2015-10-27 18:51:00

ክህነት ኣብ ረብቶ (ሽዕብ ሰለባ)


መላእ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንስ በዓለ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዘብ ዓለትሉ ዕለት - ፲፫ ጥቅምቲ ፳፻፰/ October 24, 2015 - አብታ ንቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝተወፈየት ቀዳመይቲ ቤተክርስትያን ክንብላ እንኽእል (አብ መዓልቲ ቅድስናኦም ብስሞም ዝተመረቀት ሓዳስ ቤተክርስትያን ምዃና እያ) ዲያቆን ስምኦን ተኽለሰንበት መድኅን (አባል ማኅበር ፓቮኒ) ወለድን አዝማድን ውሉደክህነትን አብ ዝተረኽቡሉ ብ ኢድ ብፁዕ አቡነ ኪዳነ የዕብዮ ጳጳስ ካቶሊካዊ መንበረ ኤጳርቅና ከረን መዓርገ ክህነት ተቀቢሉ፣

 

ታሪኽ ሕይወት አባ ስምኦን ተኽለሰንበት መድኅን፤ ዕለት  03/03/1981  አብ ረብቶ (ሰለባ) ተወልዱ፤ መባእታ፡ትምህርቶም አብ ሽዕብ ሰላባ ኣብ ደብረ ቁስቋም  እንክፍጽᎀ ማእከላይን ካልኣይ ደረጃ፡  ከአ 6-11 አብ ከረን ቅ.ዮሴፍ ላሳል ዛዚሞም፣ ካብ 1996-2003 ኣብ ገዳም ሲታውያን ነበሩ፡ ካብኡ ናብ ገዳም ፓቮኒ ብ2007 ኮይኖም  ትምህርቲ ፍልስፍና፡ትምህርቲ ተሎጊያ፡ኣብ አሥመራ ተቅዋመ ፍልስፍና ወተሎጊያ ተማህሩ። ብ22 /3/2015 ዓ/ም ፈ. መዓርገ ዲቁና ብኢድ ብፁዕ ኣቡነ መንግስተኣብ ኣብ ኣሥመራ  ተቀበሉ፡ ብዕለት ፲፫ ጥቅምቲ ፳፻፰ (24 October 2015) ከአ ክህነት ተቀበሉ። ብፁዕ አቡነ ኪዳነ  ነዚ ዚስ ዕብ ስብከት አቅረቡ፤ " ብጸጋ እግዚኣብሔርን ብኣልድነት ቅ. ዮሓ. ጳው 2ዊን፣ ብረድኤት ቅ.ድንግል ማርያምን፡ ዓቢይ ምሥጢር ናይ ቤተክርስትያን ክንፍጽም ኣብዚ ንርከብ ኣሎና። እዚ ምሥጢር ኣምላኽ ኣብሪህሎም ነዚ ሕይወት’ዚ ክለብሱን  ክነብርዎን ድላዮም ንዝገልጹ ዝወሃብ፣ ምሥጢረ ክህነት እዩ፣ ፣ ነዚ ዓቢይ ምሥጢር ቤተ ክርስትያን ክነልብሶም በቲ ባዕሉ ጸዋዕን ቀዳስን ዝኾነ ናይ መድሓኒና ኢየሱስ መሥዋዕተ ቅዳሴ ንፍልሞ ኣሎና።  ካህን ክበሃል ከሎ ከም ዝደለዮ ገቢሩ ኣባላቱ ዝሕዝን ዜስፍሕን፣ ንሓደ ናይ ሰባት እኽብካብ ወይ ማኅበር ዝመርሕ ሰብ ኣይኮነን። ኣምላኽ ናብ ሕዝቡ ዝለኣኾ መልእኽተኛ እዩ። ነቲ ሕዝቢ ናብ ኣምላኽ ክመርሖ እዩ፡ ድላይ ለኣኺኡ፣ በዚ ኣገባብዚ ኣብ መንጎ ሰባት ሓቀይናን ግቡእን ዝኾነ ኅብረትን ሱታፌ- ሓድሕድን የማዕብል።   ስለዚ ካህን እቲ ሓዋ.ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ እንክጽሕፍ ዝበሎ፡ “ወአንተሰ ብእሴ እግዚአብሔር ጕየይ እምዝ፣ ወዴግን ጽድቀ ወምሂረ ሃይማኖት ወተፋቅሮ ወትዕግሥተ ወትሕትና፡ ተጋደል ሠናየ ገድለ በሃይማኖት፣ ወተመጥዎ ሕይወት ዘለዓለም ዘሎቱ ተጻዋዕከ…”“ንስኻ ግና ኣንታ ናይ ኣምላኽ ሰብ ካብዚ ኩሉ ህደም፣ ደድሕሪ ጽድቅን መንፈሳውነትን እምነትን ፍቅርን ትዕግሥትን ሕያውነትን ሰዓብ፣ ጽቡቅ ናይ እምነት ገድሊ ተጋደል፣ ነታ ተጸዋዕካላ ሕይወት ዘለዓለም ሓዛ…” (፩ ጢሞ ፮፡፲፩)

ሓዋ.ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ “ኣንታ ናይ ኣምላኽ ሰብ” ኢሉ ጸውዖ፣ ካህን ከኣ ሎሚ “ናይ ኣምላኽ ሰብ” እዩ። እቲ “ናይ ኣምላኽ ሰብ” ዝብል ስያሜ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዓቢይ ስያሜ እዩ። እዚ ንሙሴ ዝተዋህበ (ዳግ 33፣1) ነበረ። ኣብ መዝ.90 “ጸሎተ ሙሴ ብእሴ እግዚአብሔር” ዝብል ንረክብ፣

ንነብያትን ልኡኻትን ዝወሃብ ዝነበረ ስም እዩ። - ኤሊ ናይ ኣምላኽ ሰብ 1ሣ 2፣27  - ሣሙኤል፣ 1፣9፣6 ሸማያህ ናብ ሮብዓም ዝተላእከ ናይ ኣምላኽ ሰብ (1kg 1222) ዝኣመሰሉ ይርከቡ።

ዓቢይ ናይ ክብሪ ስያሜ እዩ። ንጢሞቴዎስ እዚ ስያሜ እንክወሃብ ብዛዕባ ድኻምነቱን ጉድልነታቱን ኣየዘኻኽሮን፣ ከምኡ እንተዝኸውን ኣነ ድኣ እንታዋይ ኮይነ ኢሉ ብተስፋ ቍርጸት መድሓርሓረ፣ ብኣንጻሩ “ናይ “ኣምላኽ ሰብ” ምዃኑ ብምግላጽ ክብረቱ ገለጸሉ። በዚ ከኣ ድኽመቱ ከይጸብጸበ፣ ኣብ ጸጋ ለኣኺኡ ተኣሚኑ በርትዐ።

በዚ ስም እዚ እንክጽውዖ፣ “ኣንታ ናይ ኣምላኽ ሰብ ካብዚ ኩሉ ኅደም… ካብ ድኽመት/ ሓጢኣት/ ዓለም…. እሞ ጻድቅ ኵን በሎ፣እዚ በቲ ስም ዝለብሶ ቀዳማይ ሓላፍነቱ እዩ። ጻድቅ፣ ርቱዕ ዝበሃል ግቡኡ  ንኣምላኹን    ንብጻዩን  ዝገብር እዩ። ናይ  ኣምላኽ ንኣምላኽ፡  ናይ ሰብ ከአ ንሰብ ዝገበር እዩ;

ቀጺሉ ከም ካልኣይ ሓላፍነት፡3ተ ሓይልታት ክህልዎ ይጽውዕ፡

ምሂረ ሃይማኖት መንፈሳውነት (ዲካዮዚነ) :- እዚ ኩሉ ናይ ሕይወት ምቅስቃስ ኮነ፣ እቲ ሕይወት ብርእሱ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከም ዝንበር ዘገንዝብ ማለት’ዩ።
ተኣማንነት፣- (ፒስቲስ) ኣብ ኩሉ ጉዕዞ ሕይወት ወላ ኣብቲ ዝጸንከረ ፈተና ሞት’ውን እንተኾነ ንኣምላኹ እሙን ዝኸውን፤
ፍቅሪ፣- ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዝገብሮ ፍቅሪ ኣጸቢቁ ዝፈልጥ፣

፪ይ ሓላፍነት፣ ትዕግሥቲ፣- ኣብ ጊዜ ጸገምን ስደትን ሥቃይን ብእምነት ተጻዊሩ ዝዕወት ማለቱ እዩ።

፬ይ ሓላፍነት፣ ትሕትና፣- ትሑት ምዃን ማለት ይቅረ ምባል ዝፈልጥ መንፈስ ኮይኑ ብቅንዕና ነቲ መጐተ ናይ ምዕዋት ፍልጠት ዘለዎ እዩ። ብትሕትና ዝመላለስን ጽዋዔኡ ካብቲ ልዑል ኣምላኽ ምዃኑ ፈሊጡ ርእሱ ኣቅኒዑ ዝኸይድ እዩ።

ሓዋርያ ጳውሎስ ንተማሃራዩ ጢሞቴዎስ ነዘን ኣርባዕተ ሓላፍነታት ኣሰኪሙ “ኣንታ ናይ ኣምላኽ ሰብ… ኢሉ ክበድ ጸዋዕታኡን፣ ሓላፍነቱን እንከገንዝቦ፡ በቲ ከኣ ዕብየት ሕርየቱ ገለጸሉ።

ሎሚ ከኣ ነዚ ኣብ ቅድሜና ዘለዉ ናይ ዘመንና “ጢሞቴዎስ” ክበድን ሓላፍነት ጽዋዔ ክህነት እንክንገልጸሎም፣ ነቲ ጸጋ ኣምላኽ ዝኾነ ዕብየት ሕርየት ጸዋዕታኦም ከኣ ንምጉስ ኣሎና። በዚ ናይ ሎሚ ሲመተ ክህነት ንሕና “ናይ ኣምላኽ ሰባት” ረኺብና ንብል ኣሎና፤ እዚ ማለት “ናይ ጸሎት” ሰባት ማለት እዩ ምሕዝነት ምስ ክርስቶስ ዘለዎ ካልእ-ክርስቶስ ኣብ ነፍስ ወከፍ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ምምሃር ቃል እግዚኣብሔር። ኣብ ምልዋጥ ኅብስትን ወይንን ከምኡ ከኣ ኣብ መንበረ ኑዛዜ፣ ንክርስቶስ ከም ርእስን ጓሳን ኣብ ማእከል ሕዝቡ ህልዊ ዝገበሩ እያቶም፣ እዚ እዩ እቲ ዕቤት ክህነት እነስተንትኖ። ኣብ ዓለም ብዘይ ካህን ኩሉ ጸልማት እዩ። ካህን ንኣምላኽ ንሰባት ዘፍልጥ እዩ፣ ሰባት ወትሩ ንኣምላኽ ክደልይዎን ሃሰስ ክብልዎን እያቶም፣ ኣብዚ ሁመት ኣብ ማእከሎም ካህን ኣንተዘይተረኺቡ ንኣምላኽ ክረኽብዎ ኣጸጋሚ ኢዩ። ሎሚ ዓለም ብተክኒክ ማዕቢላ ኣምላኽ ኮነ ካህን ኣየድልየኒን እዩ ኣብ እትብለሉ ዘላ ጊዜ’ውን ከይተረፈ፡ እኳ ደኣ ሎሚ ብዝያዳ ካህናት የድልይዋ እዮም። እዚ ሎሚ ኣኪቡና ዘሎ ምኽንያት ነዚ የረጋግጽ። እሞ ንተሰያሚ ክህነት ዝጽበዮ ተልእኾ ከቢድ ተወፋይነትን፣ መሥዋዕትን፣ ዝሓትት ብምኳኑ ኣምላኽ ኣካእሎ ክህቦ ብጸሎት ነሰንዮ። ንዝቅረቡ  - ወለዲ፤ ንዝኰስኰሱ - መማህራን፤ ንዝዕበየ - ገዳም፤ ንዝተኸናኸነ ሕዝበ እግዚኣብሔር፣ ንኹሎም ጻምኦም ይሃቦም እናበልኩ ምስጋናይ ኣቅርብ። ንሓዲስ ካህን፣  ክህነት አሮን ወሙሴ ይግበርሉ..…አቡነ ዘበሰማያት…"

 

 








All the contents on this site are copyrighted ©.