2015-11-28 15:48:00

ኬንያ፦ ምዕዳን ቅዱስ ኣቦና ንመንእሰይ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ኬንያ ሓዋርያዊ ዑደቶም ዛዚሞም ንተመሳሳሊ ምብጻሕ ናብ ኡጋንዳ ቅድሚ ምንቃሎም ናይሮቢ ኣብ ዝርከብ ኣትለቲካዊ ግጥም ዝካይደሉ ካሳራኒ እተሰምየ ሜዳ ምስ ናይ ኬንያ መንእሰያት ተራኺቦም ምዕዳን ከምዝለገሱ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ገሊጾም ቅዱስ ኣቦና ናብቲ ሜዳ ምስ ኣተዉ መንእሰያት ዝገበሩሎም ኣቀባብላ ብመዛሙራትን ሸብሸባን ዝደመቐ ምንባሩ ኣመልኪቶም ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ናይ ኬንያ ርእሰ ብሔር ከንያታን ክብርቲ በዓልቲ ቤቶምን ናይ ኬንያ ሃይማኖት ምስልምና ሰዓብቲ መንፈሳዊ መራሕትን ናይ ካልኦት ሃይማኖታትን ኣቢያተ ክርስቲያን መንፈሳውያን መራሕቲ ከምእተረኽቡ ገሊጾም።

ሕቶ መንእሰይ

ክልተ መንእሰያት ናብቲ ዘረባ ናይ መስምዒ ምዱብ ቦታ ደይቦም ሰብኣዊ ኣቑሳልን ናይ ኬንያ ጽንኩር ኩነትን ዝትንክፍ ምግባረ ብልሽውናን ዓሌታውነትን ኣኽራርነት ዘካይዶ ኣስዳዒ ጐስጓስ ኣማእኪሎም ብዘቕረብዎ ምስክርነት ነቲ ዝረአይ ዝነበረ በዓላዊ ሃዋሁ ናብ ጥልቂ ጽሞና ቀየሮ፣ እቶም መንእሰያት ቅዱስ ኣቦና ካብቲ ናይ ሰብኣውን ማሕበራውን ኣቝሳል ንምሕዋይ እንታይ ትምዕዱና እንክብሉ ነዘቕረብሎም ሕቶ ቅዱስ ኣቦና እንክምልሱ፦

ዓሌታውነት ከም ፈሓሪቶ እዩ

ቅዱስ ኣቦና ከስምዕዎ ብቛንቋ ስፐይን ኣዳልዮምዎ ንዝነበረ መልእኽቲ ኣሊዮም፣ ሓደ ብሓደ ነቲ በቶም መንእሰያት ዝቐረበ ሕቶ እናመልከቱ ብብርታዔ ዓሚይቕ ከምቲ ልሙድ በቲ ፍሉይ ናይ ኣገላልጻ ክእለቶም ኣቢሎም ዝልግስዎ ምዕዳን ብምቕራብ፦ ዓሌታውነት ኣብ ልዕሊ ካልእ እምኒ ምድርባይ ማለት እዩ፣ ነዚ ዝስዕር ግና እቲ ካባኻ ዝተፈልየ ንምጉዳእ እምኒ እትድርብየላ ኢድካ ሰላምታ ንምልውዋጥ ምጥቃም እዩ። ኢድካ ኣክንዲ ንእምኒ ምድርባይ ንሰላምታ።

ዘይዓሌታውነት ብልብኻ ጽን ብምባልን ኢድካ ምብሃብን እዩ፣ ሰማዒ እዚኒ ብምሃብ እቲ ካባኻ ዝተፈልየ ባህሉን ዓሌቱን ልማዳት ባህሉን ሓቲትካ ልብኻ ከፊትካ እቲ ዝብለካ ጽን ምባል፣ ድሕሪ ምስማዕ፣ ልብኻ ምኽፋትን ኢድካ ንሰላም ምቕራብን፣ ምዝታይን” እንተድኣ ዘይትዝትዩ ኰይንኩም ኣይክትሰምዑን ኢኻትኩም፣ እዚ ዓይነት ዘተ ምስ ዘይህሉ ድማ ልክዕ ከም ፈሓሪቶ ዓሌታውነት ኣብ ሕብረተሰብ ወትሩ ይህሉ።

ጣዕሚ ምግባረ ብልሽውና

ምግባረ ብልሽውናን ብላዕን ብተደጋጋሚ ቅዱስ ኣቦና ዓቢይ ንማሕበርሰብ ዘሳቕይ ቁስሊ ከምዝዀነ ብምግላጽ፣ ወትሩ ብትረት ዘውግዝዎ ተግባር እዩ፣ ስለዚህ መንእሰይ ወለዶ ካብዚ መንሽሮ’ዚ ቅድም ቢሉ ክሕለው እንክምዕዱ፣ ቅድም ቀዳድም ኣብ ምግባረ ብልሽውና ዝተኣልከ ሰብ ቅሳነት ዘይብሉን ኣብ ሰላም ዘይነብር ምዃኑ ምስትውዓል።

እዚ ድማ ኣብ ኩሉ መዳይ እዩ። ኣብ ፖለቲካን ናይ መንግስቲ ተቛማትን፣ ኣብ ቫቲካን እውን ዝምልከት እዩ፣ ከም እተፈልጥዎ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ዝረአይ ዘሎ ጉዳይ እዩ። ስለዚህ ምግባረ ብልሽውና ልክዕ ከም መቐረት ኰይኑ እዩ ኣብ ውሽጥኻ ዝኣትው እዩ፣ ሓንሳብ እቲ ምቐረት ኣብ ውሽጥካ ምስ ኣተወ ድማ ጥዑም ጥዑም ስለ ዝጥዕመካ ትስዕቦ፣ ኣብኡ ድማ ትጥሕል፣ መወዳእትኡ ግና መሪር እዩ።  ፍጻሜና ድማ ዝኸፍኤ ይኸውን፣ ናብ ሕማም ሽኰርያ እዩ ዝብጽሕ፣ ንመላእ ሃገር ዝለክፍ ሕማም ሽኰርያ። በቢ እዋኑ ብላዕ ምስ እትቕበል ልብኻን ሰብኣውነትካን ሃገርናን ይዓንው፣ ብላዕን ምግባረ ብልሽውና መገዲ ሕይወት ዘይኰነ ጐደና ሞት እዩ።

ሕንጸትን ስራሕን ጸረ ኣኽራርነት

ምርኻብ ብቓልን ግብርን ፍሽኽታን ነቲ ኣብ ሕሰምን ጽንኵር ድኽነትን ዝርከብ ምርኻብ ማለት እዩ፣ እዚ ናይ ምርኻብ ተግባር’ዚ ካብ መራኸቢ ብዙሃን ንላዕሊ ማርኽን ተምሓላላፍን ንኹሉ ዘነቓቕሕን እዩ። ምእንቲ’ዚ ነቶም ብዝተፈላለዩ ጉጅለ ኣሸበርትን መኽረርትን ዝማረኹን ናብ ቀታሊ ምዃን ዝቕየሩ እናሓሰቡ ድማ፦ ካብ ምርኰ ኣኽራርነት ኣሸባርነትን ንምድሓን ሕንጸት እቲ ቀዳማይ መጋበርያ እዩ፣ ሕንጸት ኣብ ዝጐድለሉ ስግኣትን ሓደጋን የጓንፍ፣ ኣዚ ድማ ካባናን ካብ ሃገርን ንላዕሊ ዝዀነ ማሕበራዊ ስግኣት እዩ። ስለምንታይ ዓለም ሓቆፋዊ ሜላ ብምዃኑ፣ ዘይቅኑዕን ኢፍትሓውን ሜላ ድማ እዩ፣ ስለምታይን ሰብ ዘይኰነ ኤኮኖምን ሃብቲ ገንዘብን ህርፋን ገንዘብን ዘማእከለ ሜላ ስለ ዝዀነ። ሰብ ዘየማእክል ኩሉ ጐዳኢ እዩ።

ውድቀትን ትንሳኤን

እግዚኣብሔር ኣቦና ምዃኑ ብኸመይ ንፈልጥ፣ እቲ ኣብ Haደጋ ሕይወት ዝርከብ ሰብ ነዚ ብኸመይ ከስተውዕሎ ይኽእል? ንዝብል ሕቶ ቅዱስ ኣቦና ተስፋ ከይቆረጹ መታን ኣብ ጁባኦም መቝጸርያn እታ ውድቀት እግዚኣብሔር እተመልክት ናይ ፍኖተ መስቀል ንእሽተይ መጽሓፍ ሒዞም ከምዝጓዓዙ ከም ኣብነት ገይሮም እንክምልሱ፦ ንወልደ ኣብ ንጠምት፣ እግዚኣብሔር ንዅላትና ከድሕን ቢሉ ኣሕሊፉ ሃቦ። እግዚኣብሔር ብገዛእ ርእሱ ዘሕዝን ፍጻሜ ኰነ፣ እግዚኣብሔር ኣብ መስቀል ክስዋእ ሓደጐ፣ ኩሉ ክጽልምተኩም እንከሎን ኣብ ተስፋ ቁርጻት ምስ እትርከቡ፣ ኩሉ ኣብ ልዕሌኻ ዝወድቀካ ኰይኑ ምስ ዝስምዓካ ኣብኡ እቲ ምውዳቕ እግዚኣብሔር ኣሎ፣ ናይ እግዚኣብሔር ትሕት ምባል ኣሎ፣ ኣብኡ ድማ ናይ እምነትና ብድሆ ኣሎ፣ ተስፋ። ስለምታይ ታሪኽ ኣብ ውድቀት ኣይተዛዘመን፣ ኵሉ ነገር ዝሓደሰን ዝሕድስን ትንሳኤ ኣሎ።

ሰናይ ዘይተገበረልኩም ኣውን እንተዀነ ሰናይ ግበሩ

ካልአይቲ ሕቶ ድማ ኣብ ኣባይቲ ስድራ ጠሪሾም ፍቕሪ ዘየስተማቐሩ ዝምልከት ኽኸውን እንከሎ፣ ቅዱስ ኣቦና ነዚ ሕቶ እንክምልክሱ፣ እቲ ዘይተገበረልኩም ንኻልኦት ምግባር፣ እዚ እንታይ ማለት እዩ። ሰናይ ዘይተገበረልካ ክነስኻ ሰናይ ምግባር ማለት እዩ፣ ስድራ ቤት ተኸላኸሉ፣ ብዘይ ምቍራጽ ወትሩ ተኸላኸሉ። ኣብ ኩሉ ኵርናዕ ዝተሓድጉ ሕጻናት ኣለዉ፣ ዝተሓድጉ ኣረጋውያን እውን ኣለዉ፣ ሓደ በጻሒ ዘይብሎም ኣብ ገዛእ ርእሶም ዝተሓድጉ። ፍቅርን ድንጋጸን ዘይረኽበ እዩ ነቲ ካልእ ብዑምቀት ክርዳእ ዝኽእል። ፍቕሪ ዘይተቐበልኩም ዲኹም እወ ኣፍቅሩ፣ ናይ ብሕታውነት ስቓይ ዝጥዓምኩም ዲኹም ነቶም ኣብ ብሕታውነት ንዝርከቡ ቀረባ ኩኑ፣ እግዚኣብሔር ስጋና ከሕውይ ስጋ ለበሰ፣ ስጋ ልበሱ፣ ኣንሕና እውን ምስ ካልኦትን ንኻልኦትን ከምኡ ንኹን። ኣቲ ሓደ ጕድለት እግዚኣብሔር ድማ ኣቦ ምዃኑ ዘይምቍራጽ እዩ እንክብሉ ዝለገስዎ ምዕዳን ከምዘጠቓለሉ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.