2015-10-31 16:19:00

ብፁዕ ካርዲናል ታውራን፦ ሃይማኖታት ናይ ምኽባርን ምክብባርን ባህሊ ከነቓቕሓን ኵለን ሃይማኖታት ንሰላም፣ ብዘይ ፍርሒ ሕድ ሕዳዊ ምቅብባል


ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ዣን ልዊስ ታውራን ኣብ ኢጣሊያ ከባቢ ሮማ ኣብ እትርከብ ከተማ ካስተል ጋንዶልፎ ሃይማኖታት ንሰላም እተሰምየ ዓለም ለኻዊ ማሕበር ብኤውሮጳ ደረጃ “ሕድ ሕዳዊ ምቅብባል፣ ካብ ፍራሒ ናብ ምትእምማን” ብዝብል ኣርእስቲ ናብ ዘዳለዎ ዕለት 28 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም. ናብ ዝተጀመረን ዕለት 1 ሕዳር 2015 ዓ.ም. ዝዛዘምን ዓውደ ጉባኤ ሃይማኖታት ናይ ምኽባርን ምክብባርን ባህሊ ከነቓቕሓ ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘመእከለ አመልኽቲ ከምዘመሓላለፉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፍራንቸስካ ዲ ፎልኮ ሓቢረን።

ኤውሮጳ ሎሚ ኅብረ ብድሆታት ኣብ ቅድሚኣ ከምዘሎን እቲ ሓደ ድማ ፍርሒ ዓውሎማነትን ጽልኣት ዓሌትን ጽልኣት ምስልምናን፣ ናይ ገዛእ ርእስኻ መለለይን መንነትን ነኽይጠፍእ ካብ ዝብል ፍርሓት ዝነቕልን ዝንበርን ኣኽራርነት ውልቃውነትን ዝብሉ ጽልእን ኣድልዎን ንውሁዳን ባህልን ሃይማኖትን ዝብሉ ጠቒሶም ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ እቲ ፍርሒ ዝወልዶ ዘይምትእምማንን ካባኻ ንዝተፈልየ ጥርጠራን ዘይምቕባልን ምንጻግን በቲ ኣብ ምክብባርን ምርድዳእን ዘይጎነጻውን ምትሕብባርን ዝኾነ ይዅን ዓመጽ ብሰላም ክፍታሕ ብዝብል ባህሊ ክልውጦ ኣብ ዘኽእል መገዲ ከተባብዑ ሓደራ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ዲ ፎልኮ ሓቢረን።

ብፁዕ ካርዲናል ታውራን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልኽቲ እቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎን ናብ ኤውሮጳ ዝውሕዝ ስደተይና ብዘይ ድላዩ ብወጻኢ ሓይልታት ዝተደረኸ ከምዝዀነን እዚ ድማ ውግእን ምልካዊ ስርዓትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ቅልውላው ምኅዳርን ዝብሉ ምዃኖም ተንቲኖም፣ ፍርሒ ናብ ምትእምማን ኣድልዎ ናብ ምክብባር ጽልእ ናብ ምሕዝነት ምቕናን ናተይ ናትካ ምባል ናብ ምትሕብባር፣ ግጭት ናብ ዘተ ምልዋጥ የድሊ፣ እዚ ጥራሕ እዩ ድማ ናብ ሰላም ዝመርሕ ቢሎም፣ ኣብዚ መዳይ ኵለን ሃይማኖታት ናብ ሰላም ዝመርሐን እቲ ናይ ሓባር ጸዋዕትኤን ድማ ተልእኾ ሰላም እዩ፣ ስለዚህ ሃይማኖትን ሰላምን ብሓባር ዝኸዱ ምዃኖም ከረጋግጹን ክሃንጹን ኣታሓሳሲቦም፣ ሃይማኖት ናይ ኣድልዎን ዓመጽን ናይ ጽልእን ባህል ብሱቕታ ክርእዮ ዘይግባእ እዩ። ሰላምን ዓመጽን ምትእምማንን ፍርሕን ኣብ ልቢ ሰብ ዝነብሩ እያቶም፣ እዚ ድማ ኩሉ ዝፈልጦ እዩ፣ ኣብ ወዲ ሰብ ልቢ ውሽጢ ዘሎ ሰናይ ዘበለ ኩሉ ክረጋገጽ ምድጋፍ ናይ ሃይማኖታት ተልእኾ እዩ፣ እቲ ናይ እዋንና ማሕበራውን ባህላውን ሕማም ብዝተን ምትሕብባርን ንፈውስ እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘጠቓለሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ዲ ፎልኮ ኣፍሊጠን።








All the contents on this site are copyrighted ©.