2015-10-27 15:37:00

ናይ መበል 14 ሓፈሻዊ መደበይና ጠቕላሊ ሲኖዶስ ፍጻሜ ሰነድ ጽማሬ፦ ስድራ ቤት መብራህቲ ዓለም


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ መበል 14 ሓፈሻዊ መደበይና ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ተጋባኣያን ብጠቕላላ ካብ 265 ብ 177 እኹል ኣሕላፊ ድምጸ ብዙሃን ዘጽደቖ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ክሕተም ውሳኔ ከምዝሃቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ከምዘፍለጡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ረዲዮ ቫቲካን ኢዛበላ ፒሮ ሓቢረን፣ እቲ እኹል ኣሕላፊ ድምጸ ብዙሃን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ዝተገልጸ ክኸውን እንከሎ እቲ ሰነድ ብጠቕላላ ብ94 ዓንቀጽ ዝተኸፋፈለ ከምዝኾነ የመልክታ።

እቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ እታ ዝተፈላለዩ ሽግራት ዘጋጥምዋን ነቲ ዘጋጥማ ሽግራት ንምግጣሙ ዘለዋ ብቕዓት ኣፍልጦ ብምሃብ ስድራ ቤት መብራህቲ ኣብቲ ጸላም ዓለም እንክብል ይገልጻ፣ ኣቲ ሰነድ ስሩዕን ጥርንፉን ኣብቲ ናይ ሲኖዶስ መጋበርያ ዕዮ ሰነድ ዝሰፈረ ናይ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ዘቕርቦ ዝተፈላለዩ ኣግባባት ዘሳዅዔን ንኣኡ ዘንጸባርቕ ናይ ሲኖዶስ ድምጺ ምዃኑ ኢዛቤላ ፒሮ ሓቢረን።

ዛዕባ ጸገማት ኣባይቲ ስድራ ዝምልከት ናይ ገዛእ ርእሱ ዓንቀጽ

ዛዕባ ጸገማት ኣባይቲ ስድራ ዝምልከትን ናይዚ ጉዳይን ወይ ድማ ነቲ ብመንጽር ሕገ ቀኖናን ስርዕት ቤተ ክርስቲያንን ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝበሃል ብፍላይ ነቲ ብዘይ ቃል ኪዳን ዝንበር ሓዳርን፣ ብፍትሃ ብሔር ዝቐውም ሓዳር፣ ተፋቲሖም ብፍትሃ ብሔር ዳግም ዝተመርዓዉን ናብ ቤት ክርስቲያን ንኽቐርቡ ዝድግፍ ነቲ ጉዳዮም ዝግበረሉ ኣቀራርባ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝምልከት ዓንቀጽ ብዙሕ ምይይጥ ዝተገብረሉ ምዃኑን ብብቝዕ ኣሕላፊ ድምጸ ብዙሃን ዝጸደቐ ምዃኑ እውን ኣባ ሎምባርዲ ከምዝገለጹ ኢዛበላ ፒሮ ሓቢረን።

እቲ ሰነድ እወታውን ተቐባልን ዝብል ኣረኣእያ ዘለዎ እዩ

ኣባ ሎምባርዲ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ እቲ ናይ ሲኖዶስ ናይ ፍጻሜ ሰነድ እወታውን እንገዳን ኣረኣእያ ዘለዎን ካብቲ ቅድም ክብል ዝተዳለወ ናይ ሲኖዶስ ናይ መጋበርያ ዕዮ ሰነድ ንላዕሊ ነዊሕ ከይዲ ዝሓተተን ሃብታንም ጽዑቕን ምዕሩይን ብጽቡቕ ዝተዋደ እዩ ከምዝበሉ ዝገለጻ ኢዛበላ ፒሮ ኣስዒበን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ፦ ቅዱስ ኣቦና በቲ ዘለዎም ናይ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ስልጣን መሰረት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቃል ኪዳን ዝተሰረዓሎም ናይ ይፈታሓለይ ሕቶ ዘቕርቡ ብቑዕ መልሲ ንምሃብ ኣባይቲ ፍርዲ ቤተ ክርስቲያን ዝኽተሎ ኣሰራራሓ ደንጓይን ነዊሕ ጊዜ ዝወስድ ከይከውን እንክብሉ ዝሃብዎ ውሳኔ ነቲ ሲኖዶስ ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ከምዝዀነን ይፈታሕ ንዝብል ውሳኔ ስሉጥ ዝገብር እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

እቲ ሲኖዶስ ምስጢረ ተክሊል ዘይፍታሕ እዩ ንዝብል ናይ ዓንቀጸ እምነት ትምህርቲ ዳግም የቃልሕ

ኣብቲ ናይ ሲኖዶስ ናይ ፍጻሜ ሰነድ እቲ ኣብ ዓንቀጸ እምነት ሰፊሩ ዘሎ ብዛዕባ ምስጢረ ተኽሊል ዘይፍታሕ እዩ ዝብል ውሳኔ ሸኽሚ ዘይኰነስ ጸጋ እግዚኣብሔር ከምዝኾነን ኣብ ክርስቶስ ዝጸንዔ ሓቅን ክርስቶስ ምስ ቤተ ክርስቲያኑ ኣብ ዘለዎ ምትእስሳር ዝቖመ ምዃኑ ዳግም ብምቅላሕ፣ ኣተሓሒዙ ሓቅን ምሕረትን ኣብ ክርስቶስ ተራኸብቲ ከምዝዀኑ ይትንትን፣ ካብዚ ነቒሉ ዝተፋትሑን ዳግም ዝተመርዓዉን ሱታፌ ኣብ ቅዱስ ቁርባን ይሃሉ ከይበሉ ንዝቖሰሉ ኣባይቲ ስድራ ምቕባልን ምእንጋድን ኣገዳሲ እዩ ይብል፣ እቶም ዝተፋትሑን ዳግም ዝተመርዓውን ውጉዛት ኣይኰኑ ቢሉ፣ ናይቲ ዝተሓላለኸ ናይ ስድራ ቤት ኵነት ምልላይን ምትንታንን ናይ ጓሶት ሓላፍነት ምዃኑ ከምዘተሓሳስብ ኣባ ሎምባርዲ ከምዘመልከቱ ኢዛበላ ፒሮ ኣፍሊጠን።

ልልያን ትንተናን ሓላፍነት ጓሶት ንዝተሓላለኸ ኩነት ኣባይቲ ስድራ

እቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ልልያ ዝብል ሓላፍነት ጓሶት ኣብቲ ምሕረት እግዚኣብሔር ንማንም ዘይከሓድ እዩ ብዝብል እማኔን ብናይ ቤተ ክርስቲያን ትምህርቲ ዝትግበር እዩ። ብዘይ ቃል ኪዳን ዝነብሩ ኩነቶም ናብቲ ናይ ምስጢረ ተክሊል ምልኣትን ናብ ስድራ ቤትን ናብ መብራህቲ ወንጌል ምዃን ዝልውጥ ኣጋጣሚ መታን ክኸውን ብሓናጺ ኣቃልቦ ምግጣም ማለት እዩ እንክብል ከምዘስመረሉ ኣባ ሎምባርዲ ከምዝገለጹ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፒሮ ሓቢረን።

ኣብ ልዕሊ ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት ዘለዎም ሰባት ኣድልዎ ኣይሃሉ፣ መርዓ ኣብ መንጐ ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት ዘለዎም ሰባት ግና ዘይቅቡል እዩ

ካልእ ናይቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ውዑይ ኣርእስቲ ድማ ብዛዕባ ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት ድርዀት ዘለዎም ዝምልከት ክኸውን እንከሎ፣ እቶም ከምዚ ዓይነት ድርዀት ጾታዊ ስምዒት ዘለዎም ሰባት ኣድልዎ ከየጋጥሞም ብምሕባር ኰይኑ ግና ቤተ ክርስቲያን ኣብ መንጐ ክልተ ሓደ ዓይነት ጾታዊ ስምዒት ዘለዎም ሰባት መርዓ ዝብል ሓሳብ ከምዘይትቕበሎን ከምእትቃወሞን ዝብል ሓሳብ ዘጠቓልል ከምዝዀነን፣ ካብዚ ቀጺሉ ድማ ብዛዕባ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝሳደዱን ዝተበታተኑ ኣባይቲ ስድራን ብቐሊሉ ናይ ሓድሽ ጊልያነት ኣደዳ ክዀኑ ከምዝኽእሉ ዝምልከት ዓንቀጽ ኣስዒቡ ነዞም ክፍሊ ሕብረተሰብ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ብምውካስ እውን እንገዳ ክግበረሎምን እዞም ክፍሊ ሕብረተሰብ ድማ ብወገኖም ኣብ ዘእንግዳኦም ሃገራት ግብእነትም ክፈልጡን ከኽብሩን ሓላፍነት ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ተተንቲኑ ከምዘሎ ኣባ ሎምባርዲ ምሕባሮም ፒሮ ኣፍሊጠን።

ግቡእ ክብሪ ንደቂንስትዮ፣ ሓለዋ ንሕፃናትን ኣረጋውያንን

ካልእ ኣስተንትኖ ካብ እተአገብረሎም ነጥብታት ሓደ ብዛዕባ እቶም ንናይ ሕይወት ስድራ ቤት ቀወምቲ ዝዀኑ ደቂንስትዮን ወዲተባዕትዮን ሕፃናትን ብጠቕላላ ንኣኣቶም ሓለዋን ክንክንን ከምኡ እውን ናይ ነፍሲ ወከፎም ግደ ዘኽብር ግቡእ ክብሪ ክወሃብ ዝብል ምንባሩን፣ ደቂንስትዮ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝግብኤን ኣገልግሎት ሕንጸት ክረኽባን ሕጻናት ኣብ ዝምልከት ነጥቢ ድማ እቲ ዝተዀልፈ ስድራ ቤታዊ ዘራኽብ ዳግም ንምሕናጽ ዘብቅዕ ዘኽታማት ምዕባይን ናይቲ ዘኽታም ምዕባይ ብሓፈሻኡ ምዕባይ ዘኽታምን ኣብቲ ዝናበይ ዘኽታም ዘሎ ጽባቔ ምዃኑ ብምሕባር፣ እቲ ሲኖዶስ ኣተሓሒዙ መበለትን ስንኩላንን ኣረጋውያንን እቶም ኣብ ስድራ ቤት እምነት ኣብ ምትሕልላፍ ተግባር ዓቢይ ግደ ዘለዎም ኣቦ ሓጐን ኣደ ዓባይን ብዙሕ እዋን በቲ ተጠቂምካ ምጉሓፍ ዝብል ከም ውዳቕ ብዝሓስብ ባህሊ ዝጥቅዑ ከይዝንግዑን ግብእ ክንክን ክግበረሎም ብምታሕስሳብ፣ እቶም ዘይምርዑዋት ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ሕብረተሰብን ዝህብዎ ኣገልግሎት ብዝገለጽ ሓሳብ እቲ ሲኖዶስ ኣብቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ የዘኻኽር እንክብሉ ኣባ ሎምባርዲ ከምዝሓበሩ ፒሮ የመልክታ።

ኣኽራርነት ውልቃውነትን ድኽነትን ስእነት ስራሕ ንስድራ ቤት ስግኣት እያቶም

ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና እዋን ኣብ ልዕሊ ስድራ ቤት ዘዘንብይ ጽላሎት ፖሊቲካውን ሃይማኖታውን ኣኽራርነት ተጻይ ንክርስትናን እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ውልቃውነትን ንኣይነትን ርእየተ ዓለም ትምህርቲ ስነ ጾታዊ ስምዒትን ግጭትን ስደትን ድኽነትን ዘይተረጋግኤ ስራሕን ስእነት ስራሕን ምግባረ ብልሽውናን ስድራ ቤት ካብ ሕንጸትን ባህልን በስገዳድ ዝንጽል ኤኰኖምን እቲ ኣብ ማእከል ሕብረተሰብ ሃብቲ ገንዘብ እምበር ሰብ ዘይብል ሸለልተይናነት ዝዓሰሎ ዓውሎማነትን፣ ጸያፍ ኣሳእልን ዋሕዲ ወላድነትን ዝብሉ ምዃኖም ኣብቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ብዝርዝር ተገሊጹ ከምዘሎ ኣባ ሎምባርዲ ከምዘመልከቱ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፒሮ ሓቢረን።

ኣብ ምስጢረ ተክሊል ዝወሃብ ሕንጸት ምሕያል

እቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ኣብ ምስጢረ ተኽሊል ዝወሃብ ሕንጸት ምሕያል ብፍላይ ድማ ኣብዚ እዋን’ዚ መንእሰይ መርዓ ዘፍርሖ ኣብ ዝመስለሉ ዘሎ እዋን ዘለዎ ኣገዳስነትን ናይ ንጽሕናን ገዛእ ርእስኻ ከም ህያብ ምውፋይ ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘተኰረ ብቑዕ ናይ ጾታዊ ስምዒት ሕንጸት ምቕራብ ከምዘድልን፣ በዚ መንጽር እዚ ድማ ኣብ መንጐ ጾታውነትን ኣብ መንጐ ሰብ ሓዳርን ሕጻናት እጹብ ህያብ እያቶም ዝብል እዚ ድማ ኣብ ውሽጦም ናይ ፍቕሪ ተግባራት ዝዀኑ ተዘክሮን ተስፋን ሒዞም ዝጓዓዙ ምዃኖም ዘስትውዕል ግብረ ምውላድ ዝኽተል፣ እቲ ካልእ ምትእስሳር ድማ ኣብ መንጐ ጸዋዕታ ንስድራ ቤትን ንውፉይ ሕይወትን ዝምልከት እዩ። ሕንጸት ጾታውነትን ኣካላውነትን ኣባታውነትን ምንቕቓሕን ናይ ወለዲ ቀዳማይ ሓላፍነት ድማ ሕንጸት ውላድ ኣብ እምነት ዝብል ምዃኑ ሰብኣዊ ሕይወት እተሰምየት ናይ ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ዓዋዲት መልእኽቲ ተወኪሱ ዘመልክት ምዃኑ ኣባ ሎምባርዲ ከምዘፍለጡ ፒሮ ሓቢረን።

ዕቃበ ሕይወት ካብ ምጽናስ ክሳብ ባህርያዊ ሞት

ኣብቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ፣ ብፁዓ ኣበው ሲኖዶስ ተቛማት ንስድራ ቤት ዝድግፍ ፖለቲካ ከነቓቕሑን ከምኡ ድማ እቶም ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ ዝተዋፈሩ ካቶሊካውያን ምእመናን ስድራ ቤትን ሕይወትን ክከናኸኑ ሓደራ ብምቕራብ፣ እዚ ድማ ሕብረተሰብ ንመጻኢ ዕጹው ከይከውን ብምስትውዓል ከምዝዀነ ኣባ ሎምባርዲ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣመልኪቶም፣ ሲኖዶስ ሕይወት ካብ ምጽናስን ክሳብ ባህርያዊ ሞትን ዝተባርከን ቅዱስን ምዃኑ ብምርግጋጽ ካብቲ ንስድራ ቤት ሓደጋ ካብ ዝዀነ ጽንሲ ምንጻልን ምቁር ሞትን ምጥንቃቕ ከምዘድሊ ብምሕባር ዝቕጽሉ ናይቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ዓንቀጻት ብዛዕባ ሕንፉጽ መርዓ ዝምልከት ክኸውን እንከሎ እዚ ዓይነት መርዓ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ኣብ መንጐ ኣቢያተ ክርስቲያንን ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ኣጋጣሚ ምዃኑ፣ እወታዊ ጐድኑ ብምምልካት ናይ ሃይማኖት ነጻነትን ናይ ሕልና ነጻነት ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ክኽበር እቲ ናይ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ናይ ፍጻሜ ሰነድ የተሓሳብ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፒሮ ኣመልኪተን

ቤተ ክርስቲያን ንኣስፍሆተ ወንጌል እትጥቀመሉ ቋንቋ ከተሕድስ

ብዛዕባ እቲ ቤተ ክርስቲያን ንኣስፍሆተ ወንጌል እትጥቀመሉ ቋንቋ እቲ ናይ ስድራ ቤት ወንጌል ንዓሚዩቕ ትጽቢታት ሰብኣዊ ፍጥረት ብሓቂ ዝምልስ ክኸውን መታን ክትሐድስ ዝብል ሓሳብ ሰፊሕን ዓሚይቕን ኣስተንትኖ ከምእተገበረሉን፣ ሰለዚህ እዚ ማለት ድማ ስርዓታት ብምቕራብ ጥራሕ ማለት ዘይኰነስ እቲ ስለ ሰናይነት ስድራ ቤት ንኽንበር ዘብቅዕ ጸጋ መታን ንኸተበስር እዩ ዝብል ሓሳብ ከምእተሰመረሉ ኣባ ሎምባርዲ ከምዘመልከቱ ፒሮ ገሊጸን።

ስድራ ቤት ዝተረጋገጸ ውሑስ ናይ ጥልቂ ጦብላሕታ ወደብ እዩ

ኣብ መወዳእታ እቲ ናይ ሲኖዶስ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ጽባቔ ስድራ ቤት ብምቅላሕ፣ ኣብ መንጐ ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ዝቐውም መርዓ ዝተመስረተት ዘቤታዊት ቤተ ክርስቲያን ነቲ ንዕብየቱ ዓቢይ ኣስተዋጽኦ እተበርክተሉ ሕብረሰብ ማእከልን ናይቲ ኣብ ምግምማዕ ዘድህብ ሕብረተሰብ መራኸቢትን ናይ ጥልቂ ስምዒታት ወደብን ምዃናን ናይ ስብኣዊ ምህዳር ተማላኢት ብምዃና ብኹሉ ብላዕለዎት ኣካላትን ስልጣናትን ክትሕሎን ክትድገፍን ክትተባባዕን ዝግብኣ ምዃና ተመልኪቱ ከምዘሎ ኣባ ሎምባርዲ ከምዝገለጹ ፒሮ ኣመልኪተን።

ናይ ሲኖዶስ ኣበው ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ ስድራ ቤት ሓዋርያዊ ምዕዳን ክልግሱ ይምሕጸኑ

እቲ ናይ ሲኖዶስ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ናይ ሲኖዶስ ኣበው ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ብዛዕባ ስድራ ቤት ዝምልከት ሓዋርያዊ ምዕዳን ክልግሱ ምሕጽንታ ብምቕራብ ዝጠቓለል ክኸውን እንከሎ፣ እቲ ሕቶ ናይ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ድማ እቲ ሲኖዶስ ዘጽደቖ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ምጽዳቕን ዝቕየር ብምቕያር ዝውሰኽ ብምውሳኽ ዝጎድል እንተሎ ድማ ብምጉዳል ናይ ምጽዳቕ ስልጣን ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ምዃኑ ዘረጋግጽ እዩ እንክብሉ ኣባ ሎምባርዲ ከምዘረድኡ ኢዛበላ ፒሮ ሓቢረን።    








All the contents on this site are copyrighted ©.