2015-10-24 16:39:00

ሲኖዶስ፦ ጋዜጣዊ መግለጺ ዛዕባ ውዕሎ ብፁዓን አበው ናይ ዕለት 23 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም.


ከምቲ ልሙድ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ዕለታዊ ዛዕባ ከይዲ ነፍሲ ወከፍ ዋዕላ ሲኖዶስ ኣሞርኵይዞም ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ንልኡኻት ናይ ዝተፈላለያ መራኸቢ ብዙሃን ጋዜጠይናታት ኣብ ቅድስቲ መንበር ብዝተፈላለዩ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስን ወይ ድማ ብናይ ሲኖዶስ ዕዱማት ተዓዘብቲ ኣካላት ተሰንዮም ዝህብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ብምቕጻል፣ ዕለት 23 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም. ዝተኻየደ ዋዕላ እንታይ ተመስሎኡን ከመይ ከምዝነበረን እንክሕብሩ፦ ቅድም ቀዳድም ኣብቲ ዝወሃብ ጋዜጣዊ መግለጺ ዘሰንይዎም ናይ ፍትሕን ሰላም ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን ኣብ ካናዳ ናይ ኪበክ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ገራልድ ስይፕራይን ላክሩዋን ኣብ በልጅም ናይ ግንት ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሉካስ ቫን ቶይን ኣላልዮም፣ ቤት ምኽሪ ሲኖዶስ ቤት ጽሕፈት ብኣባላት ምሉእ ንኽኸውን ምርጫ ኣባላት ክህሉ እዩ፣ ናይቲ ቤት ምኽሪ ኣባላት ስም ዝርዝር ድማ ዝግለጽ ምዃኑ ሓቢሮም ኣትሓሒዞም፦ ብፁዕ ካርዲናል ኤርዶ ናይ ሲኖዶስ ጠቕላሊ ዘጋቢ ናይ ሲኖዶስ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ንድፊ ናብቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ትሕዝቶ ብዙሕ ከይኣተዉ ከምዘቕረቡ ድማ ኣባ ሎምባርዲ ጠቒሶም ናይ ሲኖዶስ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ባልዲሰሪ ናይቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ተመስሎ ስነ ኣገባቡ ከምዝገለጹን፣ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዕለት 23 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም. ኣብ ሲኖዶስ ብዛዕባ ናይ ማእከላይ ምብራቕ ስድራ ቤት ኩነት ዝትንትን ሰነድ እውን ከምዝቐረበን እዚ ሰነድ’ዚ ተጠናቂቁ ስሩዕ ቅርጺ ሒዙ ድማ እንታይነት ትሕዝቱኡ ብወግዒ ክግለጽ እዩ ኢሎም።

ናይ ዕለት 23 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም. ዋዕላ ሲኖዶስ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ድማ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ብነጻ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ንድፊ ዘለዎም ኣመለኻኽታን ርእይቶኦምን ዘቕረብሉ መድርኸ ከምዝነበረን እቲ ዝቐረበ ርእዮቶን ሓሳብን ብጽሑፍ መልክዕ ቅድሚ ሰዓት ክልተ ከምዝቐርብ ተገልጹን ነዚ ኹሉ ብምእካብ ድማ ናይ ሲኖዶስ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ኣሰናዳኢ ድርገት ድሕሪ ቐትሪ ኣጽኒዑን ቅደምን ሰዓብን ኣትሒዙ ከከም ትሕዝቶኦ ሰሪዑ ዝከኣል እንተድኣ ኰይኑ ኣብቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ከሳዅዖ እዩ። ስለዚህ ናይ ሲኖዶስ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ዕለት 24 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም. ኣብ ዋዕላ ናይ ንጐሆ ቀሪቡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓንቀጽ ድምጺ ክወሃበሉ እዩ፣ ካብ ቅዱስ ኣቦና ጀሚርካ ብጠቕላላ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ነቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ኣሰናዳኢ ድርገት ብሓቂ ምስጋና ኣቕሪቦም እዮም እቲ ዘካይድዎ ዘለዎ ዕዮ ቀሊል ኣይኰነን ኢሎም።

ብዛዕባ ዝቐረቡ ርእይቶታት ኣመልኪቶም ጥቕልል ብዝበለ መልእክዕ ኣባ ሎምባርዲ እንክሕብሩ፣ ጥቕስታት ቅዱስ መጽሓፍ ኣብ ናይ ፍጻሜ ሰነድን፣ ብዛዕባ ስደተይናታትን ኣበ ነፍስ ኣባያቲ ስድራን፣ ስንዮታን ሕንጸትን መንፈሳውነትን ኣብ ስቓይ ንዝርከብ ስድራ ቤትን ዝኣምሰሉ ምንባሮም ሓቢሮም፣ ካልእ ዕሙቕ ዝበለ ሰፊሕ መጽናዕቲ ዝሓትት ድማ ዘተ ኣብ መንጐ ሕልናን ግብረ ገባዊ ሕግታትን ዝብል ሓሳብ ቀሪቡ እዩ፣ ነዚ ዅሉ ግምት ብምሃብ እቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ኣሰናዳኢ ድርገት ዘቕርቦ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ንጽበይ ኢሎም።

እቲ ናይ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ቤተ ክርስቲያን ዘለዋ ጽባቔን ውህበትን ዳግመ ምፅኣት ጐይታ እናማዕደወት ብዘይ ፍርሒ እትነብር ምዃና ዘረጋግጽ እዩ።

ናእዳን ኣድናቖትን ንናይ ሲኖዶስ ናይ ፍጻሜ ሰንድ ንድፊ

ብፁዕ ካርዲናል ላክሮዋ ብወገኖም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፦ እቲ ዝሓለፈ ናይ ሰለስተ ሰሙን ዘተን ምይይጥን እዋን ብሓቂ ጉባእያውነትን ካቶሊካውነትን ዝተነብረሉ ምንባሩ ገሊጾም ናይ ሃሴት እዋን እዩ ኢሎም፣ እዞም ካናዳዊ ብፁዕ ካርዲናል ኣስዒቦም ይብሉ ብፁዓን ጳጳሳት ጓሶት ኣባይቲ ስድራን ምስ ኣባይቲ ስድራ ሓቢሮም ዝጓዓዙን ስድራ ቤት ነቲ ናይ እግዚኣብሔር መደብ ክፍቲ ኰይና ከተእንግድን ክትነብርን ብጉስነቶም ዝመርሑ እያቶም፣ ካብቲ ናብዚ ሲኖዶስ እንክመጹ ዝነበሮም ተስፋ ንላዕሊ ተስፋ ሰኒቖም ናብ ካናዳ ከምዝምለሱ ድማ የረጋግጹ።

ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን እውን ብወገኖም እቲ ናይ ሲኖዶስ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ንድፊ እቲ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ዘቕረብዎን ዝተመያየጡልን ዘቃልሕዎን ሓሳብ ጽማሬ እዩ። ስለዚህ ኣብቲ ሲኖዶስ ካብ መላእ ሓሙሽተ ክፍለ ዓለማት ዝተዋጽኦ ብፁዓን ኣበው ናይ ሓሳብ ፍልልይ ነይሩዎም እዩ፣ ኰይኑ ግና ፈላላይ መናድቕ ዘቕውም ፍልልያት ኣይኰነን፣ እቲ ዝቐረበ ሓሳብ ኩሉ ዝራኸብ ደኣ እምበር ዝገራጨው ኣይከነን እንክብሉ ሓደ ጋዜጠይና ኣብቲ ሲኖዶስ ርእዮታዊ ፍልልይ ዶ ኔሩ እንክብል ንዘቕረበሎም ሕቶ ይምልሱ።

ብፁዕ ኣቡነ ቫን ሎይ ኣብ ስደተይናታት ኣባይቲ ስድራ ኣተኵይሮም እቲ ሲኖዶስ፣ ጉባኤያዊ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ እዩ። ኣባይቲ ስድራ ኣብ ኣስፍሆተ ወንጌል ዘለዎም ግደ ዘቃልሕ ድማ እዩ። ቤተ ክርስቲያን ሰናይ ስድራ ቤትን ክፉእ ስድራ ቤትን ቢላ ንኽትፈርድ ኣይኰነን እትእከብ፣ ምስ ኣባይቲ ስድራ ሓቢራ ብምጓዓዝ ስድራ ቤት ኣብ እምነት ተጽንዕን ተሰንይን ኣብ ጎዳና ኣስፍሆተ ወንጌል ክተግህ እናመዓደት ኣብ ኣስፍሆተ ወንጌል ዘለዎ ግደ ተመልክት።

እቲ ሲኖዶስ እትፈርድ ቤተ ክርስቲያን ዘይኰነ እተእንግድን ኣቑሳል ኣባይቲ ስድራ ብርህራሄ ቀሪባ እትፍዎስ ቤተ ክርስቲያን የቕርብ።

ሰለስቲኦም ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተስተፉ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ድማ ካብ ጋዜጠይናታት ንዝቐረበሎም ሕቶ፦ ብዛዕባ ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዘተ ከምእተኻየደ ገሊጾም ብፍላይ ድማ ከምዚ ዓይነት ጾታዊ ስምዒት ዘለዎ ኣባል ዝርከባ ስድራ ቤት ዝምልከት ሓሳብ ተላዒሉን ዘተ እውን ተገይርሉ እዩ እንክብሉ መሊሶም።

ቀጺሎም ድማ ኣባ ሎምባርዳ ብወገኖም  ካብ ልኡኽ ጋዜጠይና ዎል ስትሪት ጆርናል ንዘቐረበ ሕቶ እንክምልሱ፦ ዘተኣዊ ርክብ ሕልናን ሕግታት ግብረ ገብን ዝብል ዝቐረበ ሓሳብ ሓፈሻዊ ድኣ እምበር ውሳጣውን ደጋውን ጉዳዩ ዝምልከት ኣይነበረን እንክብሉ ይምስሉ።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓሳብ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ዝወሃብ ናይ ድምጺ ስነ ስርዓት ፍናዊ ኣስተርጐምቲ ኣለዉ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሲኖዶስ ኣከራኸርቲ ተባሂሎም ዝግለጹ ሓሳባት ብዝምልከት ክጥቅመሉ ዝግብኦም ቃላት ዝተሓበሩ ድዮም፣ ንዝብል ሕቶ ድማ ኣባ ሎምባርዲ እንክምልሱ ብሓጺሩ ኣይተውሃበን ኢሎም።

ኣብ ጸገም ዝርከብ ንኣብነት ዝተፋትሑን ዳግም ዝተመርዓዉን ቀሪብካ ሽግሮም ምስማዕ ዝብል ናይ ሲኖዶስ ሓሳብ ብጭቡጥ ኣዘራርባ እንታይ እዩ ዘስምዕ ንዝብል ሕቶ ኣባ ሎምባርዲ እንክምልሱ፦ እዚ ሕቶ’ዚ ብተደጋጋሚ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ቀሪቡ እዩ፣ ስለዚህ እቲ ሽግር ነፍሲ ወከፍ ብፁዕ ኣቡነ ዝፈልጦ እዩ፣ እዚ ሽግር ብትኽክል ብዝምልከቶ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝምራሕ እዩ እንክብሉ መልሲ ብምሃብ ናይ ዕልቱ ውህቦ ጋዜጣዊ መገልጺ ኣብዚ ዛዚሞም።








All the contents on this site are copyrighted ©.