2015-11-12 16:33:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ጸረ ቅቡልነት ምጉዓዝ፣ መለለዪ መንነትና ምሕረት እዩ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ዕለት 10 ሕዳር 2015 ዓ.ም. ኣብ ፊረንዘ ስለ ሱታፌ ኣብ ሓምሻይ ብሔራዊ ዋዕላ ስድራ ቤት ዘካድዎ ሓውጾተ ኖልዎ መደብ መሠረት ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ኣትለቲካዊ ውድድራት ኣብ ዝካይደሉ ፍራንኪ ብዝብል ስም ዝጽዋዕ ስፍራ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ነቲ ናይቲ ዋዕላ ሰብኣውነት ዝብል ኣርእስቲ ጠቒሶም ውጅሆ ወይ ድማ መልክዕ ናይቲ እውነተይና ሰብኣውነት ዝስዋዕ ፍቕሪ ምዃኑ ገሊጾም፣ ክርስቲያን ካብ ሕዝቢ ፈጺሙ ገዛእ ርእሱ ክኣልይ ከምዘይብሉ ኣተሓሳሲቦም፣ ስለዚህ ጸረ እቲ ቅቡል ርእይቶ ብምጉዓዝ ምሕረት እግዚኣብሔር ንምእዋጅ ትብዓት ይሃለወና እንክብሉ ከምዝመዓዱ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ገሊጾም።

ቅዱስ ኣቦና ናብቲ መጻወቲ ግጥም ኩዑሶ ምስ በጽሑ ብናይ ፊረንዘ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ጁዘፐ በቶሪ ቅዱስነቶም ፊረንዘ ክበጽሑ ብምፍቃዶምን ንፊዮረንቲናውያን ናይታ ከተማኦም ናይ ፍቕርን ምሕረትን እግዚኣብሔር ዝገልጽ ባህልን ታሪኽን ብቑዓት ወረስቲ ክዀኑ እንክብሉ ንዘቕረብዎ ምዕዶ ከምዘመስገኑ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ኣስዒቦም ኣብታ መበቈል ባህሊ ሰብኣውነት ዝዀነት ከተማ ፊረንዘ ቅዱስ ኣቦና ሕዝቢ’ታ ከተማ እቲ ማንም ንጹግን ሕዱግን ዘይኰነሉ እቲ ዝዓበየ ዘገልግለሉ እቲ ዝተሓተን ድኻን ዝእንገድሉን ዝድገፈሉ ዓለም ንምርግጋጽ ምስ ዝድርኸና ምስ ምሕረት እግዚኣብሔር ብምርኻብ ዝሕደስ ሰብኣውነት ክሓንጹ ከምዝመዓዱን ኣብቲ ልዕሊ 50 ሺሕ ሕዝቢ ዝተኣከበሉ ስፍራ ዝነበረ ውዕዉዕ መንፈስ ርእዩ ከምዝነበረን ማእለያ ዘይብሎም መንእሰያትን ሓጐሶም ብጣቕዒትን ሆህታን ይገልጹ ከምዝነበሩ ሓቢሮም።

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብቲ ናይ ዕለቱ ናይ ወንጌል ምንባብ ኢየሱስ ንሰዓብቱ ሰብ መን እዩ ይብሉኒ ኣለዉ? እንክብሉ ዘቕረበሎም ሕቶ ኣማእኪሎም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፦

ክርስቲያን ፈጺሙ ካብ ሕዝቢ ከይፍለይ

ኢየሱስ ንሕዝቢ ከሕጉስ ቢሉ ዘዘንትው ዘይኰነስ ንኽራኸብ ቢሉ ኣብ ማእከሉ ዝርከብ እዩ፣ ሎሚ ኣውን ሓዋርያ ሕዝቢ እንታይ ይሓስብ ከይፈለጠ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ኣመለኻኽታን ኣብ ናይ ውልቂ እማኔታቱን ተሞርኵይዙ ንኽፈርድ ተኣሊዩ ዝነበር ይመስል፣ ምስ ጭቡጥ ኵነት ጥዑይ ርክብን ማለት ምስ መነባብሮን ናብራን ሕዝቢ ንብዓቱን ሓጐሱን ብምርኻብ ጥራሕ እዩ ክድግፍን ክሓንጽን ክራኸብን ዝኽእል። ደቀ መዛሙርቲ ካብ ሕዝቢ ማእከል ዝተሓርዩ ምዃኖም ክርስዑ የብሎምን፣ ስለዚህ ድማ መነባብሮን ናብራን ሕዝቢ ከምዘይምልከቶም ከምዘይትንክፎምን ኰይኖም ካብ ሕዝቢ ፍንትት ቢልካ ናብ ናይ ምንባር ልማድ ከይወድቑ ክጥንቀቑ ኣለዎም፣ ቤተ ክርስቲያን ከም ኢየሱስ ኣብ ሕዝቢ ማእከልን ስለ ሕዝብን እትነብር እያ። ምእንቲ’ዚ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኵሉ ታሪኻ ኵሉ ሳዕ ንናይ ሎሚ ሰብ እቲ ኢየሱስ ሰብ መን እዩ ይብሉኒ ኣለዉ እንክብል ዘቕረቦ ሕቶ ንምቕራብ ነቲ ሕቶ ኣብ ውሽጣ ሒዛ እትጓዓዝ እያ።

ኢየሱስ ምእዋጅ ሕመረት ናይ ክርስቲያናዊ መንነትና እዩ

ቅዱስ ኣቦና እቲ ተወላዲ ፊረንዘ ዝዀነ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሊቅ ር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ለዮነ ዓቢይ ዝነበሮ ሓዋርያውነት ሓንቀውታ ነቲ ብፍልስፍናን ብናይ እዋኑ ህልዮ (ideology) ዝግለጽ ዝነበረ ናይ ገዛእ ርእሱ ዝንቡል መንነት ክርስቶስ ዘይኰነስ፣ ክርስቶስ መታን ብኹሉ ክፍለጥ ዝብል ሸቶ ዝነበሮን ብሓቂ ክርስቶስ መን ምዃኑ ከፍልጥ ዝድርኽ እዩ። ስለዚህ ሎሚ ንኣና ኢየሱስ መን እዩ? ዝብል ሕቶ ድማ ኣቕሪቦም። ኢየሱስ ብሓቂ እንተድኣ ፈሊጥናዮ እቲ ሓቂ ናይ ገዛእ ርእስና ሰብኣዊ ኩነት ንምርአይ የብቅዓናን ንናይ ሕብረተሰብና ምሉእ ተሰብኦ ኣስተዋጽኦ ከነበርክት የኽእለና። ትኽክለይናን ቅኑዕን እምነት ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ምዕቃብን ምእዋጅን ሕመረት ናይ ክርስትያናዊ መንነትና እዩ። ስለምታይ ኣብ ምፍላጥ እቲ ዝተሰግወ ወልደ እግዚኣብሔር ንሕና ናብቲ ናይ እግዚኣብሔር ምስጢርን ናብ ናይ ወዲ ሰብ ምስጢርን ከነዝዕግ ንኽእል።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፣ እታ ሰብ መን እዩ ይብሉኒ ኣለዉ ንዝብል ካብ ኢየሱስ ንዝቐረበ ሕቶ ጰጥሮስ፦ ንስኻ ክርስቶስ ወልድ ህያው እግዚኣብሔር ኢኻ እንክብል ዝሃቦ መልሲ ድማ ዘኪሮም፣ እቲ ጴጥሮስ ዝሃቦ መልሲ መላእ እንታይነት ምዃን ተልእኾ ጴጥሮስ ይሕብር። እዚ ድማ እቲ ናይ እምነት ሓቂ ምዕቃብን ምብሳርን ምክልኻልን ኣብ መንጐ ኣቢያተ ክርስቲያን ውህደት ምንቕቓሕን ናይ ቤተ ክርስቲያን ስርዓት ምዕቃብ ዝብል እዩ። ር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ሊዮነ ዓቢይ ኣብዚ ጴጥሮሳዊ ተልእኾ ብዝተዀልዔ ኣስተምህሮታቱን በቲ ነቲ ሕያውነት ዝተመልኦ ኣስተውዕሎኡ ዝገልጽ ተግባራቱን ንእግዚኣብሔር ብዝነበሮ ውዕዉዕ ፍቕርን ናይ እግዚኣብሔር ሓይልን ዓቢይ ኣብነት እዩ ኢሎም።

ድሕነትና መሓሪ ፍቕሪ እግዚኣብሔር እዩ

ሎሚ እውን እንተዀነ ሓጐስና ጸረ እቲ ቅቡል ዝዀነ ልምድን ባህልን ኣመለኻኽታን ምጉዓዝን ሎሚ እውን ከም ቀደም ክንየው ካብቲ ንኢየሱስ ከም ነቢይን ወይ ድማ ከም መምህርን ጥራሕ ዝርእይ ቅቡል ርእይቶ ምስጋር የድሊ፣ ሓጐስና እምበኣርከስ ኢየሱስ ካብ ኣብ ዝተላእከ ህላዌ እግዚኣብሔር ምዃኑ ኣብ ምፍላጥ እዩ። ናይ ምድሓን ምስጢር ሰረት ናይ እግዚኣብሔር ናይ ምሕረት ድላይ እዩ፣ ኣብ ቅድሚ እቲ ዘይምስትውዓልን ኣብ ቅድሚ በደልን ኣብ ቅድሚ እቲ ሰብኣዊ ክርፋሕን ኢዱ ዝህብ ዘይኰነስ ነቲ ሰብ ኣብ ጭቡጥ ኩነቱ ክራኸቦ ቢሉ ገዛእ ርእሱ ሰብ ኰይኑ ይብጀው፣ እዚ መሓሪ ፍቕሪ እግዚኣብሔር’ዚ ድማ ስምኦን ጴጥሮስ ኣብ መልክዕ ኢየሱስ ይፈልጦን።

እቲ ናይ ሎሚ ምንባብ ነቲ ገጽ ኢየሱስ ኣብ ቅዱሳት ምስጢራት እንረኽቦ ኣብ ፍቕርን ኣብ ድኻታትን ከምእረኽቦ የረጋግጸልና፣ ስለምታይ ኣማኒ ኣብቲ ገዛእ ርእሱ ክሳብ ኣብ መስቀል ሞት ኣብ ዘዋረደ ንኽኣምን ስለ ዝሓትት ድማ ሎሚ እውን ይብሉ ቅዱስ ኣቦና እዚ ናይ እምነት ሓቂ’ዚ ዕንቅፋት ኰይኑ እዩ ዝረአይ።

እቲ እውነተይና መልክዕ ሰብኣውነት ናይ ፍቅሪ መልክዕ እዩ ዘለዎ

ቅዱስ ኣቦና እቲ ዝኣወጅዎ ቅዱስ ናይ ምሕረት ዓመት ዝጅመረሉ ሓደ ወርሒ ኣብ ዝተረፈሉ እዋን ውስንነትና ዝመልእ መለኰታዊ ምሕረት ምዃኑ ይሕብሩ፣ ብዝተረጋገጸ ኣገላልጻ ከምዝበሃል ድማ እቲ ኣብ መንጐ መለኰትን ሰብኣውን ዘሎ ሱታፌ ሓድሽን ዝተሓደሰን ሰብኣውነት ዝሓንጽ ዘርኢ የንብሩ፣ እግዚኣብሔርን ሰብን ክልተ  ኣንጻራት ጫፍት ጥራሕ ዘይኰኑስ ካብ ቀደምን ንኹሉሳዕን እቲ እውነተይና ጥበብ ዝህሉ ኣብ ጥምረት ክርስቶስን ምግልጋል ቤተ ክርስቲያንን ምዃኑ እዩ ዘመልክት።

ኣብዚ መገዲ’ዚ እዩ ምስ ሰብኣውነት እንራኸብ እዚ ርክብ’ዚ ድማ ብመንፈስ እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ጓሳ እዩ ዝኽወን። እዚ ድማ ፊረንዘ ኣብቲ ናይ መሃዚት እዋና ዝመስከረቶ ሰብኣውነት ምዃኑ ንከንቱ ኣይኰነን፣ ኩሉ ሳዕ መልክዕ ፍቕሪ ዝሃለዋ ከተማ እያ። እዚ ውርሻ’ዚ ኣብ መላእ ኢጣሊያን ዓለምን ንፍርያማ ሓድሽ ሰብኣውነት ይዅን እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ኣስዒቦም፣ ሰብኣውነት ፊረንዘ ምስቲ ኩሉ ጸገማት ብቓልን ብተግባርን ዝመስከረቶ ጥራሕ ከምዘይኰነ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ናይ ፊረንዘ ሓውጾተ ኖልዎ ምስ ድኻታት ምሳሕ ብምቁዳስን ምስ ህሙማን ኰይኖም ብሓባር ብምጽላይ ብዝሃብዎ ናይ ቃልን ሕይወትን ምስክርነት ዘተረጋገጸ ምዃኑ ኣመልኪቶም።








All the contents on this site are copyrighted ©.