2015-11-17 16:11:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ምስ ሉተራውያን፦ ብስም እግዚኣብሔር ልቢ ምዕጻውን ካልእ ምንጻግን ጸረ እግዝኣብሔር ምቛም ማለት እዩ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 16 ሕዳር 2015 ዓ.ም. ሮማ ኣብ ዝርከብ ሉተራናዊ ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ምብጻኽ ኣካይዶም ምስ ማሕበረሰብ ሉተራውያንን መጋብያንን ተራኺቦም ኣብ ዝለገስዎ ቃል፦ ኣብ ፓሪስ ኣሸበርቲ ዝፈጸምዎ ግብረ ሽበራን ዘስዓቦ ሕልፈት ሕይወትን መቑሰልትን ዘኪሮም ስም እግዚኣብሔር ልቢ ንምዕጻውን ካልእ ንምንጻግን ምጥቃም ንገዛእ ርእሱ ጸረ እግዚኣብሔር ምቛም ማለት እዩ ቢሎም፣ ንኽርስቶስን ነቲ ናይ ጸጋ ጥምቀት ብምጥማት ነቲ ዝፍጠር ናይ ምግምማዕ ዘሕፍር ተግባር ከምዝስገር አረጋግጽ ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጃንካርሎ ላ ቨላ ሓቢሮም።

ስለ እቶም ናይቲ ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራ ኣደዳ ዝዀኑ ክንሓስብን ክሳብ ናይቲ ስቓይ ተኻፋልነት ክንድንግጽን ኣብቲ ናይ ኣባይቲ ስድራኦም ሓዘንን ስቓይን ተኻፈልቲ ንኹን ዝበሉ ንቕዱስ ኣቦና ኣብቲ ቤተ ክርስቲያን ሉተራን ኣቀባብላ ዝገበሩሎም መጋቤ ጀንስ ማራቲን ክሩሰ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ገሊጾም እቲ ዕለት 13 ሕዳር 2015 ዓ.ም. ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራ ሕጂ እውን እቲ ዘሕደሮ ስቓይ የቃላሕ ኣሎ ከምዝበሉ ዝሓበሩ ላ ቨላ ኣስዒቦም ኣብቲ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዝተሳተፉ ናይ ሉተራን ኣቢያተ ክርስቲያን ምእመናን ንቕዱስ ኣቦና ንዘቕረብዎ ሕቶ እንክምልሱ ብዛዕባ ልቢ ምዕጻውን ክቱር ኣብ ገዛእ ርእስኻ ተዓጺፍካ ምንባርን ናይ ንኣይነትን ዘይምእንጋድን ዓመጽን መሰረት ምዃኑ ተንቲኖም ፈላላይ መናድቕ ካብ ጐይታ እዮም ዘርሕቑና፦ ዝተዓጽወ ልቢ ክህልወካ ክንደይ ይሕዝን፣ ሓውና መጋቤ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ፓሪስ ዘኪሮም እቲ ዝተራእየ ዘሕዝንን ዘስካሕክሕን ኩነት ትእምርቲ ዕጽው ልቢ እዩ እንክብሉ ገሊጾምን ስም እግዚኣብሔር እውን ከይተረፈ ከም ልቢ መዕጸዊ ምኽንያት ክኸውን ዝከኣል እዩ ቢሎም ሓንቲ ሉተራናዊት ምእመን ምስ ሓደ ካቶሊካዊ ምእመን ምስጢረ ተኺሊል ዝኣሰራ ኣብ ቅዱስ ድራር ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ በዓል ቤተን ሓቢረን ሱታፌ ክገብራ ዘለውን ትምኒት ዓቢይ ምዃኑ ምስ ገለጻ፣ ቅዱስ ኣቦና ብወገኖም ዝተቐበልናዮ ምስጢረ ጥምቀት ሓደ እንተድኣ ኰይኑ ብሓባር ንኸይንጓዓዝ ዝድርኽ መኸላእታ ዘሎ ኣይመስለንን እንክብሉ ከምዝበለሱለን ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ላ ቨላ ኣስዒቦም፣ ሓደ ሕጻን ምእመን ሉትራን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብምዃንኩም ባህ ዘብለኩም እንተሎ እንክብል ነዘቕረበሎም ሕቶ፦ ር.ሊ.ጳ. ምዃነይ ከም ሓደ ቆሞስ ምንባሩ እዩ እቲ ባህ ዘብለኒ፣ ካልእ ቆምስ ክኸውን እንከሎ፣ ኣነ ዘይኰነሉ ምኽንያት እንታይ እዩ እንክብሉ ከምዘመለሱሉ ገሊጾም።

ሰዒቡ ካብ ማቴዎስ ወንጌል ዝተወስደ ቅዱስ ንባብ ምስ ተነበ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ፦ ኣብ ፍጻሜ ዓለም ጐይታ ዘቕርበልና ሕቶ ኣንታይ ኰን እዩ ዝኸውን? እዚ ንጹር እዩ። እቲ ዘቕርበልና ሕቶ እቲ ወንጌል ማእከል ዝገበሮም ድኻታት ዝምልከትን ድኻታት ዘማእከለን ሕቶ እዩ። ጐይታ እግዚኣብሔር ስለ ምዃኑ ምንም ሓለፋ ከይተሰምዖ ገዛእ ርእሱ ክሳብ መወዳእታ ኣዋረደ፣ ክሳብ ሞት ኣብ መስቀል፣ እዚ እዩ እቲ ዝመረጾ ሕይወት ኣገልግሎት።

ኣገልግሎት ተኻፋልነት ኣብ ናይ ካልእ ስቓይን ማለት እዩ፣ ዘሎካ ተኻፊልካ ምንባር ማለት እዩ፣ ንሓው ኣብቲ ጭቡጥ ኩነት ብግብሪ ቀረባ ኰይንካ ምንባር ማለት እዩ፣ እዚ ክርስቶስ ብቓልን ሕይወት ዝገለጾ መገዲ ኣገልግሎት ንናይ ካቶሊካዊትን ሉተራንን ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ዘተ መሰረት እዩ ክኸውን ዘለዎ፣ ብርግጽ ኣብ መንጐና ጽንኩር እዋን ተነቢሩ እዩ፣ ዝተፈጸመ ኣሳዶን ሕድ ሕዳዊ ምውግጋዝን ንዘክር፣ እምበኣርከስ ስለ እቲ ዕንቅፋት ዝዀነ ፍልልያትና ብሓባር ምሕረት ንለምን እንክብሉ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ከምዘጠቓለሉ ላ ቨላ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.