2015-12-08 15:53:00

ቅዱስ ኣቦና ሓድሽ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ወኪል ሰምዮም


ዕለት 7 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅድሚ ቐትሪ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ሃገረ ፐሩ ልኡከ መንግስቲ ንኽዀና ካብ መንግስተን ዝተላእካ ማሪያ ኤልቪራ ቨላስክ ሪቫስ ፕላታን ከምኡ እውን ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ሃገረ ሃንጋሪ ልኡከ መንግስቲ ንኽዀኑ ዝተላእኩ ኤድዋርድ ሃብስቡርግ ሎትሪንገን ዘቕረብዎ ናይ መዝነት ደብዳቤ ከምእተረከቡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፣ ቅዱስነቶም ቀጺሎም ናይ ስብከተ ወንጌል ነሕዛብ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ፈርናንዶ ፊሎኒን ቀጺሎም ኣብ ሕንዲ ናይ ራንኪ ሰበኻ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ተለስፎር ፕላሲዱስ ቶፖን ኣብ ጋና ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡክ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ዣን ማሬ ስፒየክን ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ ዓለማውያን ምእመናን ተቛማት ኣቦ መንበር ናደገ ቨዲየን በቢ ተራ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሰርቢያ ጳጳሳዊ ወኪል ኰይኖም ኣብ ምግልጋል ንዝነበሩ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሉቻኖ ሱሪያኒ ኣብታ ሃገር ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኰይኖም ንኽገልግሉ ከምዝሰመይዎምን፣ ኣብ ኮንጎን ጋቦንን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኰይኖም ነዘገልገሉ ዝነበሩ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ዣን ሮመዮ ፓውሎውስኪ ድማ ኣብ ሰርቢያ ጳጳሳዊ ወኪል ኰይኖም ነኸገልግሉ ከምዝሰመይዎም ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.