2015-12-03 16:51:00

ስልጣናዊ ምዕዳን ቅዱስ ኣቦና ንኣባላት ውፉይ ሕይወት


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ዕለት 28 ሕዳር 2015 ዓ.ም. ካምፓላ ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ንኣባላት ውፉይ ሕይወትን መንፈሳዊ ማሕበር ኣባላት ተመሃሮ ዘርአ ክህነትን ተቐቢሎም፦ ጽንዓት ኣብ ተኣማንነት ማለት ሕብእብእ ዘይብሉ ምስሉይ ላንጋ ላንጋ ዝብል ማንታ ሕይወት ዘይምንባርን ንሓጢኣትካ ምሕረት ምልማን ማለት እዩ ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሎም ስልጣናዊ ምዕዳን ከምዝለገሱ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጃዳ ኣኵይላኒ ሓቢረን።

ንዝኽሪ ሰማእታት እሙን ምዃን

ተዘክሮን ምስክርነት ብተኣማንነትን ጸሎትን ዝብሉ ቃላት ጸዋዕታ ሓያል ሓላፍነት ዘለዎ ምዃኑ ዝነጽር ንውፉይ ሕይወት ኣባላትን ውሉደ ዘርአ ክህነት ተመሃሮ ዘርአ ክህነት ኣረዲኦም ኡጋንዳ ናይ ኣፍሪቃ ክብሪ እንክብሉ ገሊጾም ኣብቶም እምነቶም ብሰማእትነት ዝገለጹ ቅዱሳት ኣተኵይሮም ናይ ኡጋንዳ ቤተ ክርስቲያን ናይ ሰማእታት ተዘክሮን ስለ ኢየሱስ ፍቕሪ ሕይወቶም ዝሰውኡ ታርኽ ከም ናይ ርሑቕ ነበር ተዘክሮ ገይራ ክትሓስቦን ክትነብሮን ኣይግብኣን። ናይ ሰማዕታት ጸጋ ንለምን። ናይ ኡጋንዳ ቤተ ክርስቲያን ነዚ ተዘክሮ እምንቲ ንኽትከውን ብናይቶም ሰማእታት ዝኽሪ መኽሰብን ናእዳን ዘይኰነስ ናይቲ ምስክር ሰማእታት እምንቲ መስካሪት ኰይና ክትርከብ ኣለዋል።

ዋሕዲ ካህና ናብ ዘለዎ ሰበኻ ካህናት ምልኣኽ

ኣብቲ ናይቶም ቀዳማይ ኣፍሪቃዊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ጆሰፍ ኪዋንካ ዓጽም ዝዓረፈሉ ቅድስተ ማሪያም ካቴድራል ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ 1969 ዓ.ም. ከምኡ እውን ኣብ 1993 ዓ.ም. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣካይዶም ከምዝነበሩ ዘዘኻኸራ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣኵይላኒ ኣስዒበን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ካቴድራል ምስ በጽሑ ናይቲ ካቴድራል ነቶም ኣብቲ ቅዱስ ስፍራ ንዝተኣከቡ ኣባላት ውፉይ ሕይወት መስከርቲ ተዘክሮ  ደ’እምበር ኣብዓልቲ ተዘክሮ ጥራሕ ኣይትኹኑ ናይ ቅዱሳት ሱታፌ ብምስዓብ እቲ ምስክርነት ነቲ ዝተወሃበኩም ጸዋዕታ እሙናትን ቀናእተይናን ውዕዉዕ ተገዳስነት ብዝዓሰሎ ሓዋርያነት ንበርዎ፣ እሙን ምዃን ማለት ናብቲ ዋሕዲ ካህናት ናብ ዘለሉ ሰበኻ ንምግልጋል ንብፁዓን ጳጳሳት ምእዛዝ ማለት እዩ። ተኣዝዞ ከቢድ እዩ። ኰይኑ ግና ወንጌላዊ ጸዋዕታ እዩ ከምዝበሉ ሓቢረን።

ኡጋንዳ መሰል ክቡር ዋጋ

ሰበኻ ካምፓላ ብጸዋዕታ እዚዩ ሃብታም እዩ፣ ምእንቲ’ዚ ናብተን ዋሕዲ ካህናት ዘለወን ሰበኻታት ንምግልጋል ልኡኻት ምዃን ንጸዋዕታ ክህነት ዘለካ ተኣማንነት ምምስካርን ማለት እዩ። ንድኻታትን ህሙማንን ዝተናዕቁን እሙናት ምዃን ማለት እዩ፣ ኣብኦም ክርስቶስ ህያው እዩ። ጸጋ ጸዋዕታ ክህነት ብዝተሓስደሰ ናይ ተልእዀ መንፈስን ብዝተሓደሰ ምስክርነትን ነቲ እዋናኢ ዓለም ዘቕርቦ ሓደስቲ ብድሆታት ምግጣም የድሊ፣ ከምዚ እንተዘይኰይኑ ግና እቲ ጸጋ ምብኻን እዩ ዝኸውን፣ ኣብ ቤተ መዘክር ዝዕቀብ ጥራሕ ኰይኑ እዩ ዝተርፍ ከምዝበሉ ኣኵይላኒ ገሊጸን።

ላንጋላንጋን ምስሉይ ሕይወት ዘይምንባር፣ ብዘይምስልካይ ምሕረት ምልማን

ቅዱስ ኣቦና ምዕዳን ቅድሚ ምልጋሶም ኣብቲ ካቴድራል ናይ እንቋዕ ደሓን መጻኡኩም መልእኽቲ ዘስምዑ ንናይ ካምፓላ ሰበኻ ናይ ውፉይ ሕይወት ሕንጸት ሓለቓ ብፁዕ ኣቡነ ጆን ባፕቲስት ካግዋ፦ ሰበኻ ካምፓላ 1500 ካህናት ከምዘለውዎን ካልኦት ሸውዓተ ሺሕ ድማ ኣብ ኡጋንዳ ናይ ውፉይ ሕይወት ማሕበር ኣባላት ኣብ መዳይ ክንክን ጥዕናን ሕንጸትን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ማሕበራውን መዳይ ተዋፊሮም ዘገልግሉ ማዃኖም ዝገለጽዎ ሓሳብ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ስለገስዎ ምዕዳን ጠቒሶም እዚ ሃብቲ ጸዋዕታ ንቕድስና ክውዕልን፣ ኣብዚ ናይ ምጽኣትን ዓመት ምሕረትን ዋዜማን ከምኡ እውን ኣብ ዓመት ውፉይ ሕይወት ጸላያን ኩኑ ብዙሕ ስራሕ ኣሎኒ እናተባህለ ጸሎት ምንካይን ወይ ከኣ ዘይምጽላይ ዝነብር ካህን ክህሉ ኣይግባእን። እንተሎ ድማ ኣብ ኡጋንዳ ተዘክሮን ሰማዕታት ተኣማንነትን ይጐድል ኣሎ ማለት እዩ ከምዝበሉ ኣኵኡላኒ ገሊጸን።

ጸሎት ማለት ትሕትና ማለት እዩ፣ ኣግባብ ብዝለዎ መገዲ ኣብ ምስጢረ ንስሓ ብትሕትና ምስታፍ ብኽልተ ኣእጋርካ ምሕንካስ ኣይከኣልን፣ ሓደ ካህን ሓንቲ ድንግል ላንጋ ላንጋ ሕይወት ምንባር ኣይክእል ኣይትኽእል፣ ሓጢኣተይና ምሕረት ይለምን፣ እግዚኣብሔር ዘይደልዮ ሕይወት ሓቢእኩም ኣይትንበሩ፣ ዘይተኣማንነት ኣብ ውሽጥኹም ሓቢእኩም ኣይትንበሩ፣ ተዘክሮ ሰማዕታት ኣብ ሳጹን ኣይትሕብእዎ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም ሰላም ዝተሓርማ ሃገራት ብፍላይ ድማ እታ ቀረባ ሃገር ዝዀነት ብሩንዲ ዘኪሮም እግዚኣብሔር ኣብ ልቢ መራሕትን ሕዝብታትን ድላይ ሰላምን ምትሕብባርን ዕርቅን የሕድር እንክብሉ ዝለገስዎ ስልጣናዊ ምዕዳን ከምዘጠቓለሉ ኣኵይላኒ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.