2015-12-08 18:19:00

ስሬት-ኃጢኣት እንታይ ማለት እዩ?


ስርየት ኃጢኣት፤ ስሬት-ኃጢኣት እንታይ ማለት እዩ?

ስሬት-ኃጢኣት ኪበሃል ከሎ፤ ንዝተማሕረ ኃጢኣት ስኢቡ ኪመጽእ ዝነበሮ ግዜያዊ (ምድራዊ) መቕጻእቲ፤ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከምዝተሰረዘ ዜመልክት እዩ። እዚ ማለት ከኣ፤ ሠራዒት ድኅነት ዝኾነት ቤተክርስትያን፤ ንናይ ክርስቶስን ቅዱሳኑን መዝገበ-ካሕሣ ክትእድልን ከተደላድልን ብዝተዋህባ ሥልጣን መሠረት፤ ንዝመደበቶ ፍሉጥ ተግባራትን ኵነታትን፤ ብዚግባእ ዝፈጸመ ክርስትያን-ምእመን ዚረኽቦ እድል እዩ።81

“እቲ ብሰንኪ ኃጢኣት ዚመጽእ ግዜያዊ (ምድራዊ) መቕጻእቲ ብኸፊል፣ ወይ ብምሉኡ ዚድምሰስ ስለዝኾነ፤ ስሬት-ኃጢኣት ከከም ኵነቱ ከፊል ወይ ምሉእ ኮይኑ ይርከብ”።82 ምእመናን ንስሬት-ኃጢኣት ንርእሶም ኪረብሑሉ፤ ወይ ከኣ ናብ ሙታን ከውእልዎ ይኽእሉ። (CIC, can. 994)

 

መቕጻእቲ ኃጢኣት

1472 ነዚ ናይ ቤተክርስትያን ትምህርተ-እምነትን ግብራዊ መደባትን ንምርዳእ፤ ኃጢኣት ድርብ ሳእቤን (ውጽኢት) ከምዘለዎ ምፍላጥ የድሊ። ምስ ኣምላኽ ኪህልወና ንዚኽእል ሱታፌ-ኅብረት ዚኽልክለና ዓቢይ ኃጢኣት፥ ምእንት’ዚ ኸኣ፤ ዘለዓለማዊ ሕይወት ከምዘይንወርስ ይገብረና፥ ዘለዓለማዊ ሕይወት ምስኣን ድማ፣ ናይ ኃጢኣት “ዘለዓለማዊ መቕጻእቲ” እዩ።….. ብኻልእ ወገን ከኣ፣ ዝኾነ ይኹን ኃጢኣት፤ ንኡስ’ውን ይኹን፤ ምስ ፍጡራን ዚግበር ዘይሥሩእን ጥቡቕን ርክብ ዜስእብ ኮይኑ፤ ኣብ’ዚ ምድር’ዚ ኮነ፤ ድሕሪ ሞት ኣብ ቦታ-ንስሓ ክንነጽሓሉ ዚግበኣና እዩ። እዚ ምንጻሕ’ዚ ንሓደ ሰብ ካብ’ቲ ናይ ኃጢኣት “ግዜያዊ መቕጻእቲ” ዚበሃል ናጻ ይገብሮ። እዚ ክልቲኡ መቅጻእቲ ግን ካብ ወገን እግዚኣብሔር ዝመጽኤ ዓይነት በቐል ዘይኮነስ፤ ካብ’ቲ ባሕርይ- ኃጢኣት ብቐንዱ ከምዚመጽእ ኪሕሰብ ይግበኦ። ካብ’ቲ ምዉቕን ውዕዉዕን ፍቕሪ ዚፍልፍል ንስሓን ምምላስን፤ ነቲ ኃጢኣተይና ምሉእ ምንጻሕ ከጨብጦ ይኽእል፤ በዚ ዓይነት’ዚ ድማ ከይተደምሰሰ ዚተርፍ፤ ዝኾነ ይኹን መቕጻዕቲ የልቦን።83

1473 ኅድገት-ኃጢኣት ምርካብን፤ ምስ እግዚኣብሔር ዚህሉ ሱታፌ ምምላሱን፣ ንናይ ኃጢኣት ዘለዓለማዊ ቅጽዓት የልግሶ፤ እቲ ናይ ኃጢኣት ግዜያዊ ቅጽዓት ግን ይጸንሕ። ንዅሉ ዓይነት ሥቓያትን ፈተናታትን ብትዕግሥቲ እናጸወረ፤ መዓልቱ ምስበጽሐ ንሞት ብህድኣት ብምቅብባል፤ ሓደ ክርስትያን፣ ነዚ ናይ ኃጢኣት ግዜያዊ መቕጻዕቲ፣ መጠን ጸጋ ንምቕባሉ ኪጽዕር ይግበኦ። ነዚ ጻዕር’ዚ ዚፍጽሞ ከኣ፤ ግብረ-ምሕረትን፤ ግብረ ሠናያትን (ፍቕርን) ብምዝውታር፤ ብጸሎትን፣ ብዝተፈላለየ ናይ ንስሓ ተግባራትን፤ ነቲ “ኣረጊት ሰብ” ፈጺሙ ኣውፂኡ ብምድርባይን ነቲ “ሓዲስ ሰብ” ብምልባስን እዩ።84

 

 ብሱታፌ ቅዱሳን

1474 ካብ ኃጢኣቱ ንኪነጽሕ፤ ብጸጋ-ኣምላኽ ድማ ቅዱስ ንኪኸውን ዚጋደል ክርስትያን፤ ኣብ’ዚ ጻዕር’ዚ በይኑ ኣይኮነን ዘሎ። “ናይ ነፍስወከፍ ውሉድ ኣምላኽ ሕይወቱ፤ ብክርስቶስን ኣብ ክርስቶስን፣ እሞ ብዜደንቕ ኣገባብ፣ ኣብ’ቲ ናይ ምሥጢራዊ ኣካል-ክርስቶስ መልዕልተ-ባሕርያዊ ሓድነት ልክዕ ከም ሓደ መንፈሳዊ ኣካል፤ምስ ሕይወት ኵሎም ክርስትያን፣ኣኅዋት ዝተኣሳሰረት እያ።”85

1475  በዚ መደብ ሱታፌ ቅዱሳን፤ “ኣብ መንጎ’ቶም ድሮ ኣብ ሰማያዊ ቤቶም ዚርከቡ ምእመናንን፤ ኣብ መንጎ’ቶም ኣብ ቦታ-ንስሓ ኮይኖም ዛጊት ካሕሣ ኃጢኣቶም ዚፍጽሙ ዘለዉን፣ ጋና ኣብ’ዚ ምድር’ዚ ኣብ ንግደት ዘለዉን ኵሎም፤ ነባር ዝኾነ ናይ ፍቕሪ ማእሰር ኣሎ። ኣብ መንጎኦም ድማ፣ ናይ ኵሉ ሠናያት ኣዝዩ ዝዓዘዘ ምልውዋጥን ምርድዳእን ኣሎ።”86 ኣብ’ዚ መስተንክራዊ ምልውዋጥ ከኣ፣ ናይ ሓደ ሰብ ኃጢኣት ንካልኦት ካብ ዚሃስዮ ሓሊፉ፤ ልዕሊኡ ዚኸይድ፤ ናይ ሓደ ቅድስና’ውን ንኻልኦት ከርብሕ ምርካቡ እዩ። ምእንት’ዚ እምበኣር፣ ነቲ ዚጠዓስ ኃጢኣተይና ኣብ ሱታፌ-ቅዱሳን ምጽጋዕ ማለት፤ ግቡእን ብቑዕን ዝኾነ ናይ ኃጢኣት ምንጻሕ ንምርካብ የኽእሎ ማለት እዩ።

 1476  ነዚ ናይ ሱታፌ ቅዱሳን መንፈሳዊ ቁምነገራት፣ “መዝገብ (ሃብቲ) ቤተክርስትያን” ኢልና ንሰምዮ። እዚ ግን “ናይ’ቲ ዅሉ ብኣማኢት ዓመታት ዝተዋሃለለ ግዙፍ ነገራት ድምር ኣይኮነን። እኳ ደኣ ብተጻዩ፤ መዝገብ (ሃብቲ) ቤተክርስትያን ኪበሃል እንከሎ፤ ነቲ ተቐዲሑ ዘይጽንቀቕ፤ መወዳእታ ዘይብሉ፤ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ፤ ክርስቶስ ዘፍረየልና መንፈሳዊ ቍምነገራት ዜስምዕ እዩ። እዚ መንፈሳዊ ነገራት’ዚ ዝተዋህበ ከኣ፣ መላእ ዓሌትሰብ ካብ ኃጢኣት ሓራ ወፂኡ፣ ምስ እግዚኣብሔር-ኣቦ ሱታፌ ንኺጭብጥ እዩ። መቤዝው ኣብ ዝኾነ ክርስቶስ ብቐንዱ፤ እቲ ናይ ቤዛውነቱ ካሕሣን ዓስብን ህልው ይኸውን፣ ብቕዓቱ’ውን ይረክብ።”87

1477 “እቲ ናይ ብፅዕት ድንግል ማርያም ጸሎታትን ሠናይ ተግባራትን እውን ከይተረፈ ኣብ’ዚ መዝገብ’ (ሃብት’ዚ) እቱው እዩ። እዚ’ውን በሓቂ ስፍሓቱ ዘይልካዕ፣ ዕምቈቱ ዘይብጻሕ፤ ብቍምነገርነቱ ድማ ወትሩ ሓዲስን ጥንታውን ኮይኑ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዚርከብ እዩ። ከምኡ’ውን እቲ ናይ ኵሎም ቅዱሳን ጸሎታትን ሠናይ ተግባራትን፣ ኣብዚ መዝገብ’ዚ ክቱት እዩ። እዚኣቶም፣ እቶም ኣሰር ክርስቶስ ጐይታና ተኸቲሎም፤ ብጸጋኡ ኣቢሎም፤ ሕይወቶም ዝቐደሱን፤ እግዚኣብሔር-ኣቦ ሕድሪ ንዝሃቦም ተልእኮ ሒዞም ዝተንቀሳቐሱን እዮም። በዚ ኣገባብ’ዚ እምበኣር፣ ገዛእ ድኅነቶም ይጭብጡ፥ ምስኡ ማዕረ ማዕረ ድማ፤ ብሓድነት ምሥጢራዊ ኣካል-ክርስቶስ ኣኅዋቶም ንዝኾኑ ኵሎም ኣብ ድኅነቶም ኪተሓባበሩ ይረኣዩ”።88

 

ስሬት ኃጢኣት ብቤተክርስትያን፤ ካብ እግዚኣብሔር ይወሃበና፣

1478 ስሬተ-ኃጢኣት ኪርከብ ዚከኣል ብቤተክርስትያን ኣቢልካ እዩ። ናይ’ቲ ብሰንኪ ኃጢኣት ዚስዕብ ግዜያዊ (ምድራዊ) ቅጽዓት ምሕረት፤ ካብ’ቲ ኣቦ- ምሕረት (ኣምላኽ) ንምርካብ፤ ብኽርስቶስ ኢየሱስ ኣብ ዝተዋህባ ናይ ምእሳርን ምፍታሕን ሥልጣን ተመርኵሳ፤ ቤተክርስትያን ምእንቲ ረብሓ ክርስትያን ምእመናን፣ ነቲ ናይ ክርስቶስን ቅዱሳኑን መዝገብ ትሩፋት ክትከፍተሎም ትርከብ። ምእንት’ዚ ከኣ ቤተክርስትያን፣ ነዞም ክርስትያን’ዚኣቶም ትሕግዞም ጥራሕ ዘይኮነትስ፤ ንግብረ መንፈሳውነትን ንስሓን ግብረሠናያትን ትጕስጕሶም።89

1479 እቶም ዝሞቱ’ሞ፣ ኣብ መስርሕ ምንጻሕ ዚርከቡ ምእመናን’ውን ናይ’ቲ ሱታፌ-ቅዱሳን ኣባላት ስለዝኾኑ፤ ንኣኣቶም እንሕግዘሉ ሓደ መንገዲ፤ እቲ ብሰንኪ ኃጢኣቶም ዚመጽኦም ግዜያዊ ቅጽዓት ምእንቲ ኪስረዘሎም፤ ስሬት-ኃጢኣት ከምዚረኽቡ ምግባር እዩ።

79 1 ቆሮ 5፣11፤ገላ 5፣19-21፤ራእ 22፣15 ረኤ

80 ዮሓ 5፣24

81 ጳውሎስ 6ይ ሓዋርያዊ ሥርዓት ብዛዕባ ስሬት ኃጢኣት Indulg.doctrina, Norm 1.

82 ብዛዕባ ስሬት ኃጢኣት Indulg.doctrina, Norm 2፤Norm 3 ረኤ

83 ጉባኤ ትረንቶስ (1551)፣ ደንዚንገር DS 1712-1713፤(1563)፣ 1820 ረኤ

84 ኤፌ 4፣22፤ 24

85 ብዛዕባ ስሬት ኃጢኣት Indulg.doctrina, 5

86 ብዛዕባ ስሬት ኃጢኣት Indulg.doctrina, 5. ናይ ምሥጢረ-ክርስትና ክብርን ዝኽርን 437

969 981 1032

87 ብዛዕባ ስሬት ኃጢኣት Indulg.doctrina, 5

88 ብዛዕባ ስሬት ኃጢኣት Indulg.doctrina, 5

89 ብዛዕባ ስሬት ኃጢኣት Indulg.doctrina, 5 ረኤ








All the contents on this site are copyrighted ©.