2015-12-01 16:25:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ሓደራ ስኡናት ከይርስዑ፣ ክርስቶስ ኣብቶም ዝሳቐዩ ህልው እዩ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 27 ሕዳር 2015 ዓ.ም. ነቲ ኣብ ኬንያ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ዛዚሞም ናብ ሃገረ ኡጋንዳ ነቒሎም ብናይ ኡጋንዳ ሰዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት ሓሙሽተን 15 ደቒቓን ኣብ ኢንተበ ኣብ ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ መዕርፎ ነፈርቲ በጺሖም ብርእሰ ብሔር ዮዎሪ ሞሰቪኒን ክብርቲ በዓልቲ ቤቶምን ብናይ ኡጋንዳ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳትን በሸሓት ዝቑጸሩ ምእመናንን ሕዝብን ኣቀባብላ ተገይርሎም ናይ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ኡጋንዳን ሃገራዊ መዝሙራት ምስ ተሰምዔ ቅዱስ ኣቦና ንኽብሪ ናይታ ሃገር ርእሰ ብሔርን ሕዝብን ናብ ቤተ መንግስቲ ኣምሪሖም ኣብ ቤተ መንግስቲ ንናይታ ሃገር ላዕለዎት ናይ መንግስቲ ኣካላትን ኣብ ኡጋንዳ ንዝርከቡ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታትን ድሕሪ ናይ ርእሰ ብሔር ሞሰቪኒ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፦

ኡጋንዳ ኣብዚ እዋን’ዚ መበል ዝኽሪ 50 ዓመት ምእዋጅ ቅድስና ሰማዕታት ኡጋንዳ ኣብ እተብዕለሉ ዘላ እዋን ዘካይድዎ ዘለዉ ሓዋርያዊ ዑደት ምዃኑ ገሊጾም፣ እቶም ናይ ደም ሰማዕትነት ዝተቐበሉ ናይ ካቶሊካዊትን ኣንግሊካዊትን ቤተ ክርስቲያን ምእመናን ጀጋኑ ሃገር እንክብሉ ሰምዮም በቲ ዝኸፈልዎ ሰማእትነት ናይ እምነትን ግብረ ገብን ዝነብር ሕይወትን ንናይ ሓባር ጥቅሚ ኣገልግሎትን ዝሃብዎ ምስክርነት ሎሚ እውን ኣብ ሃገረ ኡጋንዳ ባህልን ኤኮኖምን ፖለቲካን ሕይወት ህልው ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ። ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሰዓብቲ እውን እንተዀንና ይብሉ ቅዱስ ኣቦና፦ ንድልያ ሓቅን ፍትሒ ንምሕናጽን ዕርቅን ምክብባርን ንምርግጋጽ ከም ሓንቲ ስድራ ቤት ሕድ ሕድ ምድግጋፍን ምትሕስሳብን ክንነብር ዝተጸዋዕና ኢና ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቸንቶፋንቲ ሓቢሮም።

እቶም ዓበይቲ ክቡራት ዋጋታት ነቶም ግልጽነት ብዝዓሰሎ ምሕደራን ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየትን ናይ ኵሉ ኣብ ማሕበራዊ ሕይወት ተሳታፍነትን ብዝብሉ መምዘንታት መሰረት ኵሉ ናይቲ እግዚኣብሔር ብሓልዮቱ ዝዓደሎ ናይ ተፈጥሮን ሰብኣውን ሃብቲ ተጠቃምነት ዝብል ክብሩ ውሕስነት ነኸልብሱ ሓላፍነት ዘለዎም ኣካላት ኣብ ግብሪ ነኸውዕሉዎ ትሑዛት እያቶም። ዓለም ኣፍሪቃ ናይ ተስፋ ክፍሊ ዓለም ቢሉ ይሰምያ፣ ኡጋንዳ ብሓቂ እግዚኣብሔር ብህዝባን ስድራ ቤትን ብመንእስያታን ብዕድመ ብዝደፍኡን ብሓፈሻኡ ብመላእ ዜጋታታ ኣቢሉ ባሪኽዋን እዩ። ከምዚ ብምዃኑ ድማ እቲ እግዚኣብሔር ዝዓደላ ሃብቲ ብግቡእ ብምክንኻንን ብምዕቃብን ንኸተማሕድሩ ዝተጸዋዕኩም ኢኻትኩም ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ቸንቶፋንቲ ኣተሓሒዞም ንመንእሰይ ወለዶ ግቡእ ሕንጸት፣ ግቡእ ስራሕን ፍትሓዊ ደሞዝን ናይ ምርካብ መሰል ክሕለወሉን ብፍላይ ድማ ኣብ ማሕበራዊ ሕይወት ንቑሕን ምሉእ ሱታፌን ሕዝቢ ውሑስ ክኸውን ኣለዎ ከምዝበሉ ገሊጾም።

ብዕድመ ዝደፍኡ ዜጋታት ሃገር ቡራኬ እያቶም፣ ናይ ሕዝቢ ተዘክሮ እውን እያቶም፣ እቲ ዘለዎም ጥበብ ቡሶላ እዩ፣ ምእንቲ’ዚ እቲ ዘለዎም ክብሪ ክሕለው ኣተሓሳሲቦም ኡጋንዳ ስደተይናታትን ተመዛበልትን እተእንግድ ሃገር እያ ኣብዚ መዳይ ስለ ኣትህቦ ኣገልግሎት ኣመስጊኖም፣ እንነብረሉ ዓለም በቲ ተጠቂምካ ምድርባይ ዝብል መንፈሳውያን ክቡራት ዋጋታት ብዘድክምን ልቢ ሰብ ብዘንቅጽ ድኻታት ብዝዝንግዕ ናይ መንእሰይ ወለዶ ተስፋ ብዝሰርቕ ባህሊ ምህላዉ ድማ ገሊጾም ምትሕብባርን ምድግጋፍን ክሰፍሕ ሓደራ ከምዝበሉ ቸንቶፋንቲ ገሊጾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.