሕቑፋ ክንርከብ ደቃ ክንከውን መብጽዓና ንሓድስ። ኦ ማርያም አደና አብዛ እንነብራ ዓለም ሰላም ፍቕሪ ክነንግስ ንወድኺ ለምንልና፥ አብዚ ቅዱስ ዓመት ምሕረት ንዝበደሉናን ንዝበደልናዮም ክንምሕር ብጸጋኺ ሓግዝና ንበላ።

ብሩኽ ዓውደ ዓመት ይግበረልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ  

 








All the contents on this site are copyrighted ©.