2015-11-08 16:42:00

ምስ ማርያም ኮንካ ኵሉ ዘሎካ ሂብካ ምኽአል!


ንባባት፡ ፩ቆሮ 3፡9-17፥ ያዕ 1፡1-12፥ ግ.ሓ. 28፡7-17፥ ዮሓ 2፡13-22     ምስባክ፡  “አርውዮ ለትለሚሃ፥ ወአስምሮ ለማዕረራ፥ ወበነጠንጣብከ ትበቝል ተፈሢሓ” “ንነግሕታታ ተስትዮ፥ ንድንኵላታ ትምድምዶ፥ ብዝናም ተለምልማ፥ ንብቝላ ትባርኾ” መዝ. 65፡10።

መዝሙር፡ ክርስቶስ ሰንበት ሠርዓልና ብአኡ ሓቢርና ክንሕጎስ ዕረፍቲ ክትኮነና ሃበና፥ግራውቲ ወይኒ ዓምበቡ አታኽልቲ ፈረየ ሰለሙን እኳ ከም ሓደ ካብኦም አይለበሰን። መዓልቲ ሰንበት ምስ አምላኽ እንራኸበላ ጸጋ እንዕደለላ ዕለት ስለ ዝኾነት ክነኽብራ ይግባእ። ሰንበት አኽብሩ ጽድቂ ግበሩ ይብለና አምላኽ። ሰንበት ዘየኽብር ንአምላኽ አየኽብርን እዩ ስለዚ ብምዓልቲ ሰንበት ክንጽሊ ክንሳሕ አብ መአዲ ቅ. ቍርባን ክንሳተፍ ይግብአና።

፭ይ ሰንበት ዘጽጌ ኢና ዘኪርና ዘሎና። አስተንትኖና ምስ ማርያም ኮና ድላይ አምላኽ ምግባር እዩ። ሰብ ሕጉስን ቅሱንን ሕይወት ዘሕልፍ ምስ አምላኽ ክራኸብ እንከሎ ጥራሕ እዩ። ቅ. አጎስጢኖስ “ነፍስና ንአኻ ምስ ረኸበት ጥራሕ እያ ዕረፍቲ እትረክብ” ይብል እዚ ኸአ ካብቲ ዘሕለፎ ተመክሮ ሕይወቱ ብምርአይ እዩ።

ማርያም አምላኽ ካብአ ዝደልዮ ኵሉ ክትህብ ፍቓደኛ ኮይና “ሕራይ” ክትብል እንከላ ኵሉ ንስኻ እትደልዮ ክገብር ፍቕደኛ እየ ኢላ። ሰብ ሎሚ ሓደ ካብቲ ከቢድዎ ዘሎ ነቲ አምላኽ ካብኡ ዝደልዮ ክህብ ወይ ክሕግዝ ፍቓደኛ ምዃን አብዩ ባዕሉ አብ ዝደለዮን ዝሓሰቦን ጥራሕ ወፊሩ አሎ። ማርያም ሎሚ እውን “ወደይ ዝበለኩም ግበሩ” ትብለና አላ።

አብ ሕይወተይ መጀመርያ ንመን ሰሪዐ እነብር አሎኹ ክንብል እምብአር እዋኑ እዩ። ልዕሊ ዝኾነ ንአምላኽ ክንሰርዕ እንተ ኸአልና ካብ አምላኽ ርሑቓት አይ ኮናና። ሃብቲ ጥዕና ክእለት ከምኡ ካልእ ነገራ ጥራሕ ነቐድም እንተ ኾና ጌና አብ ጸልማት ኢና ዘሎና። ብርሃና ክበርቕ ዝተባረኸ ሕይወት ክነብር ቦታ አምላኽ አብ ሕይወተይ መን ሒዝዎ አሎ ኢልና ክንሓትት ይግብአና። ስምዒትና ድለትና አነ ዝብል ጥራሕ ክነቐድም እንከሎና አምላኽ ምሳና የሎን። ስለዚ እዋኑ ምስ ማርያም ኮና “ነፍሰይ ንአምላኽ ተዕብዮ” እናበልና ርክብና ምስ አምላኽ ርኢና ንኽአል።

አብዚ ፭ይ ሰንበ ዘጽጌ ቤተ ክርስትያን ፍቕሪ ክንምሃርን አብ ዕለታዊ ሕይወትና ክነተግብር ተበራትዓና። ከምቲ ክርስቶስ ብምሉእ ሕይወቱ ምእንቲ ድሕነትና ኢሉ ንገዛእ ርእሱ ዘወፈየ ንሕና እውን ንኻልኦት ክንውፈ ክንህብ ክነፈርሕ የብልናን። አብ ኩሎም ንባባትና ሓደ ጠርናፊ ሓሳብ ዘሎ ለገሳት ምዃን እዚ ኸአ ግዙፍ ህያብ ጥራሕ ዘይኮነ አብ ሓልዮትን ጸጋ አምላኽን አሚንካ ገዛእ ርእስኻ ምስ ምሉእ እምነት አወፊኻ ምኽአል እዩ።

አብ ወንጌል ብዛዕባ ሓንቲ መበለት አብ ቤተ መቕደስ ዘልአ ገንዘብ ብምልኡ ዝመጽወተት  ይነግረና። አብ ቤተ መቕደስ ኢየሩሳሌም አብ ጊዜ ኢየሱስ 13 ሙዳየ ምጽዋት (ሳጹን) ነረን። እዚ ኸአ ሰባት አብኡ ቀሪቦም ንመስዋዕቲ ዝኸውን ክሕግዙ ኢሎም ወይ ነቲ አብ ቤተ መቕደስ ዘውጽእዎ ክሕግዝ ኢሎም ዘወፍዩሉ እዩ ነሩ። ብዙሓት ጽቡቕ አብዚሕ አቢሎም ይምጽውቱ ነሮም። ሓንቲ መበለት ከም ኵሉ ሰባ ቀሪባ ዝነበራ ክልተ ሳንቲም ዚአክል ቆድራንቴን አቕሪባ፥ ዝወሓደ ገንዘብ።

ማርቆስ ወንጌላዊ ኢየሱስ ብዙሓት ምጽዋት ከውርዱ እንከለዉ “ይርኢ” ነሩ ይብለና። ንሓዋርያቱ ሓደ ነገር ከስተምህሮም ደልዩ ሎሚ ኸአ ንአና። “ካብዞም አብዚ መቐበል ምጽዋት ዘውደቝ ዅሎም እዛ ድኻ መበለት እዚአ ዚበዝኅ ከምዘውደቐት ብሓቂ እብለኩም አሎዅ”። አብዚ አምላኽ እንታይ ከምዝደሊ ንርኢ ንሱ ገንዘብ አይ ኮነን ዘድልዮ ንአና ልብና እዩ ዝደሊ። እዚ ኻብቶም ብዙሓት ብሓላፍነት ዝሕተቱ ወይ መራሕቲ አይ ኮነን ተገሊጹ ብሓንቲ መበለት ድኻ እዩ። አብ ጊዜ ኢየሱስ እቶም ዝደኸዩ ዝብሃሉ ‘ዘኽታማትን መበለታትን’ እዮም ነሮም። ሓጋዚ ቤተ ሰብ፥ ስድራ ዘይብሎም ዝኾነ ሓገዝ ዘይብሎም፥ ስለዚ ዘየድልዩ እዮም። መበለታት እውን ብዓልበተን ብሕማም ወይ አብ ውግእ ምስ ሞተ ዕድሚአን ብዘየገድስ ካልአይ ክምርዓው ብዙሕ ዕድል ዘይብለን አብ ቅድሚ ስድራ መዋቲ ሰብአያ ይዅን አብ ርእሳ ብዙሕ አድላይት ዘይኮነት እያ። ቆልዑት ዘይብላ እንተኾነ እውን እቲጸገም ከቢድ እዩ።

እዚ ናይ እዋኑ ጸገማት እዩ ነሩ እንተ ኾነ ኢየሱስ በዛ ድኻ መበለት እዩ ሓቀኛ ምጽዋትን ፍቕርን እንታይ ምዃኑ ኽገልጽ ደልዩ። እዚ ዝወሓደ ገንዘብ እዛ መበለት ዘቕረበቶ ካብ ኵሎም እቶም ብብዝሒ ዘቕርቡ ዝነበሩ ከምዝበዝሕ ብሓቂ እብለኩም አሎዅ ምኽንያቱ ኸአ ዅሎም ካብ ተረፎም እዮም ዘውደቑ እዚአ ግና ካብ ድኽነታ ዘለዋ ዅሉ ጥሪታ እያ ዝሃበት” እናበለ እነወፍዮ ነገር ብዝሒ ዘይኮነ ልብና ብዝያዳ ከምዘድሊ ይነግር።

አብዚ ኢየሱስ ዓበይቲ ነገራት አብ እንቕርቦ ምጽዋት ክንገብሮ ዝግብአና ይሕብረና።

ሓቀኛ ምጽዋት መስዋዕቲ ክኸውን አለዎ። ዘገድስ እቲ እንህቦ ብዝኂ ምጽዋት ዘይኮነ ኲንኡ ዘሎ እነቕርቦ ናይ መስዋዕቲ መንፈስ እዩ። ውሑዳት ሰባት እዮም ነቲ ዘልኦም ሃብቲ ወይ አብ ሕይወቶም ናተይ ዝብልዎ ብገዛእ ፍቓዶም አብ ጥቕሚ ካልኦት ዘውዕሉ። ብዙሕ ጊዜ እንምጽውቶ ንአና ብዙሕ ዘየድልየና እንተ ሃብናዮ ዘየጸግምና ኢና እንህብ። ቤተ ክርስትያን ሎሚ አብ እንህቦ ምጽዋት ንእሽቶይ ምልክት መስዋዕቲ ገርና ክነቕርቦ ትደልየና። እታ ንኤልያስ ዝመገበት መበለት ክትምግቦ እንከላ መስዋዕቲ ገራ እያ (፩ዘነ 17፡1016)። አብ ወንጌል እታ መበለት ዘለአ ኵሉ እያ አወፍያ።
ሓቀኛ ምጽዋት ንጽባሕ ወይ ድሕሪኡኸ ዝብል መንፈስ ዘይብሉ አብ ፍቕሪ ዝተመስረተ እዩ። እዛ ናይ ወንጌል መበለት ነታ ሓንቲ ሳንቲም ንርእሳ ክተትርፋ ትኽእል ነራ፥ ንክልቲአን እውን ንርእሳ ክትእክበን ትኽእል ነራ፥ እንተ ኾነ ኵሉ ዘልአ እያ አወፍያ። ካብ ቤት አምላኽ ክትወጽእ እንከላ ኵሉ ዘልአ ከይመጽወተት ክትወጽእ አይደለየትን።
ምጽዋት አብ እምነት ዝተመስረተ ክኸውን ይግባእ (surrender)። እዛ መበለት አብ አምላኽ ምሉእ እምነት ገራ ንዅሉ ዘልአ አብ ቅድሚ አምላኽ አቕሪባ። ሓንቲ ንርእሳ አየትረፈትን። ንአምላኽ አብ እነቕርቦ ወይ ንሓደ ጽጉም አብ እንህቦ ብምሉእ ልብና እንተ ኾነ ዓስቢ አልኦ።
እዛ ድኻ መበለት አምሳል ኢየሱስ እያ። ንሳ ዘልአ ዘበለ ኵሉ ሂባ እምነታ ብምልኡ አብ አምላኽ ገራ። ኢየሱስ ካብ ፍቕሪ ሰማያዊ አብኡ ተላዒሉ ሕይወቱ፥ ስርሑን ኵሉ እቲ ጽቡቕ ዝገብሮ ዝነበረ ብምልኡ ምእንታና ንአምላኽ ሂቡ። በዚ ኸአ ንነፍሲ ወከፍና ተኸታሊ ኢየሱስ ዝኾነ ክገብሮ ዘለዎ አስተምሂሩና። 

አብ ሓደ ዝንገር ታሪኽ ሓደ አቦ ናይ 3 ዓመት ጓሉ ሓደ ወርቃዊ መጠቕለሊ ወረቐት ስለ ዘጥፍአት አበርቲዑ ቀጺዕዋ። አብቲ እዋን ገንዘብ ብቐሊል አይርከብን እዩ ነሩ። ጓሉ ነቲ ዝነበረ ባኮታት አብ ትሕቲ ናይ ልደት ኦም ክተቐምጥ ምስ ረአያ ተናዲዱ። እዛ ንእሽቶ ሕፃን ንጽባሒቱ ነቲ ህያብ አብ አብአ አቕሪባቶ ከምዚ ኢላቶ “አቦ እዚ ህያበይ ንአኻ እዩ”። በቲ ዝገበሮ ተጣዒሱ ሓቚፍዋ እንታይ ምዃኑ ክፍት እንተ አበለ ጥርሑ ዝኾነ ባኮ ወዮ አቦ መሊሱ ተቖጢዑ ንጓሉ ገጹ እናጸወገ ሓሪቝ “ንሓደ ሰብ እህያብ ክትህቢ እንከሎኺ አብ ውሽጡ ሓደ ነገር ክትገብሪ ከምዘሎኪ አይትፈልጥን እንዲኺ” እናበለ ሓቲትዋ። እታ ንእሽቶይ ቆልዓ ዝርንዝሕ እናነብዐት ንላዕሊ እናጠመተት “አቦ ጥርሑ አይ ኮነን ዘሎ ብዙሕ ስዕመት ኡፍ ኢለሉ አሎዅ ኵሉ ኸአ ንአኻ እዩ” ኢላቶ። አቦ ልቡ ተሃሪሙ አእዳዉ አብ ልዕሊ ጓሉ አንቢሩ እቕረ በልለይ እናበለ ምሕረት ሓቲቱ፥ ነቲ ዝሃበቶ ወርቃዊ ሳጹንባኮ ኸአ አብ ጥቓ ዓራቱ ንዓመታት አቐሚጥዉ ነሩ። ዝኾነ ዘሕርቕ ነገራት ክገጥሞ እንከሎ ነቲ ባኮ ይስዕምን ነቲ ጓሉ አብኡ ዝመልአቶ ስዕመት ይዝክር ነሩ ይብሃል።

ክንህብ እንተ ኾና ምሉእ ልብና ውሃባይ ክኸውን አለዎ። ብዙሕ ጊዜ ክንህብ እንከሎና ገለ ንርእስና ነትርፍ። ንአምላኽ ብምሉእ ከይነወፊ ዝዓግቱና ዝኽልክሉና ነገራት አለዉ፥ ፍርሒ፥ ትዕቢት፥ ንአይ ይጥዓመኒ ከምኡ ዘይምፍላጥ ድንቍርና። ሎሚ እምብአር ንርእስና ክንምርምር እንታይ እዩ ንአምላኽ ከየወፊ ሕይወተይ ገንዘበይ ከዊልኒ ዘሎ ኢልና ክንሓትት ክንምርምር ግቡእ እዩ።

አብ ሕይወትና ፍቕርን መስዋዕትን ማዕረ ማዕረ ክነጓዕዘን አሎና። አብ ንባባትና ፩ያ ንአምላኽ ልዕሊ ኵሉ ገሮም ናይ ዝኽአሉ ሰባት ብርእሱ ክርስቶስ ምእንታና ኢሉ ርእሱ ከምዘወፈየ እዮም ዝነግሩና። ፪ይ አብ አምላኽ ምሉእ እምነት ክንገብር እንከሎና እንረኽቦ ጸጋ ይገልጹልና፥ እንተ ኾነ ሎሚ አብ ዓለምና ከምኡ አይኮናን እንርኢ። ሕይወት ብዙሓት ሰባት አብ እዋን ፈተናን ከምኡ አብ እምነቶም ከቢድ ጸገም ክወርዶም ኢና እንርኢ ዘሎና።

አብ ገለ እዋን ገለ ካባና እንተ ሃብና አነኸ እንታይ ክኸውን ክጽገም እየ ኢልና ካብ ምሃብ ነድሓርሕር። እንተ ኾን ክነስተውዕሎ ዝግብአና አሎ እታ ንሰባት እንህባ ንእሽቶይ ህያብና ካብቲ ንርእስና ኢልና እንህቦ ዝዓበየ ዝበለጸት እያ። ጦቢት ከምዚ እናበለ ይምዕደና “ብጾም ዝተሰነየ ጸሎትን ብቕንዕና ኻብ ዝረኸብካዮ ምምጽዋትን ጽቡቕ እዩ። ካብቲ ብዓመጽ ዝረኸብካዮ ብዙኅ እቲ ብቕንዕና ዝረኸብካዮ ሒደት ይበልጽ። ወርቂ ካብ ምእካብ ምጽዋት ምሃብ ይበልጽ። እዚ ልግሲ እዚ ኻብ ሞት የድኅነካ እዩ፥ ንዅሉ ኃጢአትካ ኸአ ኪሓጽበልካ እዩ፥ እቶም ንድኻታት ምጽዋት ዝህቡ ምሉእ ሕይወት ክረኽቡ እዮም” (ጦቢት 12፡8-9)። አበሃህላ አሎ “ዝህብ አይስእንን እዩ”። እዚ ኸአ እምነት አብ አምላኽ ንኹሉ ብነጻ ዝህበና ስለ ዝገብሩ እዩ።

ቅ. ጳውሎስ ከም ዝብለና አምላኽ ወሃብ ኩሉ ስለ ዝኾነ “ድለትኩም ዘበለ ኹሉ ከም መጠን ሃብቱ ብክርስቶስ ኢየሱስ ገሩ ብክብሪ ኺመልአልኩም እዩ” (ፊልጵ 4፡19) ይብለና። ንሱ ዘድልየናን ከመይ ኢልና ከም እንረኽቦምን ይፈልጥ እዩ። ክንገብሮ ዘሎና ከምታ መበለት አብ ወንጌል አብኡ ምሉእ እምነት ገርና ክንጉዓዝ እዩ። ሎሚ እምብአር ርሕሩሕ ልብን ብርቱዕ እምነትን ዓድለኒ አምላኸይ፥ ንኻልኦት ክሕግዝ ክህብ ከፍቅር ልዕሊ ኹሉ ኽአ ምእንቲ ድሕነት ካልኦት ምሉእ ሕይወተይ ከወፍየልካ ሓግዘኒ እናበልና ክንልምን ይግብአና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

 








All the contents on this site are copyrighted ©.