2015-10-29 15:59:00

ኵለን ሃይማኖታት ንሰላም፦ ብዘይ ፍርሒ ሕድ ሕዳዊ ምቅብባል


ኣብ ኢጣሊያ ከባቢ ሮማ ኣብ እትርከብ ከተማ ካስተል ጋንዶልፎ ሃይማኖታት ንሰላም እተሰምየ ዓለም ለኻዊ ማሕበር ብኤውሮጳ ደረጃ “ሓድ ሕዳዊ ምቅብባል፣ ካብ ፍራሒ ናብ ምትእምማን” ብዝብል ኣርእስቲ ዘዳለዎ ዕለት 1 ሕዳር 2015 ዓ.ም. ዝዛዘም ዓውደ ጉባኤ ዕለት 28 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም. ክእምተጀመረ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፍራንቸስካ ዲ ፎልኮ ሓቢረን።

እዚ ዓውደ ጉባኤ’ዚ ዓውሎማነትን ጽልኣት ዓሌትን ጽልኣት ምስልምናን፣ ናይ ገዛእ ርእስኻ መለለይን መንነትን ነኽይጠፍእ ካብ ዝብል ፍርሓት ዝነቕልን ዝንበርን ኣኽራርነት ውልቃውነትን ዝብሉ ነጥብታት ብዑምቆት ዝድህስስ ምዃኑ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ዲ ፎልኮ ኣስዒበን፣ እቲ ካባኻ ብባህልን ቋንቋን ዓሌትን ሃይማኖትን ዝተፈልየ ‘ካልእ’ ምፍራድ ዝኣመሰሉ ጽልእ ነት ካባኻ ዝተፈልየ ዝብል ባህሊ ብኵለ መዳይ ብፍላይ ድማ ሃይማኖታት ናይ ሰላም ባህሊ ብምስፋሕ ክዋግአኦ ዝተጸውዓ ሕድ ሕዳዊ ምቅርራብን ምቅብባልን ምክብባርን ምትብብዕ ናይ ኵለን ሃይማኖታት ሓላፍነት እዩ ዝብል ዓውደ ጉባኤ ምዃኑ ኣፍሊጠን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይቲ ዓለም ለኻዊ ማሕበር ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ልዊጂ ደ ሳልቪያ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፦ እንነብረሉ ዓለም ብዕደ ጥበባዊ ባህሊ ምዕቡል እውን እንተዀነ ኣብ ሰብኣዊ ተንከፍ ጉዳያት ንድሕሪ ዘብል እዩ ዝመስል፣ ብፍላይ ኣብ ምዕራብ ዓለም ብስነ ምርምር መዳይ ብዙሕ ዝሃበ ክፍሊ ዓለም ክነሱ ሰብኣዊ ፍጥረት ብኑባሬ ዝተዓደሎም ክቡራት ዋጋታት ዘድክምን ተዛማዲ ባህሊ ብምስፋሕ ድማ ኣብ ምኽባር ሕይወት ንኸንቆልቁል ዝድርኽ እዩ ዝመስል ኢሎም።

እቲ ዓውደ ጉባኤ ኵለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ገዛእ ርእስን ኣዕሚዩቐን ክሓታን እዚ ማለት ድማ ሕድ ሕዳዊ ምጥቑቓስን ነቲ ካልእ ኢድካ ምምልካትን ገዛእ ርእስኻ ንኻልእ ምዕጻውን ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ዘስፍሕ ንገዛእ ርእሱ ጸረ ሰብኣውነት ምዃኑ ብምስትውዓል ናይ ሰላምን ሕይወትን ባህሊ ከስፍሓ ዘተባብዕ እዩ። ስለዚህ ነቲ ካባኻ ዝተፈልየ ምርዳእን ምእንጋድን ጽን ምባልን ገዛእ ርእስኻ ንኣኡ ምልላይ ንናይ ሓባር ሰላማዊ ናብራ ኣገዳሲ እዩ፣ እቲ ዝካይድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ነዚ ሓሳብ እዚ ብዝተፈላለያ መዳይ ዘቓልሕ እዩ ኢሎም።

ናይ ሕልና ነጻነት ሓይማኖታዊ ርእሰ ጉዳይ እዩ፣ እዚ ድማ ምኽባር ሰብኣዊ ክብሪ ዝብል እዩ። በዚ ሓሳብ’ዚ መሰረት ድማ ሕድ ሕድ ምርኻብን ብቕንዕና ብዘይ ቅድመ ፍርዲ ንኻልእ ከም ጣዖት ከየምለኽካን ወይ ድማ ከም ክፍኣት ውጉዝ ከይበልካ ኣብ ሓቂ ምዝታይን ዝብል ዓውደ ጉባኤ እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.