2015-11-10 18:08:00

ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ አብ ሃገረ ጣልያን ከተማታት ፊረንሰን ፕራቶን ሓዋርያዊ ምብጻሕ


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ አብ ሃገረ ጣልያን ከተማታት ፊረንሰን ፕራቶን ሓዋርያዊ ምብጻሕ ንምግባር ሎሚ ንግሆ ካብ መንበሮም ከተማ ቫቲካን ብናይ ሮማ ሰዓት አቆጻጽራ ሰዓት ሸውዓተ ብሄሊኮተር ነቂሎም ድኅሪ ናይ ሓደ ሰዓት ጉዕዞ ካብ ከተማ ፊረንዘ ናይ ርብዒ ሰዓት በረራ ዝምርሓቁ ከተማ ፕራቶ በጺሖም፣

ከምቲ መርሓ ግብሮም ዘመልክቶ ዝነበረ ልክዕ ሰዓት ሾመንተ አብ ሜዳ ሉንጎቢሰንዚኦ ምስ ዓለቡ ብቀጥታ አብ ቅርዓት ካተድራል ፕራቶ ብምኻድ ነቶም ብሶሙነ ምስ ቅዱስነቶም ክራኸቡ ክሸባሸቡ ዝቀነዩ በሸሓት ዝቍጸሩ ሠራሕተኛታት ተራኺቦም ድሕሪ ሰላምታን ቡራኬን “ክብርን መሰልን ወዲሰብ ንዝሕሉ ሥራሕ ሓራይ ንምዝመዛ ግን እምቢ” እንክብሉ ቃሎም ሂቦም፣

አብቲ ቅርዓት ካተድራል ምስቶም ሠራሕተኛታት ዝጽበይዎም ዝነበሩ ናይ ፕራቶ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ አጎስቲነሊ እንክኾኑ ብስም ኩሎም ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ሓጺር ቃል ምስ ሃቡ ቅዱስነቶም ከአ ብወገኖም “ን ዓኹም ብ አካል አብዚ ተረኺብኩም ዘሎኹም ነቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያት አብ ሞንጎና ክህልው ዘይከአሉ ብጾትኩምን ብሕልፊ ከአ ነቶም ብሕማምን ሽምግልናን አብ ገዛውቶም ተሓዪሮም ንዘለው ልባዊ ሰላምታይ አቅርብ፣ ከም መንፈሳዊ ነጋዲ ሓላፍ መንገዲ እየ አብዛ ብታሪኻን ጽባቄአን ሃብታም ዝኾነት  በዚ ከአ ከተማ ማርያም ተባሂላ ክትጽዋዕ ዝበቅዔት ከተማኹን መጺኤ ዘለኹ፣ ብሓቂ ዕድለኛታት ኢኹም አብ ዑቍባ አደና ማርያም ምዃን ወትሩ ሓለዋን ተቀባልነትን ይረክብ፣ ቅዱስ ቅርያት ናይ እኖና እግዚእትነ ማርያም ቅናት ዓቊርኩም ምህላውኩም እውን ዕድለኛታት ኢኹም፣ እዚ ምልክታት ቡራኬ ከተማኹም ካብ ቃል አምላኽ ዝወሃበና ሓሳባት ከው ከአልኩም ይድርኸኒ፣ እቲ ቀዳማይ ሕዝበ እስራኤል ካብ ባርነት ግብጺ ናብ ምድሪ ተስፋ ቀቅድሚ ምውጻኦም አብ ዝገበርዎ ናይ ፋሲካ ድራር ዘዘኻኽር ኮይኑ “ሓቛቝኹም ተዐጢቕኹም፡ ኣሳእንኩም ኣብ ኣእጋርኩም፡ ኣባትርኩም ከኣ ኣብ ኣእዳውኩም ሒዝኩም፡ ቀልጢፍኩም ብልዕዎ። ንሱ ፋስጋ እግዚኣብሄር እዩ።” (ዘጸ 12፡11) ሕቈኻ ምዕጣቅን ምስንዳውን ንጉ ዕዞ ምስንዳውን ብ ኡ ንብ ኡ ጕዕዞኻ ምጅማርን የመልክት፣ ሎሚ እውን እንተኾነ ካብ ማንም ግዜ ብዝኃየለ ቃል ጐይታ ተዓጠቁ ይብለና አሎና፤ ብሸለልትነትን ዘይተገዳስነትን ከይተዓጾና ክፉታት ክንከውን ጸገም አሕዋትና ክንሰምዕን ንክንረድ ኦም ዕጡቃት ክንከውንን ገለ ነገር ክንገብረሎምን ክንገድፈሎምን ነቲ ካብ ጐይታ ዝረኽብናዮ ሓጐስ ምሳኦም ክንካፈልን አብዚ ግዜ እዚ ንዝሳቀዩ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ አንስትዮን ክንረድእ ክንብገስ እዩ፣ ገለ ክትገብር እንክትብገስ ሓደጋ አሎ፤ ኮይኑ ግን ብዘይ ሓደጋ እምነትካ ንምግላጽ አይከአልን እዩ፣ ንገዛእ ር እሳ ጥራይ እትሓስብ እምነት አብ ገዛአ ተዓጽያ እያ ትተርፍ ናይ ጐይታ ተአማንነት ከአ ተጥፍእ፤ ከመይ ጐይታ እምነት ክጽግወና እንከሎ ካብ ገዛእ ር እስና ወጺ እና ንፍርሂ ስ ዒርና ክንዋሳእ እዩ፣ አብዚ ጥውይዋይ ዝመልኦ ዒንኪላሎ ዝኾነ ዘመና ብዙሕ ዘደናግር ነገራት አሎ፤ አንፈትና ክነጥፍእ ዚከአል እዩ፤  መሕብኢ ሓሰውሰው ክንብል ንኽእል ጐይታ ግን ናብቶም ዘይፈልጥዎ ክበጽሕ ስለዝደሊ ነዓ ደአ አመት ጸዋዕታኻ ግበር እናበለ ይደፍአና፣ አብ ውሽጥና ዝተሓደሰ ኃይሊ ስብከተ ወንጌል ክውለድ ይደሊ፤ ከቢድ ኃላፍነት ከአ የሸክመና፣ ነታ ፍቅርቲ መርዓቱ ዝኾነት ቤተክርስትያን በቲ ሓደጋ ዝመል ኦ ናይ ለሚ ጐደናታትና እናተጓዕዘት አንፈቱ ንዝሰሓተ ክትረድእ ዳሳት ናይ ተስፋ ተኺላ ነቲ ኩሉ ዝ ዓረቦ ቍስለኛ ተቀቢላ ክትሕክም ይሓታ አሎ፣ ንሱ ባዕሉ ናባና ብምቅራብ አብነት ሂቡና እዩ፣ እቲ ናይ ኦሪት ምዕጣቅ ንሱውን አብ ድራር ፋሲካ ገርዎ እዩ “ካብ ድራር ተንሲኡ ኽዳውንቱ ኣንበረ፡ ዓለባ ኣልዒሉውን ተዓጥቀ።ደሓር ማይ ኣብ ገበራ ኣዕሪቑ፡ ኣእጋር ደቀ መዛሙርቱ ከአ ሓጸበ”(ዮሓ 13፤4 ሉቃ 12፡37 ተመልከት)፣ ነዙይ ዝገበረሉ ምኽንያት ከአ ንሕና ከማኡ ም እንቲ ክንገብር እዩ፣ ካብ ጐይታ አገልግሎት ዝተቀበልናኸስ ንሕና ብግደና አብ ጐድንና ንዘሎ ከማኡ ንምግባር እዩ፣ ንሓዋርያ ክርስቶስ ኩሎም ቀረባኡ ጐረባብቱ አሕዋቱ እዮም ማንም ክርሕቆ አይክእልን፣ ርሑቅ ዝበሃል የሎን ናብ ኩሎም ክበጽሕ አለዎ፣” ብማለት ተል እኮ ክርስትና ድሕሪ ገሊጾም ከም ቤተክርስትያን ንዝሃብዎ ምስክርነት ከአ ከምዚ ክብሉ አመስጊኖም፣ “አብዚ ግዜና ንዝረኤ ናይ ሸለልትነትን መኽሰብ ንዘይርከቦ ጐሓፍ ዝብልን ባህሊ ስዒርኩም ነፍሲወከፍ ሰብ አብ ማኅበረሰብኩም ቅቡል ክኸውንን አባል ንክኸውንን ብትገብርዎ ጻዕሪ አመስግነኩም፣ አብዚ ፍርሕን ዘይርግጽነትን ዓብሊልዎ ዘሎ ዘመንና ንድኹማትን ሥድራቤታትን ንምድጋፍ እትገብርዎ ተበግሶ እውን ዝነአድ እዩ፣ አጆኹም ብጸገማት አይትደሃሉ፣” እንክብሎ ድሕሪ አመስጊኖም “አብ መወዳእታ ምሕጽንታ ቅዱስ ጳውሎስ ክደግመልኩም ደስ ይብለኒ እዚ ከአ ንክርስትያን ዕጥቂ እግዚአብሔርከ ክ ዕጠቁ ዝምሕጸኖም እዩ፣ ‘ስለዚ በታ እክይቲ መዓልቲ ምቅዋም ምእንቲ ኽትክእሉ፡ ኵሉ ምስ ኣስለጥኩምውን ደው ክትብሉስ፡ ብዘሎ ኣጽዋር ኣምላኽ ኣልዕሉ። ደጊም ሕቜኹም ብሓቂ ተዐጢቕኩም ድርዒ ጽድቂውን ተኸዲንኩም ቁሙ።” (ኤፈ 6፡12-14) ስለዚ ዕጥቅና ሓቂ ክኸውን፤ አብ ሓሶት ሓንቲ ክንምሥርትን ክንሃንጽን አይንኽእልን፣ ሕይወት ሰብ ክቡርን ቅዱስን እዩ፣ ሥራሕ ከአ ነዚ ዘኽብር ክኸውን አለዎ፣ ቅድሚ ክልተ ዓመት አብ ሓደ ፋብሪካ ብሓደጋ ናይ ዝሞቱ ሓሙሽተ ሰብኡትን ክልተ አንስትን ዜጋታት እንክዝክር የሕዝነኒ፣ አብቲ ቦታ ፋብሪካ ይሰርሑን ይድቅሱን ነሮም፣ እሞኸአ ብካርቶን ዝተሰርሐ ከውልን ዓራታትን፤ እዚ ዘሕዝን ትራጀዲ እዩ፣ ቅጥዒ አልቦ ምዝመዛ እውን እዩ፣ አብዚ ክንደይ ብልሽውናን ዓመጽን ከምዘሎ ትግንዘብ፣ ነዚ ክሳብ መወዳእታ ክትቃለስዎ አሎኩም፣ እዚ መንሽሮ ኅብረተሰብ ዝኾነ መርዚ ዘይሕጋውነት እዩ፣ ስለዚኸስ ክሳብ መወዳእታ ክትቃለሱ ንሓቂ ተዓጢቅኩም ንሓቅን ንፍትሕን ተቃልሱ፣ አብ መወዳእታ ንኩልኹም ከተባብዕ እደሊ፤ መንእሰያት አጆኹም! ትማሊ ምሸት ወጋሕ ትበል ለይቲ ናይ ጸሎት ጌርኩም ሰሚዔ! ምል እቲ ለይቲ እግዚአብሔር ይሃበለይ የቀንየለይ፣ እታ ብጸሎትን ሥራሕን ብሱቍታ ፍቅራ ዝገለጸትን ንቀዳም ናይ ቀብሪ ወዳ ናብ ናይ ትንሣኤ ሰንበት ዝቀየረት ስለዝኾነት ዝኾነ ዝደኸመ ብኩነታት ሕይወት ዝተጸቅጠ አብ አ ይማ ዕቈብ ከመይ ንሳ አደ ስለዝኾነት ወትሩ አብ ጥቃና ኮይና ተጸናንዓና ስለዝኾነት ወትሩ እምነትና አብ እግዚአብሔር ክንገብር ተተባብ ዓናን ት ዕድመናን ወዳ አይክጠልመናን እዩ አብ ልባትና ከአ ዘይጠለም ተስፋኡ ክዘርእ እዩ” እንክብሉ ቃሎም ሃቡ፣

 

ብደሕሪዚ ቅዱስነቶም እንደገና ናብታ ካብ ቫቲካን ሒዛቶም ዝመጸት ሄሊኮፕተር ተሰቂሎም ድሕሪ ናይ ርብዒ ሰዓት በረራ አብ ከተማ ፊረንሰ ዝርከብ ልዊጂ ሪዶልፊ ናይ አትለቲክስ ሜዳ ዓሊቦም፣ አብ ከተማ ፊረንሰ አብ አደራሽ ካተድራል ቅድስት ማርያም ዘፍዮረ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ክሳብ ድሕሪ ጽባሕ ዝካየድ ሓሙሻይ ሃገራዊ ጉባኤ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን “ሓዲስ ሰብ አውነት ብኢየሱስ ክርስቶስ” ዝብል አርእስቲ ተአንጊቡ ይካየድ አሎ፣ ቅዱስነቶም እውን አብዚ ጉባኤ እዚ ክሳተፉን ቃሎም ክህቡን ብመደብ ተታሒዙ ስለዝነበረ፣ አብቲ ጉባኤ ተረኺቦም ድሕሪ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩምን ሰላምታን ቃል ተጋባእቲ ቅዱስነቶም ነዚ ዚስዕብ ቃል ሂቦም፣  

"

10/11/2015

ንሕዝቢ ቀረባ ዝዀነት ምስ ስልጣን ከይወደበት ብእስትንፋስ መንፈስ ቅዱስ ንኽትምራሕ ዘይትፈርሕ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኢጣሊያ እምነ ዝብል ቃል ዘማእከለ ንዅሎም ተጋባእያን ሓምሻይ ብሔራዊ ዋዕላ ቤተ ክርስቲያን ሰላምታኦም ብምቕራብ፦ ናጻን ንሕዝቢ ቀረባ ዝዀነት ብመንፈስ ቅዱስ እትምራሕ ካብ ስልጣን ዝረሓቐት ቤተ ክርስቲያን እምነ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝለግስዎ ስልጣናዊ ምዕዳን ንተጋባእያንን መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኢጣሊያን ንማሕበረ ክርስቲያን ናጻን ንሕዝቢ ቀረባን ንእዋናዊ ብድሆታት ንምግጣም ዘይትፈርሕ ዝብል ቤተ ክርስትያናዊ መዕቅን ሓቢሮም፣ ነቲ ኣብቲ ካቴድራል ቅድስተ ማርያም ዘፍዮረ ዝተነብረ ቅብኢ ኵላዊ ፍርዲ ድማ ተወኪሶም እቲ ቅብኢ እግዚኣብሔር ሓደ ወዱ ዝለኣኸ ንዓለም ክፈርድ ዘይኰነስ ብኣኡ ዓለም ምታን ክድሕን ቢሉ እዩ። ንሕና እውን ከምኡ ገዛእ ርእስና ትሕት ከነብል ዝተጸዋዕና ኢና። ክሳብ ኣብ መስቀል ከም ጐይታ ኩለንተናና ክንቕንጥጥ። ከምዚ እንተዘይከነ ድማ ክርስትያናዊ ሰብኣውነት እንታይ ምዃኑ ጠሪሽና ክንርዳእ ኣይከኣለናን፣ እነቕርቦ ቃል ውቁብን ዝተዋደደን ሊቓዊ ክኸውን ዝከኣል እንተዀነ ቃል እምነት ዘይኰነ ኣብ ባዶነት ዘቃልሕ ኰይኑ እዩ ዝተርፍ።

ቤተ ክርስቲያን ኣብ ናይ ሓሶት ቅርጽታት ገዛእ ርእሳ ካብ ምዕጻው ትወገድ

ቤተ ክርስቲያን እቲ እውነተይና ሰብኣዊነት ዝገልጾ ሰለስተ መዕቅናት ሰብኣውነት፣ ውልቃዊ ረብሓ ዘይብል ብፅዕናን ዝብሉ ገሊጾም፣ እቲ ቀዳማይ ካብ ውልቃዊ ሞጐስን ክብርን ኣብ ልዕሊ ካልኦት ጽልዋ ካብ ንምዃን ህርፋን ይዕቅበና። ልባትና ብሃብትን ብውልቃዊ ዕጋበትን ምልኣተ ገዛእ ርእሲ ዝተመልኤ ምስ ዝኸውን ንእግዚኣብሔር ቦታ ኣይክህልዎን እዩ።

ኣብቲ ናይ ሓሶት ዋሕስ ዝህቡና ዝመስሉ ቅርጽታትን ናብ ዘይዕጸፉ ደያኑ ዝቕይሩና ሕግታትን ኣብቲ ርጉእነት ክስምዓና ዘምስሉ ልምድታት ገዛእ ርእስና ሓደራ ኣይንዕጸው (ወንጌላዊ ሓሴት. ቍ. 49)። ሓላፍነትና ዓለም ብሉጽ ክኸውን ምዕያይን ምግዳልን እዩ። እምነትና ካብ መንፈስ ቅዱስ ብዝመጽእ ድርዀት ሰውራዊ እዩ። ካብ ገዛእ ራስና ንኽንወጽእን ብመሰረት ወንጌል ሰብኣውያን ክንከውን መታን እዚ ድርኾት’ዚ ንስዓብ። ክርስቲያን ብፁዕ ዝኸውን ናይ ወንጌል ሓሴት ምስ ዝህልዎ እዩ። ነቶም ዓበይቲ ቅዱሳን ብፅዕና ማለት ገዛእ ርእኻ ምውራድን ድኽነት ምንባርን ማለት እዩ።

ቤተ ክርስቲያን ህርፋን ናይ ስልጣን ኣይሃልዋ እንተዘይኰይኑ ቕዝሕትን ሕዝንትን እያ እትኸውን

ኣብቲ ትሑት ክፍሊ ሕብረተሰብ እቲ ብፅዕና ኣሎ። ኣብ ምታሕብባር ኣብ ተበጃውነትን ኣብቲ ከቢድን ኣብ ዝምዝምዝን ዕዮ ዘሎ እዩ። ትሕትና ኢረብሓውን ብፅዕናን ዝብሉ ቃላት ነታ ሎሚ ንኽትጓዓዝ ኣብዚ ሲኖዶሳዊ ኣብነት ኣብ ምንባር ብሓባር እትርከብ ዘላ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኢጣሊያ እውን ዝዛረቡ እያቶም።

ቤተ ክርስቲያን እቲ ፈሪሳውነት ኣጥባቒ ስርዓትን ሕግን ካብ ዝብል ቤተ ክርስቲያን ዕብይትን ረብሓ እትብልን ዘይብፅእትን ንኽትኸውን ካብ ዝዅትኩትዋ መግድታት ትጠንቀቅ፣ ናይ ክርስቶስ ጦብላሕታ ክህልዋ ይግባእ ደኣ እምበር ኣብ ውዳቤኣን ኣብቲ ፍጹም ረቂቕ ዝዀነ ዝሕንጸጹ መደባታን እማኔ ኣይሃልዋ። ማዕረ እቲ ተልእዀኣ ዝበረኸት ትኹን፣ ጦብላሕታ ኢየሱስ ድማ እታ ውልቃዊ ረብሓይ እትብል ቤተ ክርስቲያን ሕዝንቲ ምዃና እዩ ዝሕብር።

ሕግን ስርዓትን ነቲ እምነቱ ኣብ ሕጊ ዘንብር ውሕስነት ክስምዖን ንጹር ልልያ ከምዘለዎ የሰምዖ እዩ፣ ሰለዚህ ኣብ ድርቅና ሕጊ ደኣ እምበር ኣብቲ ህዱእ ንፋስ ዝዀነ መንፈስ ኣይኰነን እቲ ሓይሉ። መፍትሒ ጸገማት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣኽራርነትን ዓቃውባውነትን ኣብቲ ትርጉም ክህልዎም ዘይክእሉ ብቕዓት ዘይብሎም ኣብ ኣጥባቕነት ሕግን ውርዙይነትን ምድላይ ከንቱ እዩ።

ቤተ ክርስቲያን ብመንፈስ ቅዱስ ክትምራሕ ገዛእ ርእሳ ትፍቀድ

ናይ ቤተ ክርስቲያን ዓንቀጸ ትምህርቲ ዕጹው ሕቶን ምጥርጣርን ናይ ምቕራብ ብቕዓት ዘይብሉ ማለት ዘይኰነስ ህያውን ከጨንቕ ዝኽእልን ዘነቓቕእሕን እዩ። ገታር ኣካል ዘይኰነስ ዝንቀሳቐስን ዝምዕብልን ልምሉም ኣካል ንሱ ድማ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ነዚ ኣተሓሒዞም ሕዳሴ ቤተ ክርስቲያን ቅርጽታት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምልዋጥ ዝጽንቐቕ ዘይኰነስ ምስራት ኣብ ክርስቶስ ማለት እዩ።

ጓሶት ካብ ሕዝቢ ዝረሓቑ ከይኰነ እላበው

ሕዝብን ጓሶትን ዝብሉ ነጥብታት ድማ ጠቒሶም ክልእቲኣቶም ንሓድሽ ሰብኣውነት ንምንቕቓሕ ብሓባር እንታይ ክውስኑ ዝተጸውዑ እያቶም፣ ብፁዓን ጳጳሳት ካልእ ዘይኰነ ጓሶት ክኾኑ እምሕጸን፣ ሓጎሶም ጓሶት ኣብ ምዃን ይዅን፣ ጓሶት ምስ እትዀኑ ሕዝቢ መጓሰይ ይኸውን ሕዝቢ ድማ ደገፍኩም ይኸውን።

ምስ ኵሉ ንምዝታይ ፍርሒ ኣይሃልኹም

ከም ጓሶት ናይ ዝተሓላለኸ ዓንቀጸ እምነት ሰባክያን ዘይኰነስ ሰባክያን ናይቲ ሞይቱን ሞት ስዒሩን ዝተንስኤ ክርስቶስ ኩኑ፣ ቅድስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝበልዎ ሓሳብ ጠቒሶም ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ድኻታት ብሉጻታ እትገብር ቤተ ክርስቲያን ትኹን።

ምይይጥ ዝርርብ ወይ ድማ ሽምግልና ማለት ኣይኰነን፣ ዝርርብ እጃምካ ንምርካብ እትጽዕረሉ ኣገባብ እዩ፣ እዚ ኣይኰነን እቲ ዘድሊ፣ እቲ ዘድሊ ምይይጥ እዩ፣ እዚ ማለት ድማ ናይ ሓባር ጥቕሚ ምቕዳም ማለት ይኸውን። ዘት ምርኻ ብክልተ ተጻባእታ ሳካየድ ርክብ የስምዕ፣ ኣብ ምይይጥ ዘይምርድዳእ ክፍጠር ዝከኣል እዩ ንተጻባእነት ግና ኣይድርኽን።

ዝተፈተኹም መንእሰያት ህርኵታት ንብልጽቲ ኢጣሊያ

ምንጽጻርን ሓናጺ ነቐፌታን ቲዮሎጊያ ናብ ርእየት ዓለም ከይንልውጥ ጽኑዕ ደገፍ እያቶም። እቲ ንዘተ ብሉጽ ዝዀነ ዓለም እቲ ምዝርራብን ምኽርካርን ዝንበሮ ዘይኰነስ፣ እቲ ብሓባር እንዓየሉን ብሓባር እንሓንጸሉን ብብሕትና ዘይኰነስ ብሓባር ውጣኔታት እንገብረሉ እዩ። እዚ ድማ ኣብ መንጐ ካቶሊካውያን ጥራሕ ዘይኰነ ምስ ካልኦት መንእሰያት ምትሕብባር እውን እዩ ኢሎም።

እትጭነቕ ንድኻታት እትሓስብ ንድኻታትን ዕሩቓትን ቀረባ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ኢጣሊያ ባህ ተብለኒ። ኣእዳዎም ንሰማይ ሓፍ ዘበሉ ንሰማይ ሓፍ ዘብሉ እዚ ማለት ድማ ቅድም ቀዳድም ፍቕሪ እግዚኣብሔር መሰረታ ዝዀነት ከተማ ብምሕናጽ እዩ። በዚ መገዲ’ዚ ድማ እዋናዊ ብድሆታት ክትገጥምዎን ለውጥታትን ምቅያያራትን ክትነብሩ ትኽእሉ።

ቤተ ክርስቲያን ኢጣሊያ ንዝተረስዑን ንዝተናዕቁን ቀረባ

እንበረሉ ዘሎና እዋን ብዙሕ ጊዜ ንገዛእ ርእስና ድምብርጽ ዘብሉና ዝተፈላለዩ ንምርዳኦም ዘጸግሙና ሓደስቲ ብድሆታት የቕርብ ኣሎ፣ ኣብ ቅድሚ እዚ ኩነት እዚ መናድቕን ዶባትን ዘይኰነስ መራኽቢ ቅርዓትን ኣብ ሰጣሕ ጎልጎል ኣባይቲ ሕክምናታት ንኽትሃንጽ ዝተጸዋዕና ምዃና እዩ ዝሕብረና ኢሎም።

ኣብ መወዳእታ ቅዱስ ኣቦና ሰበኻታት ኢጣሊያ ጉባእያዊ ማለት ሲኖዶሳዊ መንፈስን ተግባርን ክነብራን ወንጌላዊ ሓሴት ከዕሙቓን ኣተሓሳሲቦም፣ ኣብ በሊሕ ክርስትያናዊ ጥበብ ኢጣሊያ እምነት ይሃልኹም… የቐንየለይ ኢሎም። "

ከምዚ አብ ላዕሊ ዝተገልጸ ቅዱስነቶም ምስ ተጋባእቲ ሓሙሻይ ሃገራዊ ጉባኤ ቤተክርስትያን ሃገረ ጣልያን ቃሎም ምስ ሃቡ ናብ ናይ ብሥራተ ማርያም ባዚሊካ ብምኻድ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ምስ ደገሙ ነቶም አባኡ ዝርከቡ ሕሙማን በብሓደ ሰላምታን ቡራኬን ድሕሪ ምሃብ ልክዕ ፍርቂ መዓልትን ፈረቃን ብስም “ናይቲ ድኻ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ቤት ምግቢ” ዝፍለጥ ንድኻታት ዝቅልብ ማእከል ምስ ዝተረኽቡ ድኻታት ሓቢሮም ምሳሕ በሊዖም፣ ድሕሪ ዕረፍቲ ከአ በቆጻጽራ ናይ ሃገረ ጣልያን ሰዓት አርባዕተ ርብ ዒ ጎደል አብ ሜዳ አርተምዮ ፍራንኮ በሽሓት ዝቍጸሩ ም እመናንን ውሉደ ክህነትን አብ ዝተረኽቡሉ መሥዋዕተ ቅዳሴ አ ዕሪጎም፣ ብድሕሪ መሥዋዕተ ቅዳሴ ምስ ምምሕዳር ዓድን ሰበሥልጣን መንግሥትን ብምርኻብን ምስንባትን ናይዚ ሓዋርያዊ ዑደት ፍጻሜ ኾይኑ፣ ሕጂ መደብና አብ ዝመሓላለፈሉ ሰዓት በታ ሎም ንግሆ ሒዛቶም ዝኸደት ሄሊኮፕተር አብ ከተማ ቫቲካን ክምለሱ ትጽቢት ይግበር፣








All the contents on this site are copyrighted ©.