2015-12-01 16:36:00

ምዕዳን ቅዱስ ኣቦና ንመንእሰያት ኡጋንዳ


ቅዱስ ኣቦና ካፓላ ኣብ ዝርከብ ነበር ምዕርፎ ነፈርቲ ኣደባባይ ምስ ናይ ኡጋንዳ መንእሰያት ዕለት 28 ሕዳር 2015 ዓ.ም. ተራኺቦም ናይ ኡጋንዳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ዓለማውያን ምእመናን ሓልዮ ድርገት ኣቦ መንበር ፖውል ሰሞገረረ ናይ እንቋንዕ ደሓን መጻእኩም ቃልን ከምኡ እውን ናይ ክልተ መንእሰያት ቃል ምስክርነት ምስ ተሰምዔ መሪሕ ቃል ከምዝለገሱ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ገሊጾም።

ቅዱስ ኣቦና እታ ገና ካብ ምውላዳ ብሕማም ኤይድስ ዝተጠቕዔትን ሓደ መንእሰይ በቲ ኣብ ኡጋንዳ ዝርከብ ናይ ጐይታ ሰራዊት ቢሉ ገዛእ ርእሱ ዝሰመየ ዕጡቓት ሓይሊ ተጨውዩ ሕጻን ወትሃደር ኰይኑ ዘገልገለን ካብቲ ባርነት ናጻ ዝወጸ መንእሰይን ኣብ ዝሃብዎ ምስርክነት ኣሞርኵይዞም ኣብ ዝለገስዎ ምዕዳን፦

ኢየሱስ መናድቕ ናብ ራእይ ዝልወጥ እዩ

ናይቶም መንእሰያት ምስክርነት እናጠቐሱ እቲ ኣሉታዊ ተመክሮ ኢየሱስ ናብ ሓድሽ ራእይ ይልወጦ። ብሓይሊ ኢየሱስ ሕይወት ከምዝልወጥ ናይቶም መንእስያት ምስክርነት ተኣምራዊ ኣብነት እዩ።

መንእሰያት ኡጋንዳ እቲ መንፈስ ጽልእ ናብ ፍቕሪ ለወጡ

ብኢየሱስ ምእማን ሓደጋ ክኸውን ዝከኣል እዩ፣ ኰይኑ ግና እቲ ዘድሕነና እቲ ኣብ ኢየሱስ ዘሎና እምነት እዩ፣ ሕይወትና ልክዕ ከም ሓደ ዘርኢ እዩ፣ ንምንባር ምሟት፣ ስጋዊ ሞት ዘጋጥም እውን እንተዀነ ነቲ ሞት ናብ ሞት ሰማዕትነት ዝቐየሩ ናይ ኡጋንዳ ሰማዕታት ኣብነት ንመልከት፣ ኣሉታዊ ተመክሮ ናብ እወታዊ ተመክሮ ንምልዋጥ ምስ እንኽእል በዓል ዓወት ንኸውን፣ እዚ ብጸጋ ኢየሱስ ዝከኣል እዩ።

ውግእ ናብ ሰላም። ደቂ ሰማዕታት ሃገር ኢኻትኩም፣ እዚ ዘለኵም ምዃን ኣስተውዕልዎ፣ እዚ ዘልኩም ዕድል ናይ ኣፍሪካ ክቡር ሕይወት እዩ፣ ኢየሱስ ንመናድቕ ናብ ራእይ ቀይርዎ እዩ፣ ጸገማት ምስጋርን ኣሉታዊ ናብ እወታዊ ንምቕያር ምጽላይ።

ካብ ምጽላይ ኣይትብኰሩ፣ መዓጹ ልባትኩም ኣርህዉ፣ ኢየሱስ ንኽኣቱ ፍቐድሉ፣ ንሱ ኣብ እነካይዶ ቃልሲ ኩሉ ክድግፈናን ጸግዕን ሓይልን ክዀነልና እዩ፣ ንሱ ኣብ ሕይወትና ምስ ዝኣትው ኩሉ ምጻር ዝከኣለና ንኸውን። ኣብ ቤተ ክርስቲያን ውሽጢ ኢና፣ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ድማ ኩላትና ደቂ ሓንቲ ኣደ ኢና ንሳ ድማ ቅድስቲ ድንግል ማርያም እያ እንክብሉ ዝለገስዎ ምዕዳን ከምዘጠቓለሉ ጂሶቲ ሓቢሮም።

 








All the contents on this site are copyrighted ©.