2015-11-24 16:13:00

ርክብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ኣንቲጓን ባርቡዳን መራሔ መንግስቲ


ዕለት 23 ሕዳር 2015 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ኣንቲጓን ባርቡዳን ደሴት መራሔ መንግስቲ ሮድነይ ዊሊያምስ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን መርሔ መንግስቲ ዊሊያምስ ካብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ምስ ተፋነዉ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ሓላፊ ብፁዕ ኣቡነ ፓውል ጋላገር ከምእተራኸቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ዝተኻየደ ርክብ ናይ ቅድስቲ መንበር ኣንቲጓን ባርቡዳን ደሴት ክሌኣዊ ርክብ እንታይ ተመስሎ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ከምዝሕብሮ፦ ሰናይን ምክብባርን ዝዓሰሎ ከምዝዀነን ነቲ ዝጸንሔ ርክብ ቅድስቲ መንበር ናብቲ ደሴት ሓዋርያዊ ውኪል ብምቛም ዝወሰደቶ ውሳኔ ዘሐየሎ ከምዝዀነ ከምእተመልከተን፣ ቤተ ክርስቲያን ኣብቲ ደሴት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ኣኽብሮትን ሓለዋን ብምንቅቓሕ ኣብ መዳይ ሕንጸትን ክንክን ጥዕናን ሓልዮትን ምእላይን ኣብ ሕሱም ድኽነት ንዝርከቡ ዜጋታትን እትህቦ ኣገልግሎት ብወገን ናይታ ደሴት መራሔ መንግስቲ ከምእተነኣደን ኣብዚ መዳይ ኣገልግሎት፣ እቲ ዘሎ ክሌኣዊ ምትሕባር ክሕይል ምዃኑ ዘረጋገጸ እውን ምንባሩ ክፍለጥ እንከሎ ኣብ መወዳእታ ዛዕባ ሃይማኖትን ኩነታት ዓለምን ጸኣት ስደተይናታትን ምዝባዕ ናይ ተፈጥሮ ከባቢ ኣየርን ዘተ ከምእተኻየደ ኣመልኪቱ።








All the contents on this site are copyrighted ©.