2015-11-24 16:17:00

ብፁዕ ካርዲናል ታግለ፦ ናይ ምሕረት ቅዱስ ዓመት ንዓመጽ እቲ ዝለዓለ ግብረ መልሲ እዩ


ካብ ዕለት 23 ሕዳር ክሳብ ዕለት 27 ሕዳር 2015 ዓ.ም. ናይ ሰበኻ ሮማ ካህናት “ምሕረት እግዚኣብሔር” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ዘካይድዎ መንፈሳዊ ሱባኤ ሰባኬ ዝተፈላለያ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ረድኤት ዝጥርንፍ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ እተሰምየ ማሕበር ኣቦ መንበርን ኣብ ፊሊፒንስ ናይ ማኒላ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ልዊስ ኣንቶኒዮ ታግለ ከምዝዀኑ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ሓቢሮም።

እቲ ዝካየድ ዘሎ ሱባኤ ነቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝኣወጅዎ ኣብ ቀረባ ኣዋን ብወግዒ ዝኽፈት ናይ ምሕረት ዓመት ዘማእከለ ከምዝዀነ ብፁዕ ካርዲናል ታግለ ምስ ቫቲካን ረዲዮ ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፣ ቅዱስ ኣቦና ካብታ ዝተሓረዩላ ዕለት ኣትሒዞም ምሕረት እግዚኣብሔር ዘማእከለ ክርስትያናዊ ሕይወት ክንበር ከምዘተሓሳስቡን ኣብዚ ርእሰ ጉዳይ ኣማእኪሎም ብቐጻሊ ኣብ ዝህብዎ ምዕዳንን ስብከትን ዘስምርሉ ሓሳብ ብምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ዝኣወጅዎ ናይ ምሕረት ዓመት ብሓቂ እቲ እዋጅ ምስ ሰምዑ ብዙሕ ከምዘይተገረሙ ገሊጾም፣ ብሓቂ ዓለምን ሕዝብን ቤተ ክርስቲያንን ዘድልያ መንፈሳውነት እዩ። ምሕረት ዘየድልዮ ሓደ’ኳ የልቦን እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ኣዋጅ ቅዱስነቶም ዝነብርዎ መንፈሳውነት ዘቃልሕ ጥራሕ ዘይኰነ ንናይ ወንጌል ሕይወትን ቤተ ክርስቲያንን ሓዋርያዊ ተልእዀን ማእከል እዩ። እቲ ንሶም ዝነብርዎ መንፍሳውነት ድማ ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኵላውነት ሚዛን ዘለዎ ሓዋርያዊ ተልእዀ እዩ፣ ስለዚህ ቤተ ርክስቲያን ብዅለ መዳይ ክትነብሮ እግዚኣብሔር ብኣኦም ኣቢሉ የተሓስስብ ኢሎም።

ድሕሪ እቲ ኣብ ፓሪስ በሸበርቲ ዝወረደ ኣድማዪ መጥቃዕቲ ኣብ ዓለም እንርእዮ ዓመጽን ውግእን ግርጭትን ኣብ ማእከል ኣባይቲ ስድራን ማሕበራትን ዓመጽን ግጭትን ብዝተፈላለየ ደረጃ ዘሎን ኩሉ መዚንካ ብሓቂ ሎሚ ፍካረ ምሕረት እግዚኣብሔር ዘለዎ ኣገዳስነት ተስተውዕል፣ ምሕረት እግዚኣብሔር ካብ ጥንቲ ዝነበረን ዘሎን እዩ። ዘይምፍራድ ወንጌላዊ ጸዋዕታ እዩ፣ ብሓቂ ኣብ ልቢ ሰብ ምሕረት ኣሎ ዶ? መሓርቲ ዲና? ዝተመሓርና መሓርቲ ዲና? ናይ ምሕረት ዓመት ነቲ ብዝተፈላለየ መልክዕን ደረጃን ኩነትን ዝግለጽ ዓመጽ ምሉእን ፍጹምን መልሲ እዩ ኢሎም።

ቅዱስ ኣቦና “Misericordiae Vultus-ውጅሂ(ገጽ) ምሕረት” ብዝብል ኣርእስቲ ብጽሑፎም ዘመሓላለፍዎ ናይ ምሕረት ዓመት ናይ ኣዋጅ ሰበድ ከምዝገለጽዎ ናይ ምሕረት ዓመት ንካቶሊካውያን ወይ ድማ ንማሕበረ ክርስቲያን ጥራሕ ዘይኰነስ ሃይማኖት ብዘየገድስ ንዅሉ ኽፉት ምዃኑ ይነጽሩ፣ ኣብ ዝዀነ ይዅን ሃይማኖት እንተርኢና ምሕረት እግዚኣብሔር ዘሎን ዝግልጽን ዝመሓላለፍ ሓሳብ እውን እዩ፣ ስለዚህ ኣብ ሃይማኖት ኣይሁድን ምስልምናን ድዩ ኣብ ሃይማኖት ቡድሃን ሂንዱን ኰንፉቾን ካልኦትን ናይ ምሕረት ትውፊት ኣሎ፣ ስለዚህ እቲ ናይ ምሕረት ዓመት ዝንጽል ዘይኰነስ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝብልዎ ዘተኣኻኽብን ንዅሉ ዘጠቓልል እዩ ኢሎም። እዚ ድማ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ከምኡ ኣውን ኣብ መንጐ ኣቢያተ ክርስትያንን ዘተ ክህሉ ዘተባብዕን ነቲ ዘሎ ናይ ሓባር ዘተ ዘበራትዕ እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.