2015-11-07 16:34:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ኣማኒ ሕይወት ፈርዖን ዝነበር ክኸውን የብሉን


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስትራትኒውስ ምስ ኣተሰምየ ናይ ሆላንድ ዕለታዊ ጋዜጣ ዕለት 6 ሕዳር 2015 ዓ.ም. ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ወትሩ ስግኣት ምግባረ ብልሽውና ዘሎ ምዃኑን ብዛዕባ ደገፍ ቤተ ክርስቲያንን ንድኻታትን ሓደ ኣማኒ ድማ ፈርዖናዊ ሕይወት ዝነበር ክኸውን የብሉን ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ኣማእኪሎም ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንፃ ኣብ ዝርከብ ሓዋርያዊ መንበሪኦም ኰይኖም ኣብ ዝሃብዎ መልሲ፦

ምስ መንግስታት ግልጽነት ዝዓሰሎ ስምምዓትን፣ ስግኣት ምግባረ ብልሽውና ዘሎ እዩ

ቅዱስነቶም ኣብ መንጐ ሃገረ ቫቲካንን መንግስታትን ዝግበሩ ስምምዓት ግልጽነት ዝዓሰሎ እዩ፣ ዝዀነ ይኹን ስምምዕ ድማ ግልጽን ንጹርን ክኸውን ኣለዎ፣ ንኣብነት እዚ ዘሎናሉ ሕንጻ ነመሓድሮ ኢና፣ ንምምሕዳሩ ዝወጽእ ሃብቲ ገንዘብ ግልጽን ንጹርን ቅጽጽር እውን ዝግበሮ እዩ። ስለምንታይ ሃይማኖታዊ ትካል ይኹን ፍትሃ ትካል ብዘየገድስ ፈተና ምግባረ ብልሽውና ኣብ ኩሉ ዘሎ እዩ። ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ሓደ እዋን ምስ ናይ ኣርጀንቲና ናይ ኤኮኖሚ ሚኒ. ዝነበሩ ዝተፈላለዩ ግልጽነት ዘይነበሮም ዘይንጹር ስምምዓት እሺ ቢሎም ካብ ምቕባል ብገዛእ ፍቓዶም መዝነቶም ዝለቐቑ ቅኑዕ ሰብ ተራኺቦም ዝበልዎ ሓሳብ እውን ምዃኑ ዘኪሮም፣ ንድኻታት ክንድዚ ንዋታዊ ደገፍ ክንድዚ ሃብቲ ገንዘብ ተወፍዩ ክበሃል እንከሎ እቲ ናብቲ ድኻ ዝበጽሕ ክንደይ እዩ ዝብል ሕቶ ነቶም ነበር ሚኒ. ምስ ኣቕሪቦምሎም እቲ ናብቲ ድኻ ዝበጽሕ 35 ሚእታዊ ኣንክብሉ ከምዝመለሱሎም ዘኪሮም፣ እዚ ድማ እቲ 65 ሚእታዊ ኣበይ ይጠፍእ? ከምዝመስለኒ ኣብ ንዓይን ነዓኻን እዩ ዝተርፍ።

ናይ ቤተ ክርስቲያን ሃብቲ ንኣባይቲ ሕክምናን ኣባይቲ ትምህርትን

ሃብቲ ቤተ ክርስቲያን ንቕርጽታት ቤተ ክርስቲያን ንምንባይ ዘገልግልን ንዝተፈላለዩ ድኻታት ሃገራት ኣብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ትምህርትን ሕንጸትን እቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝርከብ ናይ ሰብኣዊ ቅርሲ ተባሂሎም ዝግለጺ ክሽየጡን ክልወጡ ንዘይክእሉ ናይ ቅብእን ናይ ቅርጸ ሓወልት ብሓፈሻኣኡ ናይ ስነ ጥበብ ሃብትታት ንምምሕዳርን ምዕቃብን ብኻልእ መዳይ እቲ ኣነ ዝቕበሎ ናይ ግሊ ሕያባት ንከምዚ ዓይነት ኣገልግሎት መታን ክውዕል ድማ ክሽየጥ ፈቒደ እየ።

ኣማኒ ሕይወት ፈርዖን ዝነበር ክኸውን የብሉን

ሓደ ኣማኒ ብዛዕባ ድኽነትን ተኣዝዞን ዝዛረብ ኰይኑ ግና ሕይወት ፈርዖን ዝነበር እንተድኣ ኰይኑ ይጋገ፣ ብሓቂ ድኻ ዘይብሉ ዓለም ከምዝምነዩ ድማ ገሊጾም፣ ሰብኣዊ ስስዔን ህርፋንን ወትሩ ዘሎ እዩ፣ ዘይምትሕብባርን ንኣይነትን እዩ ድኽነት ዝፈጥር። ምእንቲ’ዚ ዓለም ብዘይ ድኻታት ምሕሳብ የጸግም ይኸውን፣ ቤተ ክርስቲያን ንገዛእ ርእሳ ድኻ ክትኸውን ኣለዋ። ኢየሱስ ናብዚ ዓለም ኣልቦ ቤትን ድኻን ኰይኑ እዩ ዝመጸ። እዚ ድማ ንኹሉ እዩ። ዓለማዊ ይኹን ኣባል ውሉደ ክህነት ማሕበራትን ገዳማትን ዝምልከት እዩ። ብብቕዓት ናይ ምንባር ናብራ ሰብኣዊ ክብሪ እዩ። እዚ ድማ ስራህ መንበሪ ቤትን መሬትን ምህላው ዝብል እዩ።

ኣብ ቅድስቲ ማርታ ናጽነት ይስምዓኒ

ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ክሕረዩ ዘይተጸበዩ ከምዝነበረን፣ እዚ ሕርየት’ዚ ጸጋ እግዚኣብሔር ኰይኑ ውሳጣዊ ሰላመይ ዓቂበ ኣለዅ፣ እግዚኣብሔር ክሳብ ሓይሊ ዝሃቦም ከምዘገልግሉን፣ ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ክነብሩ ድላዮም ምዃኑን ኣብ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮን ኣብ ቁምስናታትን ብዘካይድዎ ሓውጾተ ኖልዎ ድማ ምስ ሕዝቢ ከምዝራኸቡን ገሊጾም ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።    








All the contents on this site are copyrighted ©.