2015-12-05 16:41:00

ቀዳማይ ስብከት ዘመነ ምጽኣት


ናይ ቅዱስ ኣቦናን ናይ ቅዱስነቶም ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ሮማዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተፈላለያ ጳጳሳዊ ኣባይቲ ምኽርን ቅድሳት ማሕበራትን ላዕልዎት ሐዋርያዊ ሓለፍቲ ብፁዓን ካርዲናላትን ሊቃነ ጳጳሳትን ሰባኬ ኣባ ራኒየሮ ካንታላሜሳ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘተኰረ ብፍላይ ድማ ኣብ ሃምነናዊ ውሳኔ ብርሃነ ኣሕዛብ ኣብ ዝብል ዘማእከለ ኣስተንትኖ ከእቕርቡ ምዃኖም እንክሕበር ዕለት 4 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም.  ቤተ ክርስቲያን ኣካልን መርዓትን ክርስቶስ እያ ኣብ ዝብል ሰነድ ኣማእኪሎም ቀዳማይ ስብከት ዘምጽኣት ከምዘቕረቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣድሪያና ማሶቲ ሓቢረን።

ቤተ ክርስቲያን ብሰንኪ ሓጢኣት መልክዓ እውን እንተተጸየቐ ስለ ፍቕሪ ክርስቶስ ምቕባላ

ኣባ ካንታላሜሳ ስብከቶም ኣብ ብርሃነ ኣሕዛብ ዝብል ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣመርኵይዞም ኣብቲ ውሳኔ ክርስቶስ ብርሃን ኣሕዛብ እዩ ዝብል ከም መእተዊ ሓሳብ ሰፊሩ ዘሎ ቃል ጠቒሶም፣ እዚ ቃል’ዚ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ነዘቕርቦ ስነ ቤተ ክርስቲያናዊ ትንተና መፍትሕ እዩ። ክርስቶስ እዩ ማእከላ። ስለዚህ ስለ ፍቕሪ ቤተ ክርስቲያን፣ ክርስቶስ ምቕባል ማለት ዘይኰነስ ስለ ፍቕሪ ክርስቶስ ቤተ ክርስቲያን ምቕባል ማለት እዩ። ዋላ’ኳ ብወከልታ መልክዓ ይጸየቕ ስለ ፍቕሪ ክርስቶስ ንቕበላ። ቤተ ክርስቲያን መን እያ እንታይ’ከ እያ? ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ከምእነንብቦ ቤተ ክርስቲያን ናይቲ ንጹሕ በጊዕ ንጽሕቲ መርዓት እያ። ክርስቶስ ዘፍቀራን ኣብ መወዳእታ ንኽቅድሳ ድማ ስሌኣ ገዛእ ርእሱ ዘሕለፈላን እያ። ኣካለ ክርስቶስ እውን እያ።

ኣካለይ ኣካለ ክርስቶስ

ኣባ ካንታላሜሳ ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ብፁዕ ካርዲናል እንከለዉ ኣብ መንጐ ቤተ ክርስቲያንን ክርስቶስን ዘሎ ኣካላዊ ሓደኣዊ ተምሳል እንክትንትኑ ቤተ ክርስቲያን ኣካለ ክርስቶስ እያ ስለምታይ መርዓት ክርስቶስ ስለ ዝዀነት ዝበልዎ ቃል ጠቒሶም እዚ ድማ እቲ ኣብ መንጐ ሰብኣይን ሰበይትን ብምስጢረ ተክሊል ዝጸንዕ ሓደ ኣካል ዝገብር ምትእስሳር ዝገልጽን ብፍላይ ዝጸንዕ ድማ ኣብ ሱታፌ ቅዱስ ቁርባን እዩ። እቲ ዝካፈልዎ ቅዱስ ኣካል ማለት ቅዱስ ቁርባን ዘጽንዖ እዩ። ብዘይ ቤተ ክርስቲያንን ብዘይ ቅዱስ ቁርባንን ክርስቶስ ኣካል ኣይምሃለዎን፣ ኣካለ ክርስቶስ ኣብ ዓለም ኣይምሃለወን፣ እቲ ቤተ ክርስቲያን ኣካልን መርዓትን ክርስቶስ ዝብል ኣምር ንሓደ ክርስቲያን መንፍሳዊ ሕይወት ምንባርን ክወናኡን እንታይ ትርጉም ኣለዎ? ዝብል ሕቶ ኣልዒሎም እንክምልሱ፦ ቤተ ክርስቲያን ናይ ውሽጣውን ሓቀይናን ትርጉማ ኣነ ኣብ ውሽጠይ ዝኽውኖ እንተድኣ ኰይነ ኣነ ንገዛእ ርእሰይ ብሓሳብ ጥራሕ ዘይኰነስ ብግብሪ ክርስስቶስ ንገዛእ ርእሰይ ኣካሉ ንኽግብረኒ ክሳብ ዝፈቐድ ቤተ ክርሲያናዊ ክውንነት ኣሎኒ ማለት እዩ።

ኣነ ዘይኰንኩ ዝነብር ክርስቶስ እዩ ኣባይ ዝነበር

ቅዱስ ቁርባን እዩ ኣካለ ክርስቶስ። ማለት ቤተ ክርስቲያን ዝገብረ ንሱ እዩ፣ እዚ ዝኽወን ድማ ብእንቕበሎ ብምስጢረ ጥምቀትን ቅዱስ ቁርባንን እዩ። ክልተ ዓይነት ህልውና፣ ናይ ገዛእ ርእሰናን ናይ ክርስቶስን ምህላው ኣባይ ሓደ ህላዌ ይኸውን። እቲ ክልተ ዓይነት ኣነ ሓደ ኣነ ይኸውን፣ እዚ ድማ ነቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ ኣባይ ዝነብር ምናብር ኣነ ዘይኰንኩ ኣቲ ምንባር ኣባይ ክርስቶስ እዩ ዝበሎ ሓቂ ንኽንብል የብቅዓና።

ኣብ ናይ ክርስቶስ ኣካል ማለት ቤተ ክርስቲያን ኣካላዊ እንኰነት

ስጋሁ ወደሙ እንከንምገብ ንኽርስቶስ ንቕበል፣ ክርስቶስ ድማ ኣካልና ይቕበል፣ ስለዚህ ድማ ናይ ክርስቶስ ዘይኰነ ሕይወት እንተዘይኰይኑ ካልእ ዓይነት ሕይወት ኣባይ ጠሪሹ የሎን ማለት እዩ። ኢየሱስ ይጠምየካን ይጸምኣካን ከምቲ ንስኻ ንኣይ ኣትምገበኒ ኣነ ድማ ብኣኻ ብስጋኻን ብደምካን ብዕለታዊ መነባብሮኻን ክነብር እደሊ ኣሎኹ፣ እዚ እማኔ’ዚ ምስጢረ ጥምቀት ንዝተቐበለ ጻውዒትን ሕቶን ድማ እዩ። ንውፉይ ሕይወት ኣባላትን ካህናት ድማ ዓቢይ ሕቶ እዩ። ስለዚህ ብናይ ኣካለ ክርስቶስ ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን ምልጋጽን ስጋኣ ምሕራድን ክፍጸም እንከሎ ዘርዕድን ዘሰንብድን ጸያፍ ተግባር እዩ። እዚ ምስትውዓል ይግባእ።

ዓቢይ ኣገዳስነት ግላዊ ርክብ ምስ ክርስቶስ

ኣባ ካንታላሜሳ ኣብ ዘቕረብዎ ናይ ሱባኤ ኣስተንትኖ እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ደጋጊሞም ብዘይ ምቁራጽ ግላዊ ርክብ ምስ ኢየሱስ ምድላይን ምጽናዕን ዝብልዎ ቃል ኣገዳሲ ምስ ኢየሱስ ዝጸንዕ ግላዊ ርክብ ዝብል ኣሞርኵይዞም በቢ ዕለቱ እቲ ዓይነት ርክብ ምድላይን እቲ ዝጸንዕ ርክብ ምሕዳስን፣ ናብቲ ናይ ቀዳሞት ክርስቲያን ናይ እምነት ተመክሮ ምልስ ቢልካ ምሕሳብ ብዙሕ ጊዜ ነቲ ርክብ ከም ልሙድ ካብ ምሕሳብ የድሕን፣ ሎሚ ክርስትና ናብ ዘይክርስትና ክልወጥ ይርአይ ኣሎ፣ ስለዚ እዩ ድማ ኣገዳስነት ዳግማይ ኣስፍሆተ ወንጌል ወይ ድማ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝግለጽ፣ ኢየሱስ ከም ኣካል ምሳኡ ምዝታይን ምዝራብን ጭቡጥ ህላዌ ምዃኑ ንክስትውዓል መታን። ብሱል ክርስትና ድማ ንሱ እዩ።

ቅድም ዝዀነ ይዅን ዓይነት ውሳኔ ምውሳድ ምጽላይ

ነቶም ብዙሓት ክርስትናኦም ብስምን ካብ ቤተ ክርስቲያንን ወጻእን ብዘይ ሱታፌ ኣብ ቅዱሳት ምስጢራት ንዝነብሩ ማሕበረ ክርስቲያን እንታይ ምግባር የድሊ። ነዚ መልሱ ድማ እቶም ድሕሪ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብፍቓድ ቤተ ክርስቲያን ዝቖሙ መንፍሳውያን ማሕበራትን ምንቅስቃሳትን መልሲ እያቶም፣ ምስ ክርስቶስ ምርኻብ ማለት ምስቲ ውሩይ ዘይኰነ ሰብ ኢየሱስ ምርኻብ ማለት እዩ። ዝዝረበሉ ሰብ ዘይኰነስ እትርኸቦን መልሲ ናይቲ ሕቶን እዩ። ምስኡ ምዝራብ ዝከኣል እዩ። ስለምታይ ዝተንስኤን ህያውን እዩ። እዚ ማለት ድማ ዝዀነ ይዅን ዓይነት ውሳኔ ምስኡ ብዘይ ምዝታይን ምምኽኻርን ዘይምውሳድ ማለት እዩ ቢሎም ከምቲ ኣብ መእተዊ ኣዚ ኣስተንትኖ ዝበልክዎዎ ይብሉ ኣባ ካንታላሜሳ ክርስቶስ ስለ ፍቕሪ ቤተ ክርስቲያን እትቕበሎ ዘይኰነስ ስለ ፍቕሪ ክርስቶስ ኢና ቤተ ክርስቲያን እንቕበላ፣ እቲ ንቤተ ክርስቲያን ከነወፍየላ እንኽእል ኣገልግሎት ድማ ክርስቶስ ምፍቓርን ምስኡ ብውሳጣዊ ርክብ ምዕባይን እዩ እንክብሉ ዝለገስዎ ቀዳማይ ኣስተንትኖ ዘምጽኣት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.