2015-12-08 15:47:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ልደት ንምሕረት ገዛእ ርእስኻ ምርሃው ማለት እዩ


ልብኻ ንምሕረት ክፉት ምግባር። ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ማያት ባሕሪ ዝረአይ ናይ ስደተይናታት ሞትን ህልቂትን ርኢኻ ብሓቂ ምሕረት ምሃብ ክንደይ ይኸብድ፣ ዝብል ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ቅድሚ ሓቅነት ሰብኣዊ ምዃን ሕቶታት ደው ዘብል ሓሳብ ዘማእከለ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 8 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም. ኣብ ኣሲዚ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ባዚሊካ ታሕተዋይ ክፍሊ ኣብ ዝርከብ ስፍራ ዝቖመ ናይ በዓለ ልደት ጽሕዲ መብራህቲ ካብ ቫቲካን ኰይኖም ድሕሪ ካብ ስደተይናታት ዝቐረበ ምስክርነት ብዘመሓላለፍዎ ብናይ ምስማዐ-ርእየት ምዕዳን ኣብሪሆም፦

ዓቐን ድሕነት ክንደይ ኮን ይኸውን? ሸውዓተ ሜትሮ ልክዕ ከምታ ስደተይናታት ንመጓዓዝያ ዝጥቀሙላ ጀልባ። እታ ዕለት 13 መጋቢት 2014 ዓ.ም. ብሉጽ መጻኢ ዝኣመቱ ሸውዓተ ስደተይናታት ብባሕሪ መዴትራኒያን ኣቢሎም ካብ ቱዚያ ነቒሎም ኢጣሊያ ደሴት ላምፔዱዛ ዝኣተዉ ዘድሓነት ጀልባ። እቲ ናይ ኣሲዚ ናይ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ልደት ዘበስር ሓውልታዊ መግለጺ ከም ተምሳል ኣብ ንእሸተይ ጀልባ ዝተቐመጠ ብምንባሩ ድማ እታ ቅድስቲ ቤተሰብ ኣብ ሓንቲ ንእሽተይ ጀልባ ከምዘላ ዘርእይ ናይቲ እዋናዊ ስደተይናን ተመዛበልንትን ናይ ሕይወት ኩነት ዘበስር ልደት ኢየሱስ ድማ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ምስቲ ኣብ ዋናዊ ኩነት ዝሳቐዩን ኣብ ሕሰምን መከራን ዝርከብ ሕብረተሰብ ኩነት ዝተኣሳሰረ ምዃኑ እዩ ዘነጽር።

ጐይታ ካብ ሞት ንላዕሊ ሓያል እዩ። ኣልባብ ንምሕረት ምኽፋት

ጐይታ ተስፋ ክጽግወናን ንሱ ካብ ሞት ንላዕሊ ዝሓየለ ምዃኑን ካብ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ናይ ክፍኣት መንፈስ እዚዩ ዝበርትዔ ምሕረት ምዃኑ ነኸበስረና መጸ። ኣብዚ ንኸነብዕሎ እንቀራረብ ዘሎና በዓለ ልደት ኣልባብኩም ንምሕረት ክትኸፍቱ እዕድም ዝበሉ ቅዱስነቶም ነቲ ኣብ ማያት ባሕሪ ዝረአይን ዝተኸስተን ሕልቂት ምምሓር ዝኸበደ እዩ። ምምሓር ቀሊል ኣይኰነን።

ደቡብ ኢጣሊያ ንመላእ ዓለም ናይ ምትሕብባር ኣብነት

ቅዱስ ኣቦና ነቶን ናይ ኢጣሊያ ዶባታ ባሕሪ ጸጥታን ድሕነትን ተቖጻጸርቲ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ፣ ናይ ኢየሱስ ተስፋ ዘራእትን መጋበርያን እንክብሉ ገሊጾም፣ ኢጣሊያ ንስደተይናታት እትፍጽሞ ፍድፋድ ግብረ እንገዳ ብምምስጋን ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፣ በቲ ዝቐርብ ግብረ ሰናይ ድማ ደብቡ ኢጣሊያ ንመላእ ዓለም ኣብነት ኰነ፣ ነቶም ናይዚ ግብረ ሰናይ ዘራእትን መጋበርያን ዝዀንኩም ነቲ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ልደት ኣብ መብልዒ ማል መግለጺ ቅዱስ ምስሊ ፊት ኰይንኩም ንኢየሱስ ንስኻ ትእምርቲ ተስፋ ስለ ዝዀንካ ኣነ ኣውን ነቶም ደገፍ ዘድልዮም ኣበርክቶይ ኣቕሪበ እትብሉ ኢኻትኩም።

ጐይታ ንስደተይናታትን ተመዛበልትን ቀረባ እዩ። በዓለ ልደት መግለጺ ሓልዮት እግዚኣብሔር እዩ። ኣብቲ ሊጡርጊያዊ ስነ ስርዓት ምኹላዕ ናይ በዓለ ልደት ጽሕድን መግለጺ ልደት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ካብ ኣፍጋኒስታን ካመሩን ናይጀሪያን ሶሪያን ዝመጹ ነቶም ናብ ኢጣሊያ ዝውሕዙ ስደተይናታት ዝወከሉ ሰላሳን ሓደን ስደተይናታት ከምእተሳተፉ እንክሕበር፣ ቅዱስ ኣቦና ነቶም ስደተይናታት ከምቲ ነቢይ ዝብሎ ንኣኻትኩምን ንዅሎም ስደተይናታትን ተመዛበልትን ድማ ጐይታ ቀረባ እዩ’ሞ ርእስኹም ኣቕንዑ እብል፣ ምስኡ እቲ ሓይልን ድሕነትን ተስፋን ኵኑ፣ ልባትኩም ዝቖሰለ ክኸውን ዝከኣል እዩ፣ ኰይኑ ግና ርእስኹም ኣብ ናይ ጐይታ ተስፋ ኣቕንዑ፣ ንኣኻትኩም ስደተይናታትን ሓለውቲ ጸጥታ ወሰናስን ባሕሪ ኢጣልያን ቀረባኹም እየ፣ ቅዱስን ምልኣት ተስፋ ዝዓሰሎን ሓልዮት ጐይታ ዝተትረፍረፎ በዓለ ልደት እምነየልኩም ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንኰሎ ቅድሚ ናይ ቅዱስ ኣቦና መልእኽቲ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ህየንተ ቤተ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ጋንስ ዋይን ዝሰርዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዝዓረገን፣ ብፁዕነቶም ናብ ኢየሱስ ንምብጻሕ ጸሎትን ምልዋጥን ተልኾን ዝብሉ ተግባራት ኣገደስቲ ምዃኖም ዝገልጽ ስብከት ከምዝለገሱን፣ እዞም ሰለስተ ናብ ጐይታ ዝወስዱ መገድታት ሓባሪ ድማ ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቕ እዩ። ዝጸለኻዮ ክርስቶስን ዝለወጠካ ክርስቶስን ማለት መጋበርያ ፍቕርን ተስፋን ስለ ዝገበረካ ክርስቶስ ከይፈራሕካ ንዓለም ምብሳር ዝብል ሓሳብ ከምተንተኑ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.