2015-11-26 15:59:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኬንያ፦ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዝተገብረሎም ኣቀባብላ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ኬንያ ብምእታው እቲ ኣብ ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘካይድዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ከምዝጀመሩ ክግለጽ እንከሎ፣ ኣብ ኬንያ ኣብ ቤተ መንግስቲ ኣብ ዝተገበረሎም ኣቀባብላን ናይ ኬንያ ርእሰ ብሔር ኡሁሩ ኬንያታ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ዘረባ ድሕሪ ምቕራቦም ቅዱስነቶ ቀጺሎም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፦

ክቡር ርእሰ ብሔር

ክቡራት ናይ መንግስትን ብሔራትን ኣባላት

ኣሓዋት ብፁዓን ጳጳሳትን

ክቡራትን ክቡራንን

ኣብዚ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዘካይዶ ፋልማይ ሓዋርያዊ ዑደት ዝተገረለይ ምዉቕ ኣቀባብላ ብሓቂ ሕጉስ እየ፣ ክብር ርእሰ ብሔር ብስም ሕዝቢ ከንያ ስለይ ንዘስማዕክምዎ ዓበዪ ቃል አመስግን፣ ኣብ መንጐኹም ምርኻበይ ዓቢይ ሃረርታይ እዩ። ኬንያ መንእሰይን ውዕዉዕ ሓይሊ ዘለዋን ኣብ ክፍሊ ሃገራታን ከባቢታታን ዓቢይ ግደ ዘለዎ ብብዙኅነት ሃብታም ዝዀነ ማሕበረሰብ ሓቆፍ እያ። እቲ ዴሞክራሲ ቅርጺ ኣብ ምትሓዝ ዘለኵም ተመክሮ ብብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝልለይን ተኻፋልነትን ዘለዎ እዩ፣ ከም ኬንያ እተን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ድማ እቲ ኣብ ሕድ ሕዳዊ ምክብባርን ናይ ሓባር ዘተን ምትሕብባርን መሰረት ዝተነብሮ ብሓቂ ውሁድን ቅኑዕን ዘይንጽልን ህብረ ብሔራት ሓቆፍ ሕብረተሰብ ንምሕናጽ ዝዓያ እያተን።

ሃገርኩም ሃገር ምንእሰይ እያ። ኣብዘን መዓልታት እቲ ዘለዎም ተስፋታታን ትጽቢታትን ንምትብባዕ ምስ ብዙሓት መንእስያት ክራኸብን ምስኦም ክዝትን ትጽቢት ኣሎኒ፣ መንስእሰይ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሃገር እጹብ ሃብቲ እዩ። መንእሰይ ምክልኻልን ስለ መንእሰይ ሃብቲ ገንዘብ ምውፋርን ደገፍ ምቕራብን ጥበብ ዝግብኦን ናይ ሕዝቢ ሕመረት ዝዀኑ ብዕድመ ንዝደፍኡ ክቡራታ ዝዀኑ መንፈሳውያን ክብርታት ብዝበለጸ ምውሓስ ማለት እዩ።

ኬንያ ዝተባርከት ዘብላ እቲ ዘለዎ ናይ ጎቦታታን ወሓይዝን ቀላያትን ዱርን ሳቫናን ፋርቕ ምድረ በዳን ዝምልከት ዓብይ ጽባቔ ጥራሕ ዘይኰነ ሕዝባ ዘድንቖ ናይ ተፈጥሮ ማዕድናዊ ሃብትታታ እውን ዘጠቓልል እዩ። ሕዝባ ነቲ ብእግዚኣብሔር ዝተዓደላ ሃብትታታ የድንቕ እዚ ድማ እቲ ዘለዎ ናይ ምዕቃብን ምክንኻንን ባህሉ ክብሩ የብሎ። እቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ርኡይ ቅልውላው ምህዳር ኣብ መንጐ ሰብን ተፈጥሮን ዘሎ ርክብ ዓቢይ ቅድውን ፍትሕን ዝዓሰሎ ሓላፍነት ዝጠልብ እዩ። ንሕና እቲ ናይ ተፈጥሮ ጽባቔ ብምልኣት ንመጻኢ ወለዶ ናይ ምትሕልላፍ ሓላፍነት ዘሎናን ነቶም ውሁባት ጸጋታት ብቅንዕናን ፍትሕን ከነመሓድር ግብእ ሓላፍነት ኣሎና፣ እዞም ክቡራት ዋጋታት እዚኣቶም ድማ ኣብ ናይ ኣፍሪቃ መንፈስ ስሩጻት እያቶም፣ እዞም ክቡራት ዋጋታት እዚኣቶም ድማ ነቲ ናይ ሓባር ቤትና ብቐጻሊ ካብ ምክንኻን ምምዝማዝ ካብ ዝብል ዓለም መንግስታት ሓላፍነት ብዝዓሰሎ ኣብነታዊ ናይ ልምዓት ኤኮኖሚ መደባት ከነቓቕሑ ይግባእ።

ብርግጽ ኣብ መንጐ ክንክን ተፈጥሮን ምርግጋጽ ቅኑዕን ምዕሩይን ማሕበራዊ ስርዓት ምትእስሳር ከምዘሎ ንጹር እዩ፣ እቲ ምስ ተፈጥሮ ዘሎና ርክብ ምሕዳስ ብዘይ ተሓደሰ ሰብኣውነት ክህሉ ዘይክእል እዩ (ይሴባሕ ዓዋዲ መልእኽቲ,118)። ማሕበረሰብና ዓሌታዊ፣ ሃይማኖታዊ ድዩ ወይ ኤኮሚያዊ መልክዕ ዘለዎ ምግምማዕ ተምክሮኡ ክሳብ ዝገብር ሰብ ጽቡቕ ድላይ ስለ ዕርቅን ሰላምን ምሕረትን ምፍዋስ ልብን ክዓዩ ጽዉዓት እያቶም። ኣብ ምሕናጽ ጽኑዕ ስርዓት ዴሞክራስን ምሕያል ውህደትን ምሉእነትን ሕድ ሕዳዊ ምክብባርን ምትሕልላይን ጐስጓስ ናይ ሓባር ጥቕሚ ቀንደይና ሸቶ ክኸውን ኣለዎ። ዓመጽን ግጭትን ግብረ ሽበራን ካብ ድኽነትን ብስጭትን ብዝውለድ ፍርሕን እምነት ምጉዳልን ተስፋ ቁርጸትን ዝነቓቓሕ ምዃኑ ተመክሮ የረጋግጾ። እቲ ጸረ ሰላምን ምዕባለን ዝዀኑ ተጻብኦ ንምውጋድ ዝካይድ ቃልሲ በቶም ንምውላድ ሃገራት ኣስተንፍሶ ዝዀኑን ኣብ ዓበይቲ መንፈሳውን ፖለቲካውን ክብርታት ብዘይ ፍርሒ ዝኣምኑን ናይ ሕይወትን ቃልን ምስክርነት ዝህቡ ዜጋታት ንቕድሚት ክብል ኣለዎ።

ክብራትን ክቡራንን ምንቕቓሕን ምጽናዕን እቶም ክቡራት ዋጋታት ብፍላይ ናይ ፖሊቲካን ባህልን ኤኮኖምን ሕይወት ሃገርኩም ንክትመርሑ ዝተጸዋዕኹም ንኣኻትኩም ዝምልከት እዩ፣ እዚ ዓቢይ ሓላፍነት እዩ፣ ንመላእ ሕዝቢ ኬንያ ምግልጋል ዝብል ንገዛእ ርእሱ ዝኸኣለ ጸዋዕታ እዩ። ከምቲ ወንጌል ዝብሎ ብዙሕ ዝተቐበለ ብዙሕ እዩ ዝሕተት (ሉቃ. 12፣ 48)። በዚ መንጽር’ዚ ድማ ስለ ሓባራዊ ጥቕምን ኣብ ኩሉ ማሕበራዊ ደርቢ ብምልኣትን ግልጽነትን ክትዓዩ አተባብዓኩም። ብፍላይ ድማ ስለ ኣቶም ኣብ ሕሱም ድኽነት ዝርከቡን ስለ ናይ መንእሰያት ኣስተንፍሶን እቲ ፈጣሪ ንዝባረኻ ሃገርኩም ዝዓደሎ ናይ ሰብኣውያንን ተፈጥሮን ሃብትታት ተመቓርሖ ጥዑይ ተገዳስነት ክትገብሩ እሓተኩም። ኣብዚ ጉዳይ ካቶሊካዊ ማሕበርሰብ ብመዳይ ሕንጸትን ግብረ ሰናይን ተግባር ቀጻሊ ኣገልግሎቱ አረጋግጸልኩም።

ዝተኸበርኩም ኣሕዋት ከምእተሓበረኒ ኣብ ኬንያ መእሰያት ናይ ፍርያማነት ትእምርቲ ዝዀነ ኦም ይተኽሉ እያቶም፣ እዚ ርቱእ ዝዀነ ንመጻኢ ዝሓስብ ኣብቲ እቲ ተፋራይነት ዝዕድል እግዚኣብሔር እምነት ክህልወኩም ጽኑዕን ቅኑዕን ሰላማውን ሕብረሰብ ኣብ ሃገርኩምን ኣብ መላእ ክፍሊ ዓለም ኣፍሪቃ ነኸተነቓቕሑ ይደግፍኩም፣ ደጊመ ነቲ ዝተገብረለይ ምዉቕ ኣቀባብል አመስግን፣ ኣብ ልዕለኼም ኣባይቲ ስድራኹምን ኣብ ልዕሊ እቲ ፍቑር መላእ ሕዝቢ ኬንያ ቡራኬ እግዚኣብሔር እምሕጸት።

ሙንጉ ኣባሪኪ ከንያ

እግዚኣብሔር ንኬንያ ይባርኽ

እንክብሉ ዘስምዕዎ ዘረባ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.