2015-11-05 16:54:00

መደብ ሓውጾተ ኖልዎ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ፊረንዘ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኢጣሊያ ክፍለ ሃገር ቶስካና ርእሰ ከተማ ፊረንዘን ከምኡ እውን ኣብ ከተማ ፕራቶ ዕለት 10 ሕዳር 215 ዓ.ም. ሓውጾተ ኖልዎ ከካይዱ ምዃኖም ቅድም ክብል ተገሊጹ ከምዝነበረ እንክዝከር፣ ናይዚ ሓውጾተ ኖልዎ ቅዱስ ኣቦና ቀንዲ ዕላማኡ ድማ ኣብታ ከተማ ፊረንዛ ኣብ ዝካየድ ቤተ ክርስቲያናዊ ብሔራዊ ዓውደ ጉባኤ ተረኺቦም ንተጋባእያን ምዕዳን ምልጋስ ክኸውን እከሎ፣ ቅዱስ ኣቦና ምስ ናይ ቶስካና ሕዝብን ብፍላይ ድማ ምስቶም ኣብ ድኽነት ዝርከቡን ዝተነጸሉን ኣብ ደጋዊ ህልውናን ከተማታትን ዝቕመጡ ዜጋታት ክራኸቡ መደብ ከምዘለዎም እውን ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።

ብዛዕባ እቲ መደብ ሓውጾተ ኖልዎ ቅዱስ ኣቦና ኣመልኪቶም ኣብ ፊረንዘ ናይ መለኰታዊ ሓልዮ ማሕበር ኣመሓዳሪ ኣንድረያ ቸከሪኒ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፦ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ናይ ፊረንዘ ሓውጾተ ኖልዎ መደቦም ኣብ ቅድስተ ብስራት ማእከል ምስ ዝርከቡ ህሙማን ክራኸቡ ከምዝወሰኑን ምስቶም ብኸቢድ ሕማም ዝተጠቕዑ ዜጋታት ተራኺቦም ምዕዳን ለጊሶምን ምስኣቶም ሓቢሮም ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ምስሊ ቅድስቲ ማርያም ቅድስተ ብሥራት ክጽልዩ ምዃኖም ሓቢሮም፣ እቲ ብኣኦም ዝምራሕ ናይ ሓልዮት ማሕበር ኣብ ክፍለ ሃገር ቶስካና ካብ 770 ዓመታት ጀሚሩ ኣብ ኣገልግሎት ህሙማንን ዝሳቐዩን ብኸቢድ ሕማም ምስ ዝተጠቕዑ ተጸሚዱ ሰብኣውን መንፈሳውን ድጋፍ ዘቕርብ ምዃኑ ሓቢሮም፣ ቅዱስ ኣቦና ነቲ ማሕበር ክበጽሑን ምስ ህሙማን ክራኸቡን ዘለዎም ድላይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ነቶም ኣብ ከቢድ ስቓይ ንዝርከቡ ቀረባ ምዃና ዝምስክር እዩ ኢሎም።

እዚ ማሕበር ሓልዮት እግዚኣብሔር ምስ ዩኒታልሲ እተሰምየ ሕሙማንን ኣካለ ስንኩላንን ናብ ቅዱሳት ሥፍራ ንዝፍጽምዎ መንፈሳዊ ንግደት ዘሰንይ ምዃኑ እውን ሓቢሮም ቅዱስ ኣቦና ዝኣወጅዎ ናይ ምሕረት ዓመት ንመላእ ማሕበረ ክርስቲያንን ሓይልን ብፍላይ ድማ እቶም ኣብ ጽንኩር ኩነትን ኣብ ሕማምን መከራን ንዝርከቡ ብፍሉይ መገዲ ሓይሊ ዝጽግው እዩ። ነቶም ናይ ሓልዮት እግዚኣብሔር ማሕበር ኣባላት ድማ ዘለዎም ዓቢይ ሓላፍነት ዝባርኽን እዩ ኢሎም ኣብ ሓደ እዋን ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናይ መላእ ሓልዮት እግዚኣብሔር ማሕበር ኣባላት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተቐቢሎም፣ እቲ ናይዚ ማሕበር ኣባላት ዝህብዎ ኣገልግሎት ናይ ፍቕሪ ስልጣኔ እንክብሉ ገሊጾምን ናይ ፍቕሪ ስልጣኔ ኣስፍሑ ሓደራ ዝበልዎ ቃል ሎሚ ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣቢሉ ይቓላሕ ኣሎ፣ ኣብ ፊረንዘ ንኽርከቡን ምዕዳን ንኽልግሱን ድማ ዓቢይ ጸጋ እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.