2015-11-05 17:01:00

ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ውሳኔ ጉባኤ ካልኣይ ቫቲካን ዛዕባ ተልእኾ ዓለማውያን ምእመናን


ዕለት 10 ሕዳር 2015 ዓ.ም. ኣብ ጳጳሳዊ መንበር ጥበብ ቅዱስ መስቀል ኣብ ዝርከብ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ጸዋዕታን ተልእኾን ዓለማውያን ምእመናን ድሕሪ መበል 50 ዓመት ናይ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ውሳኔ ተልእኾ ዓለማውያን ምእመናን ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ዓውደ መጽናዕቲ ክካይድ ምዃኑ ካብቲ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ዝወጸ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ዕለት 18 ሕዳር 1965 ዓ.ም. ዝጸደቐ ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዛዕባ ተልእኾ ዓለማውያን ምእመናን ጸዋዕታን ሱታፌ ዓለማውያን ምእመናን ዓቢይ ግምት ስለ ዘውሃበ ድማ ኣብ ቅድስቲ መንበር ብትኽክል ናይ ዓለማውያን ምእመናን ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ክቐውም ኣነቓቒሑ እዩ፣ እዚ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ’ዚ ድማ ንዓለማውያን ምእመናን ብዝምልከት ጉዳይ ንቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዘገልግል ምዃኑ ዘመልከተ መግለጺ ጳጳሳዊ ቅዱስ መስቀል መንበረ ጥበብ ኣስዒቡ በቲ ንኽካይድ ተወሲኑ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ኣቢሉ ድማ እቲ ናይ ዓለማውያን ምእመናን ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣብ ውሳኔ ተልእኾ ዓለማውያን ምእመናን ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘንበሮ ቲዮሎጊያዊ ሕሳቤ ዛዕባ ዓለማውያን ምእመናን ክስትንተንን ብምትብባዕ ዘነቓቕሖ ምዃኑ ድማ ኣፍሊጡ ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ሉጋኖ ናይ ቲዮሎጊያ መንበረ ጥበብ መምህር ፕሮፈሰር ኣርቱሮ ካታነዮን ከምኡ ድማ ጳጳሳዊ ናይ ዓለማውያን ጉዳይ ሓልዮ ድርገት ምኽትል ኣቦ መንበር ፕሮፈሰር ጉዝማን ካሪኵርይ ለኩር ዓለማውያን ምእመናን ኣብ እዋናዊ ባህላውን ማሕበራውን ኩነትን ብፍላይ ድማ ብወንጌላዊ ሃሴት ዓዋዲ መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና  መሠረት ገይሮም ሰፊሕ ኣስተምህሮ ከቕርቡ ምዃኖም ሓቢሩ።

ካልኦት ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኦ ጠቢባን ስነ ዓለማውያን ምእመናን ኣብቲ ብናይ ስነ ቤተ ክርስቲያን ሊቅ ፊሊፕ ጎይረት ሕዳሴ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ ዓለማውያን ምእመና ጉዳይ ብዝብል ኣርእስቲ ብዘቕርብዎ ኣስተምህሮ ዝኽፈት ዓውደ መጽናዕቲ ኣስተምህሮ ከምዘቕርቡን ከምኡ እውን ዕለት 10 ሕዳር 2015 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ ናይ ስርዓተ ኣምልኾን ቅዱሳት ሚስጢራትን ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ሮበርት ሳራህ ኣብ እዋናዊ ስነ ሰብእ ብድሆታት ኩነት ናይ ዓለማውያን ምእመናን ግደ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ኣሞርኵይዞም ኣስተምህሮ ከምዘቕርቡን ጋዜጠይና ክሶታንዛ ማሪያኖን ፕሮፈሶር ፍራንኮ ነምብሪኒን ናይ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ዋና ጸሓፊ ሚከል ሮይን ናይ ኢጣሊያ ሕዝባዊ ባይቶ ኣባል ናይ ስነ ኣእምሮ ሊቅ ፕሮፈሰር ፓውላ ቦነቲ ኣብ እዋናዊ ዓለም ተልእኾ ዓለማውያን ምእመናን ኣብ ዝምልከት ጉድይ፣ ስድራ ቤትን ሕንጸት ዋልድን ድኽነትን ናይ ሓባር ጥቅም ኣማኪሎምን ኣብ ስፐይን ናይ ቡርጎስ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ፍራንሲስኮ ጊል ሀሊን ኣስተምህሮ ከቕርቡ ከምዝዀኑ ዝሓበረ ናይቲ መንበረ ጥበብ መግለጺ ኣስዒቡ ናብቲ ዓውደ ጉባኤ ናይ ቅዱስ ኣቦና መልእኽቲ ከምዝመሓላለፍ ድማ ተስፋ ከምእተነብረ ገሊጹ።           








All the contents on this site are copyrighted ©.