2015-10-20 15:57:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ብፁዕ ካርዲናል ማርቲኒ ናይ ዶብ ኣልቦ ዘተ መምህር


ናይቶም ዕለት 31 ነሓሰ 2012 ዓ.ም. ኣብ ሰማያዊ ቤት ዝተወልዱ ካብ 1979 ክሳብ 2002 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ናይ ሚላኖ ሊቀ ጳጳሳት ኰይኖም ዘገልገሉ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ናይ ስነ ቅዱስ መጽሓፍን ቲዮሎጊያን ሊቅን ኣብ ሞንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሑን ናይ ዘተ ካርዲናል ብዝብል ስም ዝልለዩ ዝነበሩ ነፍሴ ሄር ብፁዕ ካርዲናል ካርሎ ማሪያ ማርቲኒ እቲ ኩሉ ኣብ ቲዮሎጊያ ስነ ቤተ ክርስቲያንን ስነ ቅዱስ መጽሓፍን ስነ መንፈሳውን ስነ ቤተ ክርስቲያናዊ ስነ ማሕበራውን ወዘተ ኣብ ዝተፈላለየ ርእሰ ጉዳይ ኣሞርኵይዞም ዝደረስዎ ናይ መጽናዕቲ መጻሕፍት ከከም ኣርእስታቱ ተኸታታሊ ዓበይቲ ናይ ብፁዕ ካርዲናል ካርሎ ማሪያ ማርቲኒ ድርሰታት ብቤት ማሕተም ቦምፒያኒ ብስሩዕ ተኸታታሊ መጽሓፍ ተሓቲሙ ብወግዒ ንንባብብ ከምዝበቕዔ እንክሕበር፣ ኣብታ ዓውዲ ናይ ኢአማንያን ዘረእስታ መጽሓፍ መእተዉ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጽሑፍ ዝተነብሮ ከምዝዀነ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ናይ መእተዉ ጽሑፎም ብፁዕ ካርዲናል ማርቲኒ፣ ከም ሰብን ጳጳስን ብሲኖዳሳዊ ኣገባብ ዝምርሑን ኣብ ቕዱስ መጽሓፍ ኣብ ዝነበሮም ፍሉይ ፍቕሪ መሰረት ኣስተንፍሶ ነቲ ዓቢይ ናይ ሕይወት ክብሪ ዝገበረን ሕውነታዊ ናይ ሓባር ናብራ ዘነቓቕሑ ንዘተ ክፉት እንክብሉ ከምዝገለጽዎም ልኡኽ ጋዜጠይና ደ ካሮሊስ የመልክቱ።

ኣማኒ ናይ ዘይምእማን ስግኣት ኣብ ውሽጡ ሒዙ ዝጓዓዝ (ቅሩብነት ንዘይምእማን) ክኸውን እንከሎ ኢኣማኒ ድማ ኣብ ውሽጡ ናይ እምነት ፍረ ሒዙ (ቅሩብነት ንእምነት) ዝጓዓዝ እዩ፣ ስለዚህ እቲ ኣብ መንጐ ኢኣማንያንን ኣማንያንንን ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ኣብቲ ናይ ሓባር ረቛሒ ዝዀነ ቅሩብነት ኣብ ዝብል ምዃን ዝጸንኤ እዩ። እቲ ንኹሉ ፍጥረት ሰብ ዘሰንይ መሠረታዊ ናይ ምዃን ሕቶ ንናይ ሓባር ዘተ ዝድርኽ ምዃኑ ብምቅላሕ፣ ነዚ ሓሳብ መሠረት ገይሮም ድማ ኣብ 1987 ዓ.ም. ዓውዲ ናይ ኢኣማንያን ኣቑይሞም ናይ ኣማንን ዘይኣማንን ኣመክንዮ ዝቐርበሉ መደብ ዘተ ክካይድ ከምዘበገሱ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ጽሑፎም ከምዝሓበሩ ዝገለጹ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደ ካሮሊስ ኣስዒቦም፦

ሲኖዳዊ ኣገባብ

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዝደረስዎ ናይ መእተዊ ጽሑፎም ብፁዕ ካርዲናል ማርቲኒ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብቲ ብመዳይ ስነ ምግባርን ስነ ሰብእን ዝካየድ ዘተ ማሕበረ ክርስቲያን ዓቢይ ፍርያማ ኣበርክቶ ክህብ ከምዝኽእል ኣቐዲሞም ዝተረድኡ ምንባሮም ገሊጾም፣ እቲ ናይ እምነት መሠረት ናይ ምስሕሓብን ተቓውሞነትን ምኽንያት ከይከውም ዘስተምሃሩን መሰረተ እምነት ብገዛእ ርእሱ ናይ  ግርጭት ምኽንያት ዘይኰነስ በንጻሩ ናይ ሓባር ሰላማዊ ናብራ ዘነቓቕሕን ዝድግፍን ንናይ ፍትሒን ምትሕብባርን ጻዕሪ ዘተባብዕ ምዃኑ ዘቃልሑን ዘስተምሃሩ እንክብሉ ከምዝገለጽዎም ኣፍሊጦም።

ብፁዕ ካርዲናል ማርቲኒ እቲ ካብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝምንጭው ሲኖዶሳዊ ዝብል ቃል ኣብ ሕድ ሕዳዊ ጽን ምብህሃልን እቲ መንፈስ ቅዱስ ዘስተንፍሶ ብሓባር ምልላይ ንናይቲ ዝተፈላለየ ቅዋመ ዘለዎ ሕዝበ እግዚእብሔር ሕሊና ዘንቀሳቕስ ምዃኑን ብሓባር በዚ መገዲ’ዚ ድማ እቲ ፍልልይ ናይ ግጭት ምኽንያት ከይከውን ዘስተምሃሩን እዚ ኹሉ ንኽትንትኑን ነኸስተምህሩን ዝደረዀም ኣብ ስነ ሰብእ መጽናዕትን ምርምርን ድላይ ዘይኰነስ እቲ ሕያዊ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝዀነ ኢየሱስ ክርቶስ ከመይ ቢሉ እዩ ኣብዚ እዋን’ዚ ናይ ተስፋ ምንጪ ምዃኑ ዝግለጽ ካብ ዝብል ዓሚይቕ ሕቶ ዝነቐለ ምንባሩ ድማ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ናይ መእተዉ ጽሑፎም የመልክቱ።

ሰገር ኣልቦ ዘተ

እቲ ካልኣይ ናይ ብፁዕ ካርዲናል ማርቲኒ ኣገባብ ሕይወቶም ድማ ዘተ ብደረጃ መንፈሳውነትን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝብል ምንባሩን እዚ ናይ ማርቲኒያዊ ኣገባብ ነቲ ኣብ ኣመንቲ ማሕበረሰብ ገዛእ ርእሱ ከም ኣባል ገይሩ ዘይሓስብ ኣማኒ ዘናድይ ሕይወት ዝገለጽ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ኣብሪሆም፣ እዚ ድማ እቲ ኣብታ ካብ ገዛእ ርእሳ ወጺእ ናብቲ ደጋዊ ክፍሊ ከተማታትን ህልውናን እተብል ኣብቲ ኵላውነት ወንጌል እትኣምንን ናብ ኵሉ ፍጥረት ሰብ ብርሃንን ኣስተንፍሶን እተቕርብ ልእኽቲ ቤተ ክርስቲያን ዘተባብዕ እዩ ከምዝበሉ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።

ናይ ቅዱስ መጽሓፍ መምህር

ነቶም ዝተነጸሉ ቀረባ ንምዃንን እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝግለጽ ብጻይ ዝብል ቃልን ትርጉሙን ዘማእከለን ኣብ ኩለ መዳይ ሕይወት፣ ክንበር ዘለዎ ኣገባብ ሕይወት ዘቃልሑን እቲ ንቓል ኣምላኽ ዘለዎም ፍሉይ ፍቕርን ዝነበሮም ሊቕነትን ኣብሳሪ ቃል ኣምላኽ ምዃን ጸዋዕታኦም ዝደገፈን ኣብዚ መዳይ ሰፊሕን ዓሚይቕ ስልጣናዊ ትምህርቲ ከቕርቡ ከምዝደገፎም በዚ መገዲ’ዚ ድማ ኣብ ሚላኖ እትረክ ሰበኻ ኣምብሮዚዩስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ኢግናዚያዊ መንፈሳውነት ክሰርጻ ከምዝገበሩ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዝደረስዎ ናይ መእተዉ ጽሑፍ ከምዘስመሩሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ደ ካሮሊስ ኣስዒቦም፦

ሰብኣዊ ዝግበር ስልጣናዊ ትምህርቲ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ዓቢይ ተኸታታሊ መጽሓፍ ነፍሴ ሄር ብፁዕ ካርዲናል ማርቲኒ ዓቢይ ሃብትን ከምኡ ድማ ብኸምዚ መገዲ’ዚ ንንባብ ክበቕዕ ምግባሩ ግብእን ሓላፍነት እውን ምዃኑ ኣብቲ ዝደረስዎ ናይ መእተዉ ጽሑፍ ገሊጾም፣ ኣብቲ ኣዋናዊ መነባብሮና ንመጻኢ ብዝኣመተ ተስፈይና መገዲ ብምምልካት ሰብኣውነት ዝዓሰሎ ብሉጽ መጻኢ ንምህናጽን ነቲ ዝረአይ ኢሰብኣውነት ከይዲ ንምውጋድ እውነተይና ናይ ሕይወትን ሕውነታዊ ናይ ሓባር ናብራ ንምሕናጽ ዝድግፍን ዘተባብዕን ዝመርሕን እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጦም።








All the contents on this site are copyrighted ©.