2015-12-05 16:36:00

ናይ ምሕረት ዓመት


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝኣወጅዎ ናይ ምሕረት ዓመት ብወግዒ ኣብ ሮማ ዕለት 8 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም. ንኽጅመር ዝነበረ መደብ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ኣቐዲሙ ክፍጸም ክምዝገበሩ ክዝከር እንከሎ እቲ ናይ ምሕረት ዓመት ኣብ ማእከላዊት ረፓብሊክ ኣፍሪቃ ርእሰ ከተማ ባንጉይ ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ቅዱስ በሪ ብምኽፋት ብወግዒ ከምዘጀመሩን ኣብቲ ካቴድራል መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብቲ ናይ ሊጡርጊያ ስነ ስርዓት ቅዱስ በሪ ምኽፋት ምስ ናይ ባንጉይ ናይ ምስልምና ሃይማኖት መንፈሳዊ መራሕን ከምኡ ኣውን ምስ ናይ ባንጉይ ናይ ወንጌላዊት ቤተ ክርስቲያን መንፈሳዊ መራሒ ሰላምታ ከምእተለዋወጡ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣመደዮ ሎሞናኰ የዘኻኽሩ።

ቅዱስነቶ በቲ ዝፈጸምዎ ናይ ቅዱስ በሪ ምኽፋት ሊጡርጊያዊ ስነ ስርዓት ድማ ባንጕይ ናይ ዓለም መንፍሳዊት ርእሰ ከተማ ከምዝገበሩዋን ናይ ምሕረት ዓመት ኣብ መሬት ማእከላዊት ረፓብሊክ ኣፍሪቃ ከምእተኽፈተ እውን ገሊጾም ኩላትና ሰላምን ምሕረትን ዕርቅን ፍቕርን ንለምን ቢሎም ቅዱስ በሪ ከፊቶም ብናይታ ሃገር ብሔራዊ ቋንቋ ድማ ፍቕርን ሰላምን ተማሕጺኖም።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፦

እግዚኣብሔር ንሰብ ይፍውስ

ኣብታ ብናይ ውሽጢ ግርጭት ኣብ እተሳቐየትን ብዙሕ ደም ዝፈሰሰላ ሃገር ናይ ምሕረት ቅዱስ ዓመት ምኽፋት ብሓቂ ዓቢይ ትርጉም ዘለዎ እዩ። ነቲ ዝተሳቐየ መግብን ፍትሕን ሰናይ ተግባርን ክምጽወተሉ ተስፋ ኣብ ምንባር ዘሎ ስመስል ሕዝቢ ናይ እግዚኣብሔር ሓይልን ሰብ ዝፍውስን ካብቲ ዝወደቖ ዘተንስእን ሓድሽ ሕይወት ዝጽግው ናብ ሓድሽ ሕይወት ዘሰጋግር እዩ።

ናብቲ ሓድሽ ሕይወት ምስግጋር ዝከኣል ምስ እግዚኣብሔርን ብእግዚኣብሔርን ምዃኑ ምፍላጥ የድሊ፣ ንሱ ካብቲ ዝትሓጽረ ጸቢብ ትርጉም ስድራ ቤትን ናይ ስጋ ዝምድና ዝብል ኣመለኻኽታ ናጻ ብምውጻእ ናብታ ንኹሉ ክፍቲ ዝዀነትን ብፍላይ ነቶም ኣብ ሕሱም ድኽነት ንዝርከቡ ዜጋታት ፍሉይ ቆላሕታ ናብ እትገብር ቤተ ክርስቲያን ናይ እግዚኣብሔር ስድራ ቤት ናብ ዝብል ርእየት የሰጋግር።

ናይቲ ደረት ዘይብሉ ምሕረት እግዚኣብሔር መሰኻኽር ኩኑ

ናይታ ናይ እግዚኣብሔር ስድራ ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን መሰረት ቅርበትን ናይ ሱታፌ መንፈስን እዩ። እዚ ድማ ናይ ቁጠባ ሕቶ ኣይኰነን እንታይ ደኣ መሰኻኽር ናይቲ ደረት ኣልቦ ዝዀነ ምሕረት እግዚኣብሔር ብምዃን ንሕዝቢ እግዚኣብሔር ነቲ ኣባኻትኵም ዘሎ ተስፋ ምኽንያት ንዝሓትኹም መልሲ ብዝህብ መንፈስ (1ጴጥ. 3,15) ኣብ ጭቡጥ ኩነታቱ ቀረባ ምዃን ማለት እዩ።

ናይ ፍጻሜ ቃል ናይ እዚኣብሔር እዩ

ፍቕሪ ንጸላኢኻ ይብሉ ቅዱስ ኣቦና ነቲ ሕነ ምፍዳይን ነቲ መወዳታ ዘይብሉ ተጻብኦነት ዝኣጉድ መንፈስ ፈተና ኣቐዲሙ ዘጠንቅቕ ምዕዶ እዩ። እግዚኣብሔር ፍቕሪ እዩ፣ ማሕበረ ክርስቲያ ነዚ እግዚኣብሔር’ዚ ክምስክሩ ዝተጸውዔ እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብቲ ዓመጽን ጽልእን ኢፍታሓውነት ስደትን ኣብ ዘለሉ ኩነትን ቦታን። ናይ ፍቕሪ ሓይሊ ኣብ ቅድሚ ዝዀነ ይኹን ኩነት ዘየንሳሕብ እዩ። ዋላ’ኳ ናይ ክፍኣት መንፈስ ብብርቱዕ ሓይሊ ይለዓል ጐይታ ኣዚዩ ዝሓየለ እዩ። ናይ ፍጻሜ ቃል ናይ ጐይታ እዩ። እቲ ናይ ፍጻሜ ቃል ድማ ፍቕሪ ዝብል ቃልን ተግባርን እዩ። እንክብሉ ነቶም ውግእን ዓመጽን ዘለዓዕሉን ዘጓሃሁሩን ለቡ ይብሉ።

ነቶም ናይዚ ዓለም ዘይፍትሓዊ ኣጽዋር ዝጥቀሙ ድማ እቲ ናይ መጋበርያ ሞት ዝዀነ ዕጥቅኹም ፈቲሕኩም ፍትሕን ፍቅርን ምሕረትን እውነተይና ወሓሲ ሰላም ተሓንገጡ ዝብል ጸዋዒት አቕርብ ቢሎም፦

ልቢ እግዚኣብሔር ይሰገው

ቅዱስ ኣቦና ኣብ መወዳእታ ንካህናትን ገዳማውያንን ደናግልን ዓለማውያን ምእመናንን ኣብ ማእከላዊት ረፓብሊክ ኣፍሪቃ ወንጌል ኣበስሩ ሓደራ ቢሎም፣ ከምታ ናይታ ሃገር ስም ማእከላዊት ዝብል፣ ኣብዛ ሃገር ጐይታ ማእከል ክኸውን ወንጌል ብቓንል ሕይወትን መስክሩ፣ ልቢ እግዚኣብሔር ስግው ግብሩ ከምዝበሉ ሎሞናኰ የዘኻኽሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.