2015-11-03 13:33:00

ከለዳዊ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ፦ ሕዳሴ ምሉእ ስምረትን ጽኑዕ ኣገልግሎት ኣብ ምሕረትን ዕርቅን


ኣብ ዒራቕን ኣብ ስደት እትርከብ ናይ ከለዳዊ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ዝሓለፈ ሰሙን ምክንያዱን ዕርቅን ምሕረትን ሓድነት ጥምረትን፣ ብሉጽ ሕንጸት ንውሉደ ክህነትን ተመሃሮ ዘርአ ክህነትን ብሉጽ ሱታፌ ዓለማውያን ምእመናን ኣብ ሕይወት ቤተ ክርስቲያንን ፈደራላውነት ከለዳዊ ማሕበር ናብ ፖለቲካዊ ውድብ ከይተቐየረ ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ ንጡፍ ሱታፌ ንክህልዎ ዝውሕስ ሓለፋ መገዲ እዩ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ከምዘቕረበ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

እቲ ናይ ከለዳዊት ስርዓት እትኽተል ካቲሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ኣብ ዒራቕ ናይ ከለዳዊ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ካርዲናል ልዊስ ራፋኤል ቀዳማዊ ሳኮ ዝተመርሔ ከምዝነበረን እቲ ጉባኤ ናይ ከለዳዊ ስርዓት ዝኽተላ ኣብ ዒራቕን ኣብ ስደትን ካብ ዝርከባ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያንን ዝተዋጽኡ 21 ብፁዓን ጳጳሳት ዘሳተፈ ምንባሩ ዝሓበረ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፦ ኣብ ዝቕጽል ሲኖዶስ ብፍሉይ ከም ቀንዲ ኣርእስቲ ገይሩ ክመያየጠሉ ኣብ ዝዀነ ብዛዕባ ከለዳዊ ስርዓትን ደንብን እውን ከምዝዘተየ ኣፍሊጡ፣ ከለዳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብቲ ብዙሃን ካቶሊካውያን ተኸተልቲ ስርዓት ከለዳዊ ዝርከቡለን ሃገራት ዒራቕን ሶሪያ ተባሪዑ ብዘሎ ውግእ ኣብ ጽንኩር ኩነት ከምእትርከብን ምእመናን እዛ ቤተ ክርስቲያን ብዘጋጥሞ ዘሎ ዓመጽን በቲ ዘሎ ግጭት ምኽንያት ንስደትን ምዝብልናን ተቓሊዑ ከምዝርከብ ነዚ ኩነት እዚ ድማ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጸኣት እንክብል ከምዝሰመዮ ገሊጹ።

ናይቲ ሲኖዶስ ማእከላዊ ርእሰ ጉዳይ፦ ሱታፌን ሓድነትን ኣብ መንጐ ሰበኻታት

እቲ ናይ ከለዳዊ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ቅድም ክብል ኣብ ኢራቕ ኣብ ዞባ ኩርዲስታን ዒራቕ ኣውራጃ ኤርቢል ኣብ እትርከብ ከተማ ኣንካዋ ዕለት 22 መስከረም 2015 ዓ.ም. ንምክያድ ወሲኑ ከምዝነበረን፣ ድሓር ግና ናይታ ኣብ ስደት እትርከብ ከለዳዊ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ብፍላይ ነቶም ካብ ካዳን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኣውስትራሊያን ንዝመጹ ዝፍጽምዎ ናይ ነፋሪት ጉዕዞ ንኸይሰናኸል ብዝብል ምኽንያት ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም. ኣብ ሮማ ንኽካይድ ከምዝተወሰነ ዝሓበረ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት እተሓሒዙ፣ ናይቲ ሲኖዶስ ማእከላይ ዛዕባ  ኣብ መንጐ ኣብ ውሽጢ ዒራቕን ሶሪያን ከምኡ ኣውን ኣብ ስደት ዝርከባ ናይ ከለዳዊ ስርዓት ዝኽተላ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ሱታፌን ሓድነት ዝብል ኰይኑ ብፁዕ ካርዲናል ሳኮ ንናይ ማሕበረ ክርስቲያንን ምእመናን ሃይማኖት ምስልምና ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ብኣኽራርነት ርእየት ከይሰናኸል ተስፋ ንምሃብ ብዝብል ዕላማ እቲ ገዛእ ርእሱ ሃገረ እስላም ቢሉ ዝሰመየ ዕጡቕ ሓይሊ ኣኽራሪ ሃይማኖት ምስልምና ዘካይዶ ወረራ ኣናሰፍሔ ብምምጻኡ ምኽንያት፣ ካብ ሞሱልን ሰጣሕ ጎልጎል ነነዌ ዝተመዛበለን ዝመዛበል ዘሎ ዜጋ ብዛዕባ ዝነብሮ ዘሎ ሃንደበታዊ ጽንኩር ኩነት እውን ኣማእኪሉ ክዝትይ ከምዝገበሩን እታ ከለዳዊት ቤተ ክርስቲያን ብዝተሓደሰ ሊጡርጊያ ኣቢላ ብእትነብሮ እምነት ኣብቲ ከባቢ ህልውቲ ምዃና እቲ ሲኖድስ ከምዘመልከተ ገሊጹ።

ንስደተይናታትን ተመዛበልትን ንዋታውን ግብረ ገባውን ግብረ ሰናይ

ኣብ ፍጻሜ ሲኖዶስ ተጋባእያን ብፁዓን ጳጳሳት፣ ኣብ ዒራቅን ከባቢ ማእከላይ ምብራቕን ብፍላይ ድማ ኣብ ሶሪያ ጸጥታን ድሕነት ስንኵፍ እናዀነን እናኸፍኤን ይመጽእ ምህላዉ ግምት ብምሃብ ነቶም ካብ ዓመጽን መቕተልን ነኸምልጡ ቤቶምን ንብረቶምን ዛሕዚሖም ንዝመዛበሉን ዝስደዱን ብፍላይ ካብ ሞሱልን ሰጣሕ ጐልጐል ነነዌ ብምእታው ሃገራዊ እስላም ምኽንያት ዝተመዛበለ ሰላማዊ ሕዝቢ ዝቐርብ ዘሎ ንዋታውን ግብረ ገባውን ዘጠቓልለ ምልኡ ግብረ ሰናይ ብፁዕ ካርዲናል ሳኮ ኣመስጊኖም እቲ ደገፍ ሕጂ እውን ክተባባዕን ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ከባቢኦም ብዛዕባ እቲ ዝሳቐ ሕዝቢ ዝህብዎ ምስክርነት ዘነቓቕሖ ዘሎ ናይ ምትሕብባር መንፈስ ንኢዶም ንዝሳቐይ ሕዝቢ ቀረባ ንዅን ከምዝበሉ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ኣብ ካልኦት ሰበኻታት ተቐባልነት ዝረኸቡ ካህናትን ገዳማውያንን

ሓድነትን ዕርቅን ምሕረትን ዝብል ክርስቲያናዊ መትከል ብምቅላሕ ናይ ከለዳዊ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ፣ እቶም ካብተን ናይ ከለዳዊ ስርዓት ዝኽተላ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ዝመጹ ናብ ካልእ ሰበኻ ከለዳዊ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሰበኻ ዝሰግሩ ናይ ሰበኻ ካህናት ድዮም ገዳምውያን ተቐባልነት ቅድሚ ምሃቦም ካብቲ ዝመጻሉ ናይ ከለዳዊ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳስ ርእይቶ ምሕታት ናይ ግድን እዩ ዝብል፣ ነቲ ኣብ 2013 ዓ.ም. እቲ ሲኖዶስ ዘመሓላለፎ ውሳኔ ዳግም ብምሕዳስ፣ ካብ ሰበኻኡ ናብ ካልእ ሰበኻ ዝቕይር ከለዳዊ ካህን ንምቕባል ናይቲ ዝመጻሉ ጳጳስ ርእይቶን መምዘንን ምሕታት ናይ ግድን ሓደራ ከይዝንጋዕ ቢሉ ፓትሪያርካትን ብፁዓን ጳጳሳትን ናይ ከለዳዊ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ናጻ ናይ ትምህርቲ ዕድል ዝድግፍን ነዚ ጉዳይ ዝከታተል ገዛእ ርእሱ ዝኸኣለ ድርገት ከምዘቖመን፣ ዕሙቕ መጽናዕትን ጸሎትን ንምክያድን ካብቲ ኣደ ልሳን ካልእ ናይ ወጻኢ ቋንቋ ንምጽናዕ ዝብል ውሳኔ ንምትብባዕ ድማ ንተመሃሮ ዘርአ ክህነት ቀዳም መዓልቲ ዕረፍቲ ክኸውን ከምእተወሰነ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ደገፍ ነቲ ፖለቲካውን ማሕበራውን መጋበርያ ፈደራላዊ ምእመናን ከለዳዊት ቤተ ክርስቲያን

ብሉጽ ሱታፌ ዓለማውያን ምእመናን ኣብ ሕይወት ቤተ ክርስቲያን ፈደራላውነት ከለዳዊ ማሕበር ናብ ፖለቲካዊ ውድብ ከይተቐየረ ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ ንጡፉ ሱታፌ ንኽህልዎ ዝውሕስ ሓለፋ መገዲ ምዃኑ እቲ ሲኖዶስ ኣመልኪቱ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ናይ ኤኮኖምን ቁጠባን ምሕደራ ግልጽን ስሩዕን ኣስራርሓ ኣብ መላእ ዓለም እትርከብ ናይ ከለዳዊ ስርዓት እትእኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሓደ መልክዕ ብዘለዎ መገዲ ክኽወንን እዚ ድማ ብማእከላውነት ደረጃ ብብፁዕ ኣቡነ ስራሓድ ዣጁን ሚከል ቃሳርጂ ዝምራሕ ክኸውን ኣለዎ ዝበለ ሲኖዶስ ኣስዒቡ ናይ ከለዳዊ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ምድንጋራት ክፈጥር ካብ ዝኽእል ጽሑፍን ርእይቶን ካብ ምቕራብን ምትሕልላፍን ክቑጠቡን እምነት ዘስፍሕን ናይ ሕልና ግብረ ገብ ዘተባብዕ ጽሑፋትን ምዕዶታትን ድማ ክተባባዕ ይግብኦ ቢሉ፣ ብሉጽ ሱታፌ ዓለማውያን ምእመናን ኣብ ዝነብርሉ ከባቢ ሕይወት ቤተ ክርስቲያንን ፈደራላውነት ከለዳዊ ማሕበር ናብ ፖለቲካዊ ውድብ ከይተቐየረ ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ ንጥፉ ሱታፌ ንኽህልዎ ዝውሕስ ሓለፋ መገዲ ምዃኑ ብምቅላሕ ኣብዚ መዳይ ብፁዓን ኣበው ከለዳዊት ቤተ ክርስቲያን ዘተባብዑ ምዃኖም እውን ከምዘረጋገጹ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣመልኪቱ።








All the contents on this site are copyrighted ©.