2015-10-31 16:23:00

ዝኽሪ መበል 20 ዓመት ዓዋዲ መልእኽቲ ወንጌላዊ ሕይወት


ቅድሚ 20 ዓመት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ  ሰብኣዊ ሕይወት ዘይገሃስ ዝብል ቅውም ሓሳብ ዘማእከለ ብዛዕባ ሕይወት ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ እተነጽር ወንጌላዊ ሕይወት ብዝብል ኣርእስቲ ስደረሰዎ ዓዋዲ መልኽቲ ሎሚ እውን ቤተ ክርስቲያን መሰረት ብምግባር ኣብቲ ዓዋዲ መልእኽቲ ዝተነጽረ ብዛዕባ ጽንሲ ምንጻልን ገና መድሃኒት ብዘይተረኽቦ ሕማም ዝጠጠቕዔ ሰብ ጥዑም ሞት ምሃብ ዝብል ጸረ ሕይወት ዝዀነ ናይ ሞት ባህሊ ብናይ ሕይወት ባህል ክውገድ ከምዘስተምህር ክምልከት እንከሎ ነቲ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዓዋዲ መልኽቲ መሰረት ገይሩ ዝቖመ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ሕይወት ተቛም ንዝኽሪ መበል 20 ዓመት እቲ ዓዋዲ መልእኽቲ ሮማ ኣብ ዝርከብ ሉምሳ መንበረ ጥበብ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣብ ዝተኸይደ ናይ ሓደ መዓልቲ ዓውደ መጽናዕቲ ከምዘዘኻኸረ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲና ሚከለ ራኣቪያርት ሓቢሮም።

ወንጌላዊ ሕይወት ዓዋዲ መልእኽቲ ኣብ 1995 ዓ.ም. ዝተደርሰ ክኸውን እንከሎ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ በቲ ዓዋዲ መልእኽቲ ኣቢሎም ቤተ ክርስቲያን ዝዀነ ይዅን ንሕይወት ዝፈታተንን ሕይወት ዝዕፍንን ዝሃስን ናይ ሞት ፍርድን ጽንሲ ምንጻልን ጥዑም ሞትን ዝኣመሰሉ ብጠቕላላ ናይ ሞት ባህሊ ከምእተቃወም ናይ ሕይወት ባህሊ ብምንቕቓሕ ድማ ሕይወት ኣብ ዝዀነ ይኹን ኩነትን ደረጃን ክንብረርን ክኽበርን ኣለዎ ዝብል ትምህርቲ ከምእተመሓላልፍ ይትንትኑ። እቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ በቲ ዓዋዲት መልእኽቲ ኣቢሎም ዘመሓላለፍዎ ትምህርቲ ሎሚ እውን ናይ ቤተ ክርስቲያን ክቡር ስልጣናዊ ትምህርቲ ምዃኑ ጳጳሳዊ ናይ ሕይወት ተቛም ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ኢግናሲዮ ካራስኮ ደ ፓውላ ኣብቲ ዓወደ መጽናዕቲ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ከምዘስመርሉ ራቪያርት ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.