2015-11-22 17:11:00

ምሕረት እግዚአብሔር ወትሩ ርኅው አንቀጽ እዩ ዘለዎ!


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ አብ ዘቅረብዎ ሶሙናዊ ልሙድ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ “ምሕረት እግዚአብሔር ወትሩ ርኅው አንቀጽ እዩ ዘለዎ! ስለዚ ቤተክርስትያን መዓጹአ ብዘይ መኸላእታ ይከፈት!” እንክብሉ ነቶም ትምህርቶም ንምስማዕን ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ንምክፋልን አብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽቡ ምእመናን ሮማን ካብ ኩሉ ኵርነዓት ዓለም ዝመጹ ነጋድያንን ነዚ ክእወጅ ቀሪቡ ዘሎ ኢዮቤል ምሕረት ክጥቀሙሉን ከምቲ አበው ሲኖዶስ አብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተማሕጸንዎ ምእመናን ብዓቢ እምነትን ንስሓን ነታ ድርኵኺት አንቀጽ ድሕነት ክሳገርዋ አዘኻኺሮም፣

አብዚ ቅንያት እዚ ዘጋጠመ ናይ ራዕዲ ሠይጣናዊ ሥርሓትን ዝሰዓበ ፍርህን ምጥርጣራትን አብ ግምት ብምእታው ቅዱስነቶም ቤተ ክርስትያን ንደቃ ከም እትኃሊ ሽሕኳ ካብዞም አብ ጕዕዞ ዝርከቡ ደቃ ገሊኦም ተጠራጠርቲ ገሊኦም አብ መንጎ ጠፊኦም ዘለዎ ገሊኦም ከአ አብዚ ጽንኩር ግዜና ብፍርህን ራዕድን ተዋሒጦም ስለዘለው ቤተክርስትያን መዓጹአ ክትከፍት ትጽዋዕ አላ፣ እዚ ድርኵኺት ኢዮቤል ምሕረት ዝኾነ ማዕጾ ምቅባል አጋይሽ እንከመልክት አብዚ ዘመንና ግን አብ ብዙኅ አከባቢታት ብመፍትሕ ምርጋጥ ናይ ማዓጹ ሰጊሩ ብኃያል ዕርድን ሓጹርን ዝተኸለለ መእተዊ ዘይትረኽበሉ ቦታታት እናበዝሔ እዩ፣ እንክብሉ ዘሎና ኩነታት አብ ግዜ ጹዕጹዕ ዓውደ ውግእ እኳ ዘይትርእዮ ገዛውቲ ብድሩዓት መካይንን ካብ ጽፍሪ እግሮም ክሳብ ጸጉሪ ርእሶም ዝተዓጥቁ ሠራዊትን አብ ምሕላው ዝርከቡሉን አብ ገሊኡ ከአ ከም ግንባር ኵናት መከላኸሊ ዕርድታት ሰሪሕካ አሽንኳይ ክትአትዎ ብማዕዶ እኳ ንዘፍርህ ኩነታት ሰጊርና መዓጹ ልባትናን ገዛውትናን ንምቅባልን ምፍቃርን አኅዋትናና አኃትናን ክነርኁ ሓደራ ቢሎም፣

“ሽሕኳ ናይ ድህነትን ጸጥታን ጉዳይ እንተኾነ አብ ሕይወትናን ሕይወት ስድራናን ዓድናን ማኅበረሰብናን ከምዚ ዓይነት ምዕጻው ክንወድቅ የብልናን፣ ብዝበለጸ ከአ ቤተ ክርስትያን ንኩሉ ትከፈት፣ ብኩሉ ተረጊጣ አጋይሽ ዘይትቅበል አገልግሎት ዘይትህብ ቤተ ክርስትያን ክትሓስቦ እውን የሰካሕክሕ ከምኡ እውን ሓንቲ ስድራቤት አብ ገዛእ ርእሳ ተዓጽያ ሱቅ እንተቢላ ንስብከተ ወንጌል ይቀትሎ ንዓለም ከአ የድርቆ፣ ብዕርድታት ዝተኸበት ቤተክርስትያን አይፋል ንብል ኩሉ ክፉት ይኹን” እንክብሉ መዓጹ ልብና እንተደአ ክፉት ኮይኑ ንኩሉ ክቅበል ከምዝኸል ብሕልፊ ከአ አብዚ ቅዱስ ዓመት እዚ ክንዮ እታ ቅድስቲ መዓጾ ቤተ ክርስትያን ምሕረት አምላኽ ይጽበየና ከምዘሎ ዘኪርና ልብና ነዚ ምሕረት እዚ ተቀቢሉ ንካልኦት ከአ ምሕረት ክህብ ንዝኾነ ዝኳሕኰሐ ክንከፍተሉ ስንድዋት ክንከውን ከምዘሎና አዘኻኺሮም፣

ቤተክርስትያን እውን ነዚ ምሳሌ እዚ ብምስዓብ ንምሕረት ጐይታ ናብ ኩሉ ምእንቲ ክተብጽሕ ከምቲ ናይ እግዚአብሔር ምሕረት ንኩሉ ዝዕደል  መዓጹአ ንኩሉ ክፉት ክከውን ከምዘለዎ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፣ “አንቀጸ ምህረት ናይ እግዚአብሔር እንተደአ ወትሩ ክፉት ኮይኑ ናይ አብያተ ክርስትያናትና መዓጹን ናይ ማኅበረሰባትና ፍቅርን ናይ ቍምስናታትናን ተቅዋማትናን ሰበኻታትናን ወትሩ ክፉታት ክኾና በዚ ከአ ኩልና ንምሕረት እግዚአብሔር ክንዕድል ክንወጽእ ንኽእል፣ ኢዮቤል ምሕረት ነቲ ዓቢ ማ ዓጾ ምሕረት እንክገልጽ ናይተን ናአሽቱ አብያተ ክርስትያናትና መዓጹ እውን  ርኁዋት ክኾና ይሓትት ከመይ ካብቲ ቀዩዱና ዘሎ ነገራትና ክንፍታሕን ንጐይታ ክአቱ ክነፍቅደሉን ካባኡ ከአ ወጺኡ ናብ ኩሎም ክብጽሕ መገዲ ንጸርገሉ ማለት እዩ፣ ከምቲ አብ ራእዩ ለዮሓንስ ዝብሎ ጐይታ ልብና ክንከፍተሉ አብ አፍ ልብና እናኳሕኰሐ ብት ዕግሥቲ ዝጽበየና ንሕና እውን ክንቅበልስ ይኹን ብትዕግሥቲ ክንኩሕኩሕ እንክኩሕኩሑና ክነርሑ አሎና፣ ርግጽ እዩ ማዕጾ የድሊ እዩ ግን ንመተሓላለፊ እምበር ንምዕንቃጽ ክኸውን የብሉን፣ ማዕጾኸስ ምልክት ኮይኑ ተረጊጡ ምእታውን ምውጻእን ክኸልእ ዘይኮነስ ብዘይ ጐነጽ ክኽፈት እሞ ተቅባልን መስተንግዶን ከወፊ ዝ አቱስ ይኹን ዝወጽእ ብስም ጐይታ ኮይኑ ነዚ ተዓዲሉና ዘሎ ምሕረት ናብ ኩሉ ምብጻሕ የድሊ፣ ግዜ ብዝፈጠሮ ብዙኃት ማዓጹ ልባት ክርስትያን ናይ ዝኾና ከይኩሕኩሑ ዝፈርሁ ተአማንነት ዘጥፍኡ ይመስሉ፣ ከማኡ እውን መዓጹ አብያተ ክርስትያና ንምኩሕኳሕ ትብ ዓትን ተአማንነትን ዘጥፍ ኡ ብዙሓት እዮም እሞ በጃኹም እዚ ከይድገም፣ እንክብሉ ንብዙሓት ሓለውቲ አፍደጋታት ተቅዋማትን ቤትጽሕፈታትን አብነት ክኾኑ ሓደራ ቢሎም፣

አብ መወዳእታ እዚ አፍደገ እዚ ባዕሉ እቲ ጓሳ አባግ ዕ ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ አብ ወንጌለ ዮሓንስ ዝገለጾ አፍደገ አባጊዕ አነ እየ ዝበለ ክርስቶስ አፍደገ ናይ ምሕረት ኮይኑ ምውጻእን ም እታውን ብ አ ኡ ከም እንረክብ ዝገለጹ ቅዱስነቶም እቶም ምውጻእን ም እታውን ዝ ኸል ኡ ሠረቅቲ ከምዝኾኑን ንሶም ብማዕጾ ዘይኮነ ብሕጓ ክ አትው ስለዝመረጹ ማዕጾ ዝበሃል ክህሉ እውን አይደልዩን፣ ስለዚ በቲ አፍደገ ን እቶ፣ ድምጺ ናይቲ ጓሳና ዝኾነ ክርስቶስ ከአ ጽን ንበል ድምጹ ሰሚ ዕና በቲ አፍደገ አባጌዕ ዝኾነ ክርስቶስ እንተሓሊፍና ርግጽነት ንረክብ ድሒና ማለት ከአ እዩ፣ ቤተክርስትያን ከስ ሓላዊት ማዕጾ እምበር ጐይታ ማዕጾ አይኮነትን፣ ከምቲ አብ ወንጌሉ ዝበሎ ከአ ዝሓረየና ንሱ ደአ እምበር ንሕና ስለዘይኮና ከአ ምናልባት ገሊኦም ሓለውቲ ማዕጾ ዘይስርሖም ከይሰርሑ ክሓርዩ ከይፍትኑ ንስኻ እቶ ንስኻ ውጻእ አብ ምባል ከይበጽሑ ቍምስናታት ይኹና ካልኦት ምስትው ዓል የድሊ፣ ሥድራቤታ ናይዚ ናይ እግዚአብሔር ፍቅራዊ ኅርየትን ምቅባልን አብነት ኮይነን ንጽጉም አብ ምርዳእ አፍደገአን ወትሩ ክፉት ይኹን፣ እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.