2015-11-28 15:54:00

ምዕዳን ቅዱስ ኣቦና ንኣባላት ውፉይ ሕይወት


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ናይሮቢ ኣብ ዝርከብ ቅድስተ ማርያም ቤት ትምህርቲ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣብ ኬንያ ንዝርከቡ ንውሉደ ክህነትን ገዳማውያንን ኣባላት መንፈሳዊ ማሕበራትን ተቐቢሎም ንህርፋንን ንውልቃዊ ድላይን እሚትካ ኢየሱስ ዘይምኽታል፣ ናብ ተኸታልነት ክርስቶስ ሕይወት ዝእተው ብማዕጾ ድኣ እምበር ብመስኰት ኣይኰነን ዝብል ቅውሙ ሓሳብ ዘማእከለ ምዕዳን ድሕሪ ብናይ ኬንያ ናይ ብፅዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ውሉደ ክህነትን ገዳማውያን ኣባላት መንፈሳዊ ማሕበራትን ሓልዮ ድርገት ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ኣንቶኒ ኢረሪ ሙኮቦ ዝቐረበሎም ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ኣስዒቦም ከምዝለገሱ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ሓቢሮም።

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዝለገስዎ ምዕዳን ናብ ውፉይ ሕይወት ብማዕጾ ደኣ እምበር ብመስኰት ኣይእተወን፣ እቲ ማዕጾ ድማ ክርስቶስ እዩ፣ ንሱ እዩ ዝጸውዕ፣ ንሱ እዩ ዝዓዪ፣ ገሊኣቶም ብመስኰት ክኣትዉ ዝፍትኑ ኣለዉ፣ በጃኻትኩም እዚ ዓይነት ምእታው ኣይንስዓብ ቢሎም፣ መሳንይቲ ወይ ድማ መሳነይ ዘለዎን ዘለዋን ዝተዛምዱ ክነሶም ኣብ ውፉይ ሕይወት ዝነብሩ እትፈልጥዎ እንተድኣ ኣለዉ በጃኻትኩም ገዳማዊ ሕይወት ክሓድጉ መዓድዎም፣ ብሱቕታ ኣይትርኣይዎም፣ ስለምታይ እቲ ናይ ኢየሱስ ተግባር ብማዕጾ ከይተኣትወ ኣብ ፍጻሜ ንምብጻሕ ስለ ዘይክአል።

ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንናይ ውልቃዊ ህርፋን ባይታ የልቦን

ውፉይ ሕይወት ናይ ሕሩያት ደኣ እምበር ናይ ብሉጻት ሕይወት ማለት ኣይኰነን፣ ገሊኣቶም እግዚኣብሔር ኣብ ውፉይ ሕይወት ከምዝጸወዖም ዘይፈልጡ እውን እንተዀኑ እግዚኣብሔር ንውፉይ ሕይወት ከምዝጸውዖም ዝፈልጡ እያቶም። ንሱ ስለምታይ ከምዝጸውዖም ከብርሃሎም እዩ። ብትብዓት ጥራሕ ንቕድሚት ይበሉ። ገሊያኣቶም ንናይ ውልቃዊ ረብሓኦም ኣሚቶም ንጐይታ ዝስዕቡ ኣለዉ፣ እዚ ድማ ንኢየሱስ ብናይ ገዛእ ርስኻ ህርፋን ተሳሒብካ ምስዓብ ዝብል ፈተና እዩ። ንህርፋን ገንዘብን ስልጣንን፣ ጐይትነትን፣ እዚ ድማ ዝተዘርኤ ፈተና እዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ልቢ ሰብ ዘሎ ፈተና እዩ።

ኢየሱስ ክሳብ ፍጻሜ ምስዓብ እዩ። ክሳብ ኣብ መስቀል፣ ትንሳኤና ንሱ ዝሓስቦ እዩ። ትንሳኤ ናቱ እዩ። ቤተ ክርስቲያን ትካል ወይ ድማ ዘይ መንግስታዊ ትካል ማለት ኣይኰነትን፣ ቤተ ክርስቲያን ምስጢር እያ። ምስጢር ናይቲ ንዓ ሰዓበኒ ዝብል ጥማተ ኢየሱስ እያ።

ካህን ሰብኣዊ ስምዒታት ዘለዎ እዩ

ዝነብዕን ዝሓዝንን እዩ። ኢየሱስ ምስዓብ ንገዛእ ርእስኻ ብፅዕና ምእዋጅ ማለት ኣይኰነን፣ ካባይ ጀሚርኩም ኩላትና ሓጢኣተይናታት ኢና፣ ምእንቲ’ዚ ኣብ ሕይወት ክህነት ምንባዕ ክንደይ ኣገዳሲ እዩ። ምጥዓስ።

ብጣዕሳ ምንባዕ፣ ዘይነብዕ ካህን ወይ ድንግል ወይ ገዳማዊ ዘተሓሳስብ እዩ። ስለ ዘይተኣማንነት ምንባዕ፣ ስለ ዝሳቐዩን ዝተናዕቁን ዝተነጸሉን ምንባዕ፣ ኣብ ገዛእ ርእሶም ንገዛእ ርእሶምን ስለ ዝተሓድጉ ኣረጋውያንን ሕጻናትን ምንባዕ እቲ ዘጓነፎም ጽንኩር ሕይወት ስለምታይ ዘጓነፎም ክሓቱና እንከለዉ ምንባዕ፣ ነቶም ናይ ስለምንታይ ሕቶ ዘቕርቡልና ስለምታያት ምሉእ መልሲ ዘለዎ የሎን።

ዘይነብዕ መንፈሱ ዝደርቐ እዩ

ሓደ ገና መድሃኒት ብዘይተረኽበሉ ሕማም ዝተጠቕዔ ሕጻን ኣብ ቅድመይ እንረክብ ስለ ምንታይ እዩ እቲ ሕማም ዘጋጠሞ መልሲ የብለይን፣ ነቲ ኣብ መስቀል ዘሎ ኢየሱስ ጥራሕ ካብ ምርአይ፣ ኣብ ሕይወትና ንኽነብዕ ጥራሕ ዝድርኹና ኩነታት ኣለዉ። ኢፍታሓውነት ስቓይን ጽንኩር ናይ ሕይወት ኩነታትን። ኣብዚ ኩነት ክርስቶስ ምጥማት እዩ። ክርስቶስ ዝርስዕ ኣባል ውፉይ ሕይወት ይዕንቀፍ፣ እዚ ዝኸፍኤ ሓጢኣት እዩ። ንእግዚኣብሔር ዘስካሕክሕ ተግባር እዩ። ኣይምዉቕ ኣይዝሑ ልቡጥ ምዃን፣ ክንደይ የፍርሕ።

ገለ ገለ ኣዋን ጸሎት የድክም ዘሰልችውን ድቃስ እውን ኰይኑ ክስምዓካ ዝከኣል እዩ። እቲ ምድቃስ እውን ኣብ ጐይታ ይኹን። ጸሎት ሓደራ ኣይተቋርጹ፣ ዘይጽልይ ውፉይ ሕይወት ዝነቐጸ ሕይወት እዩ ዝኸውን።

ግዜኹም ካብ ቴሌቪዥንን ካብ ድቃስን ቆጥቡ፣ ካብ ጸሎት ግና ሓደራ ግዜዅን ኣይትቖጥቡ። ካብ ሕዝቢ ዝረሓቕኹም ኣይትኹኑ። ምግልጋል ደኣ እምበር ዘይምግልጋል፣ ወትሩ ደግፉ ኣርሙን መሓሩን እንክብሉ ዝለገስዎ ምዕዳን ከምዘጠቓለሉ ጂሶቲ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.