2015-10-20 16:03:00

ሲኖዶስ፦ ጋዜጣዊ መግለጺ ዛዕባ ውዕሎ ብፁዓን አበው ናይ ዕለት 19 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም.


ከምቲ ልሙድ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ዕለታዊ ዛዕባ ከይዲ ነፍሲ ወከፍ ዋዕላ ሲኖዶስ ኣሞርኵይዞም ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ንልኡኻት ናይ ዝተፈላለያ መራኸቢ ብዙሃን ጋዜጠይናታት ኣብ ቅድስቲ መንበር ዝህብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ብምቕጻል፣ ዕለት 19 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም. ዝተኻየደ ዋዕላ እንታይ ተመስሎኡን ከመይ ከምዝነበረን እንክሕብሩ፦ ቅድም ቀዳድም እቲ ዝህብዎ ጋዜጣዊ መገልጺ ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፉኣድ ትዋልን ኣብ ኣውስትራሊያ ናይ ብሪስባነ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ማርክ በነዲክት ኮለሪድገን ኣብ ኢጣሊያ ናይ ፓርማ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኤንሪኮ ሶልሚ ዝተሰነየ ምዃኖም ነዞም ናይ  ሲኖዶስ ኣበው ኣባላት ኣላልዮም፣ ዕለት 17 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም. ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ምስረታ ሲኖዶስ ከምእተብዓለን በቲ በዓል ምኽንያት ድማ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዘስምዕዎ መልእኽቲ ከምእተዘርግሔ ኣፍሊጦም።

ብፁዕ ኣቡነ ትዋል

እቲ ሲኖዶስ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብሁባሬ ዘዛትይ ብምዃኑ ካብቲ ፍሉይ ናብ ጉባእያውነት ዝመርሕ ሲኖዶሳውነት ዘቃልሕ እዩ። ስለዚህ እቲ ሲኖዶስ ስለ ስድራ ቤት ሰናይ ዝሓስብ ብምዃኑ ብዝተፈላለዩ ብፁዓን ኣብው ሲኖዶስ ኣቢሉ ዝብቐረበ ሓሳብ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣባይቲ ስድራ ኩነት ዝተንከፈ እዩ ቢሎም ንዝተፋትሑን ዳግም ቃል ኪዳን ኣሲሮም ንዝነብሩ ሱታፌ ቅዱስ ቁርባን ምፍቃድ ዝብል ሓሳብ ንኹሉ ብሓፈሻኡ ዝብል ዘይኰነስ ናይ ነፍሲ ወከፍ ዳግም ቃል ኪዳን ዝኣሰሩ ጉዳይ ብምምልካት ዝፍጸም ምዃኑ ሓቢሮም።

ብፁዕ ኣቡነ ኮለሪድገ

ኣብቲ ዝካይድ ዘሎ ሲኖዶስ ከምቲ ማኒከይዝማዊ ፍልስፍናዊ ስነ ሓሳብ ዝብሎ ክውንነት ጽምዳዊ ርእየት ዘለዎ ምግምማዕ ከምዘየለ ሓቢሮም፣ እቲ ሲኖዶስ ዕለት 25 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም. ብወግዒ ዝጠናቐቕ እውን እንተዀነ እቲ ከይዲ ሲኖዶስ ቀጻሊ እዩ ቢሎም እዚ ሲኖዶስ’ዚ ስድራ ቤት ኣብ ዝብል ጭቡጥ ኩነት ዘማእከለ ብምዃኑ ዝብሎን ዘመሓላልፎን ሓሳብ ብጭቡጥ ብሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ክቐርብ ዝድግፍ እዩ። ስለዚህ ዝተፋትሑን ዳግም ዝተመርዓዉን ዝምልከት ጉዳይ መልሲ ንምሃብ ኣብ ፍትሕን ዳግም መርዓን ኣብ ዝብል ስነ ሓሳብ ምስትንትና ዘይኰነስ ነቲ ዝተፋትሔን ዳግም ዝተመርዓወን ክውን ሕይወት ምምልከት ከምዘድልን። ተመክሮ ሰብ ንኽውንነት ብዝያዳ ካብቲ ረቂቕ ክልሰ ሓሳብ ንላዕሊ ዝብል እዩ ኢሎም።

ብፁዕ ኣቡነ ሶልሚ

እቲ ሲኖዶስ ካቶሊካውነት እዩ። ኵላውነት እዩ፣ ስለዚህ ኣብቲ ሲኖዶስ ኵላውነት ይንበር ከምዘሎ ድማ ሓቢሮም እቲ ፍሉይ ሕቶ ብዅላዊ መልክዕ መልሲ ንምሃብ ዝፍትን ጉባእያውነት መንፈስ ዝዓሰሎ ሲኖዶስ እዩ፣ ስድራ ቤት ናይ ቤተ ክርስቲያንን ናይ ሕብረተሰብ ማእከል እዩ። ቤተ ክርስቲያን ነቶም ኣብ ጸገም ዝርከቡ ኣባይቲ ስድራ ቀሪባ ከምእተሰንን እዚ ድማ ኣብቲ ብቤተ ክርስቲያን ዝግለጽን ካብ ቤተ ክርስቲያን ክንየው ኣብ ዝዀነ ምሕረት እግዚኣብሔር ተኣሚና  ብሕንጸት ልልያ እናመስከረት ብምጓዓዝ ናይ ነፍሲ ወከፍ ስድራን ሰብ ሓዳርን ጸገም ብዕምቆት ትምርምርን ብሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣቢላ ድማ ድጋፋ ተቕርብ፣ እቲ ሲኖዶስ ናይ ስነ ጽባቔ ዘይኰነስ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሕይወት ዘጋጠምን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንስድራ ቤት ዝግብኦ ስፍራ ምሃብ ዝብል እዩ እንክብሉ ሓቢሮም በዚ ሓሳብ’ዚ ድማ ኣባ ሎምባርዲ ናይ ዕለቱ ጋዚጣዊ መገለጺ ዛዚሞም። 








All the contents on this site are copyrighted ©.